Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Nov 4, 2017 1:34 PM
148.184.174.61
ሓሶት 'ዛ ማንቲለ
ሰባር ግለግለ
መሓዛ ወያነ
ትፋጺ እነሆለ
ፍጹም ዘይተገብረ

ዘየሕንኻ ጠቐን ጸለመ
ስንቂ ጠላም ምስ ጥፍኣት ዘዐመ
ጋዜጠኛ ሓቂ ዝኾነነ
ንራህዋ ንሰላም ዘይምነ

ክንቲት ዶ ክንብላ ዋላ ግመ
ሕፍረት-ኣልቦ መሕቢኢት ዓጢነ
ባላንቺና ዕምራ ዝሓጸረ
ተበሊላ ግብራ ከይሰመረ

ሓሶት ኮይኑ ኩሉ ዝተባህለ
ኣይሰረሐን ጠቐነ ጸለመ
ጎይታ ሓቂ ኮሪዑ እነሀለ

ህዝቢ ኤረይ እዋሓስ ምስ በላ
መላኽዒት ሕፍረት ተጎልቢባ
ተሸጊራ ክትደግሞ 'ቲ ቓላ
YHM
Nov 2, 2017 3:30 AM
71.202.43.232

It's sad to see Presstv.com join anti-Eritrea(ns) propaganda song - on this "demonstration" and to make much bigger than it is. Just to hide what the real problem is, and they know it. And they call themselves journalists? For their readers sake, they can do better that tabloid journalism. Absolutely shameful!

Eritrea(ns) will always stand together and stronger as always. Long live the unity of the people of Eritrea!

ስእለ
Nov 1, 2017 5:01 PM
148.184.174.61
ተቛወምቲ'ዶ ተቛመርቲ፧
ዑሱባት ወየንቲ፧
ወይስ ናይ ጥፍኣት ሓለምቲ፧

ንሓቂ ፋሓቚቲ
ሓሰውቲ ወቀርቲ
ንህውከት ረሃጽቲ
ከዳዓት ከደምቲ - ብገንዘብ ንባዕዲ

እንታይ ይበሃል፧

"ሰማይ ጸዲፉ
ህዝቢ ተወዲኡ
ተኣሲሩ ተሞቊሑ..."
ኢልካ ከተውሪ
ብሓሶት ብሃውሪ
እንታይ'ዩ ከፍሪ፧

ክንደይ ዘይሰማዕና
ዘይተኣልመ ኣንጻርና
ንኹሉ መኪትና
ንምርሽ ኣሎና
ኣብ ሓዲድ መስመርና

ዑሩባት ሕልና
ባዓል ዑና-ምና
በጃኹም ግደፉና
ኣብ ህንጸት ኣለና
ግዜ ኣይትስረቑና

ሰላም'ያ ኤርትራ!
YHM
Oct 28, 2017 8:20 AM
71.202.43.232
Undocumented special-needs girl in federal custody after emergency surgery

(CNN) - An undocumented 10-year-old girl with cerebral palsy was taken into US Customs and Border Protection custody shortly after emergency gallbladder surgery in Texas in a case that advocates say shows the harmful extent of the President's hard line on immigration policies.

http://www.cnn.com/2017/10/26/health/undocumented-child-federal-custody-surgery-trnd/index.html
ስእለ
Oct 26, 2017 4:36 PM
148.184.174.61
ኣለክሳንደር ጣዓመ ኢሳቕ፡
ሪአካ ደሚቕካ
ኣብቲ ማእከል ሜዳ
ምስ ደቂ ጋንታኻ
ክጽዋዕ 'ቲ ስምካ
ኣብ ኑኡስ ዕድሜኻ
እንኳዕ ኣሐጎሰካ!

ኣቤት ውሕልነት!
ናይ ኲዕሶ ክእለት
ካብ ልቢ ዝድነቕ

ተሕልፋ ትቕብቅባ
ንወዲ ጋንታኻ ትህባ
ምስ ሰኪዐት ተራኽባ
ንደገፍቲ ተሐንፎፎም ጸባ!

ኩሉ ተገሪሙ
ተሓጒሱ ዓሊሉ
ዕበየልና ኢሉ
ክሪአካ ደጋጊሙ

http://www.madote.com/2017/10/video-eritrean-football-star-alexander.html#disqus_thread

ስእለ
Oct 25, 2017 12:56 PM
148.184.174.61
ኣቕልቡሉ!
======
ኣቕልቡሉ እዚ ጉዳም ዓቀይታይ
ፍቱሕ ስረ ኣነ'የ ባሃላይ
ዘይከኣለ ሂወቱ ምንባይ

ጸረ-ዕብየት ቁጥሚ ሙጹጹላይ
መሓዛ ወኻሩ ዑሱብ ተላኣኻይ
ድኹም ፍጡር ናይ ኣእምሮ ሕዋይ

መንደልሓቒ ዘይሓስብ ንዳሕራይ
ሰብ መሰል ኣራዊት ተመን ተጻባኣይ
ይንቊ'ሎ ከም ኣራዊት ኣባይ
እንዳልዓለ ሃገር መሲሉ ሓላያይ

ኣቕልቡሉ!
Abraham Zeweldi
Oct 18, 2017 9:35 PM
98.245.57.39

Printing Counter fit nakfa by Woyane is not a surprise

By Abraham Zeweldi

Printing Counter fit nakfas by Woyane is not a surprise, what is surprise is that Woyane have been sleepless for the last two years how to figure out in printing counter fit nakfa. Indeed, it took them two years to figure out in printing counter fit Nakfa. Woyane’s ultimate desire and dream are targeting double jeopardy upon Eritrea has never been and would not be enough or final action, but there will be a desperate move as always they will continue in doing so whenever they panicked by the Ethiopian people.

What is clear from Woyane is that lesson learnt does not exist in their vocabulary. Enough is about Woyane; let me come back to the Eritrean government and the Eritrean people at large what is needed to be done.

1. Woyane is posed to infect the Nakfa with counter fit nakfa if indeed they figured it using renegades Eritrean and some innocent Eritrean unknowingly just as P.I explained it last interview. Renegade Eritreans will be flooding with intention to Ethiopia to carry out counter fit nakfa and exchange $1, 50 to 100 counter fit nakfa anywhere outside of Eritrea. And culprit Eritreans of course and some innocent Eritreans will carry the counter fit nakfa to Eritrea as they go for vacation to have goodtime in Eritrea and obviously the culprits with bad intention to infect Nakfa with counter fit nakfa.

2. Absolutely, the Eritrean government will give it extremely attention this toxic ambition by Woyane and would hand it at most care. And hence, I just want to air out my unassuming and honest notify. With no exception, as small as mail and as big as car that Entering Eritrea at any port of entry must be checked seriously. Any person that entering Eritrea should be given a stern warning not to come with Woyane’s counter fit nakfa and must be checked seriously at any port of entry in Eritrea. Diplomatic parcels and NGO workers are the most notorious players in transferring counter fit money activities, Eritrea cannot be exception from such toxic attacks.

ስእለ
Oct 15, 2017 10:16 PM
108.48.36.197
ልቡ ክሰርቅዎ - መሓዛ ይብልዎ
==============
ልኡኽ ባዕዲ ዘይፈልጣ ንነብሱ
ጸረ-ሰላም መሓጐስ ለኣኽቱ
መሓዛ ይብልዎ ክሰርቅዎ ልቡ
ስርናይ ይጽዕኑሉ ከገልግል ሰሊጡ

በየናይ ትሕዝቶ በየናይ ኦኮኖሚ
በየናይ ዓቕሚ በየናይ መዐቀኒ
መሓዛ ሓያላን እንዳለመነ መግቢ፧

ስሙ ይድርዑ ይብልዎ ገስጋሲ
ናይ ለውጢ ሃወርያ ኣብ ኣፍሪቃ ቀርኒ
ወያነ ይዕንድር መሲልዎ ሓቂ

ይብልዎ መሓዛ ነቲ ዝለኣኾም
ይብልዎ ዲክታተር ነቲ ዝምክቶም
ሲጊንጢር መግለጺ ዘይስማዕ ዘይቁብል

ኣብ ሓይሊ ሓያላን ውሽጢ ተሸጒጥካ
ንሕግን ውሳኔን ፍጹም ዕሽሽ ኢልካ
ብዓሌት ብቛንቋ ህዝቢ ከፋፊልካ
ኣድልዎን ዓመጽን እንዳኣተባባዕካ
ኣይቅጽልን ስልጣን ወይን ርእሲ ድኳ

ናብ ሩሑቕ ቀረባ መታን ክልእኩኻ
ረብሓኦም ክትሕሉ እንተነኣዱኻ
ኣይምሰልካ ሓቂ መሓዛ ዝኾንካ
ስእለ
Oct 9, 2017 7:17 PM
108.48.36.197
ክብሪ መንነተይ
======== 
ክብሪ መንነተይ ስመይ ዝደምቀላ
ኮሪዐ ብሓጐስ ዜጋ’የ ዝብለላ
ዓው ኢለ ብኽብሪ ንስማ ዘልዕላ
ሓበን ወለዶታት ኤርትራ’ያ ባዕላ

ንእሽቶ ዓብዪ ኩሉ ዝሕብሕባ
ሃብቲ ትሕዝቶኡ ሂወት ዝኸፍለላ
ኣብ ህንጸት መኸተ ቅድሚት ዝሓልፈላ
ካብ ሩሑቕ ቀረባ ኣለኹልኪ ዝብላ
ናይ ሰማእታት ህያብ ሃገረይ ኤርትራ
 
ብሌን ዓይኒ ናይ ህልዋት ባህታ
ተሃራፊት ዘይብላ መሰታ
ዘይትምኖ ከም እኽለማይ ጣይታ

ትንፋስ ኢኺ ማሓውር ጭዋዳ
ብርሃን ኢኺ ከም’ቲ ኮኾብ ጻዕዳ
ግርማ ኢኺ ኤርትራዊ ሞንጉዳ
ክብሪ ሓፋሽ ናይ ኣበው ግምጃ
ስእለ
Oct 5, 2017 11:35 PM
108.48.36.197
ሓበሻ ኣይትበሉኒ
=========
ስማዕ! ስምዒ! ጽን በሉ!
ክብሪ መንነተይ ትዝንጥሉ
ንኤርትራዊ “ሓበሻ” ትብሉ
ቅጥፈት’ዩ ተንኮል ዝማእከሉ

በዓል ርስቲ ክነሰይ በዓል ሃገር
ብባህሉ ዝልለ ብቑምነገር
ብኤርትራውነተይ ዝንየት ዝሕበን
“ሓበሻ” ክበሃል ኣበይ’ዩ ‘ቲ ተንኮል፧

ከተድምጹ “ሓበሻ” እናሻዕ
ጽውጽዋይ ኣይስተ ኣይብላዕ
በራዚ መንነት ናይ ሰነፋት ጉሳዕ
ስለምንታይ ‘ዚ ኹሉ ቀልባዕባዕ፧

እንተ ብተንኮል ብገርሂ
ወይስ ብዕሽነት ጉርሒ
ኣነ ዘይፈልጦ ጽልኢ
ከይትብሉኒ “ሓበሻ” ካብ ሎሚ

ክደግመልኩም ሓደራ ክብለኩም
“ሓበሻ” ኣይትበሉኒ
መንነት ኣሎኒ
ኤርትራዊ ክብሪ
ወርትግ ዘዅራዓኒ

እወ
ልዕሊ ኤርትራዊ - መለለዪ ክብሪ
ኣሎ ኣይብልን - ኣብ’ዛ ዓለም ምድሪ!
ስእለ
Oct 3, 2017 5:19 PM
148.184.174.61
ሓዳስ ኤርትራ
ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ
መጽሓፍ'ያ ውሽጣ ዝበርበራ
ቁምነገር ሳይንስ ዝዓብለላ
ባህሊ ታብሎይድ ዘይበከላ

መምህር ኢኺ ተዕሙቚ ፍልጠትና
ከነስተብህል ኣብ መግቢ ጥዕና
ብርዲኢት ክንመርሕ ሂወትና

ደብተር ኢኺ ኩሉ ዝርከባ
ስነ-ፍልጠት ምስ ዓሚቕ ትንተና
ኣገዳሲ ሂወት ፍልስፍና

ትፍትሺ ከይጠፍእ ባህልና
ተማእዝኒ መንገዲ ቅንዕና
ቤላ-በለው  ሓሶት ዘይቐርባ
ደላይ ፍልጠት ብትኹረት ዘምብባ

ንሩሑቕ ቀረባ ተአንግድ ኣሕቢራ
ኣይትጥፍኢ ኣይተሻቕልና
ኣብ ግዜኺ ኣለኹ በልና
ፍልጠት ትሕዝቶኺ ከይሓልፈና

ንኣሰናዳእትኺ ድማ ብኸፈር ምስጋና!!
ስእለ
Sep 30, 2017 2:38 PM
148.184.174.61
ማኣዝን ዘጥፍአ …
ውድብ ሕቡራት ሃገራት
ልሙስ ዝጎደሎ ብቕዓት
ዘይቕበጽ ናይ ፍትሒ መንዳዓት

ንቻርተሩ ግዳይ ዝገበረ
ደላይ ፍትሒ ኩርኒዒት ዝሃበ
ብውዲት ብተንኮል ዝዘቕበበ

ማኣዝን ዘጥፍአ ሰላም ኣብ ምንባይ
ቅልጽሙ ዘዐንትር ድኹም ኣብ ምጉናይ
ናይ ሓያላት ባይቶ ዘኹረፈ ምዕራይ

ዓመታት ዘቝጸረ ንፍትሒ ክቐትል 
መንገዲ ሲሒቱ ዉሑዳት ከገልግል 
ሻርነት ኣንጊሱ ጁቡኡ ዘሀጥር

ብዓሎቕ ብሸፈጥ ንፍትሒ ጓዕጺጹ 
ድርብ መዐየሪ ኣብ ኢዱ ጨቢጡ 
ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ኣብ ዓለም ዛይዱ

ሓላው ሰላም መንጎኛ መሲሉ 
ዝስልል ዝዕምጽ ክፉእ መጋብሩ 
መሳርሒ ሓያላን ንፍትሒ ደዊኑ

ወዛል ገዛ ቤት ጽሕፈት ሓሙሽተ 
መታለሊ ናይ ጥፍኣት ዉሻጠ 
ብስም ሓላው ሰላም ቡልሽውና ዘንገስ

ጉዳም ባይቶ ኣትማን ዝመኽሩሉ 
ብጉቦ ምፍርራሕ ኣእዳው ዝጠውይሉ 
መአከብ ዓመጺት ገዛ ጓሓላሉ

ንምዕባለ ንናይ ስራሕ ጽፈት 
ዝሓንገደ ከይዕረ ከይውደብ 
ደላይ ፍትሒ ከይረክብ መስተርሆት

ስእለ
Sep 29, 2017 11:51 AM
148.184.174.61
እምነት ኣሎኒ
---------
እምነት ኣሎኒ - ሙሉእ እምነት
ኣብቲ ጅግና ኤርትራዊ ሓየት
ንሃገር ንህዝቡ ብግብሪ ዝሕለቕ
ዕርዲ ሓጺን ሰሪሑ ዘይንየት

ዋልታ ሃገር ኣብ ጸገም ኣብ ህንጸት
ዘይህመል መሬት ትትኣየድ
ብኸዳሚ ዑሱብ ጒሒላ መሽረፈት

እምነት ኣሎ ኣብቲ ሃብሮም ጅግና
ጽኑዕ ሓበን ደጀን ኤርትራ
ወርትግ ዉፉይ ንሃገር ዕላማ

ክብሪ ኣሎኒ - እምነት ኣብ ሻዕብያ
ጎይታ መትከል ኣብ ሽግር ኣብ ራህዋ
ዘይሽበር ብጸላእቲ ጉጥያ
ዘኸንድዶም ብድሎ ብድብያ

ዓይኒ ንስሪ ትኩር መስተውዓሊ
ትልሚ ኣባይ ብኣጋ ኣፍሻሊ
ቅድሚ ኹሉ ኤርትራ ብሃሊ
ወትሩ ኣብ ዕዮ ሓፋሽ ከማዓሪ
ስእለ
Sep 26, 2017 12:58 PM
148.184.174.62
ልቦና ግበር
======
ብማርያም ኢለካ ብእዝግኣብሄር
በቶም ፈጠርትኻ ልቢ ግበር
ብሕጊ ተገዛእ እይጥጸለል
ንፍቕሪ ንሰላም ኣለኹ በል

ኣብ ንኲለር ቦምባ ኣይትእመን
ኣዕናዊ ባኣታ ስግኣት ዓለም
ህሮሽማ ናጋሳኪ ምስክር ‘የን

ኣሻሓት ሂወት ዝቐዘፈ
መሬቱ ኣየሩ ዝመረዘ
ተካኣዮ ብልዝብ ብዘተ
ጉዕዞ ሰላም ልዝብ’ዩ ዝሓሸ 
YHM
Sep 23, 2017 4:21 PM
71.202.43.232

'I Am Not Your Negro,' a documentary film

http://presstv.ir/Detail/2017/09/23/536180/I-Am-Not-Your-Negro

ስእለ
Sep 19, 2017 4:25 PM
148.184.174.61
ኣድጊ ትምርቒ'ዶ ትረግሚ
እንተለኺ ትጻዓኒ ተገልግሊ
እንተ ሞትኪ ትሕረዲ ትኽሸኒ
ኣብ ዘመነ ወያነ መታለሊ

'ቲ ቆርበትኪ ተሸይጡ ብባሕሪ
'ቲ ስጋኺ ተቐልዩ ብጠስሚ
ሃየ ድኣ ሕጅስ ስም ቀይሪ

ካብ ጀመርኪ -
ማዕረ ጠለ-በጊዕ ክትቁጸሪ
ከም ደርሆ ብዕራይ ክትክሸኒ
ብዶላር ብየን ክትሽነኒ
ግደፍዮ ምህላል እልል በሊ

ንወያነ ትግራይ ኣመስግኒ
ዘይግድሶ ኢትዮጵያዊ ባህሊ
ፈሪዱኪ ዶላራት ክኣሪ
ክሓርደኪ ዘይቀርእ ዘይጽሊ
ስእለ
Sep 18, 2017 3:37 PM
148.184.174.62
ቅሓር ሓቂ
======
"ክሰርቀኒ ዝረኣኽዎ፣ ክመልሰለይ ነይኣምኖ"
ተባሂሉ ቀደም ብዓንተቦ
ብወለዲ ለባማት ሰብ ሽቦ
ጥጂእ ምዕራባውያን ዘረብረቦም

እዞም
ኳሓልቲ መሲሎም መንቆርቲ
ኣበድቲ መሲሎም ኣብከይቲ
ሓለይቲ መሲሎም በደልቲ
ሓበርቲ መሲሎም መናቖቲ
ንቒም ጽልኢ መናሃርቲ
ዝፍርፍዑ ከይሓዊ ቊስሊ ...
ሚድያ ግዜና ጉዙኣት ብጠቕሚ
ዝራሓቑ ካብ ምግልጋል ሓቂ
ንቕልበሎም ኣልጀዚራ BBC ...
ጸረ-ሰላም ሎሚ ይኹን ትልማሊ

BBCን መሰልታን
ናይ ሓቅነት ቅሓር
ናይ ገበቲ ልሳን
ዕላመኣን ምንቛት ምሕንካር
ኣንጻር ህድኣት ሰላም

BBC ዘውርዮ
ሰሚዕካ መምዮ
ኣብ ባይታ ኣጻርዮ

ስሚ'ዩ ኣይትስተዮ
ዝቖቆ ኣጻርዮ
ኣጒሊሕካ ረኣዮ
ብሕቶ ኣሰንዮ

ከይትኸውን ግዳይ
ኣይትሕመቕ ምምማይ
ኣትማን'ዮም ኣባይ
ስእለ
Sep 18, 2017 3:29 PM
148.184.174.62
ቅሓር ሓቂ
======
"ክሰርቀኒ ዝረኣኽዎ፣ ክመልሰለይ ነይኣምኖ"
ተባሂሉ ቀደም ብዓንተቦ
ብወለዲ ለባማት ሰብ ሽቦ
ጥጂእ ምዕራባውያን ዘረብረቦም

እዞም
ኳሓልቲ መሲሎም መንቆርቲ
ኣበድቲ መሲሎም ኣብከይቲ
ሓለይቲ መሲሎም በደልቲ
ሓበርቲ መሲሎም መጋገይቲ
ንቒም ጽልኢ መናሃርቲ
ዝፍርፍዑ ከይሓዊ ቊስሊ ...
ሚድያ ግዜና ጉዙኣት ብጠቕሚ
ዝራሓቑ ካብ ምግልጋል ሓቂ
ንቕልበሎም ኣልጀዚራ BBC ...
ጸረ-ሰላም ሎሚ ይኹን ትልማሊ

BBCን መሰልታን
ናይ ሓቅነት ቅሓር
ናይ ገበቲ ልሳን
ዕላመኣን ምንቛት ምሕንካር
ኣንጻር ህድኣት ሰላም

BBC ዘውርዮ
ሰሚዕካ መምዮ
ኣብ ባይታ ኣጻርዮ

ስሚ'ዩ ኣይትስተዮ
ዝቖቆ ኣጻርዮ
ኣጒሊሕካ ረኣዮ
ብሕቶ ኣሰንዮ

ከይትኸውን ግዳይ
ኣይትሕመቕ ምምማይ
ኣትማን'ዮም ኣባይ
YHM
Sep 13, 2017 6:13 PM
71.202.43.232
The Fake News Machine

Inside A Town Gearing Up For 2020

http://money.cnn.com/interactive/media/the-macedonia-story/

YHM
Sep 10, 2017 9:58 PM
71.202.43.232
60 Minutes investigates hidden motors and pro cycling

Bill Whitaker investigates whether pro cyclists have used secret bike motors to win races -- like the Tour de France -- in a sport notorious for its culture of cheating

2017 Sep 03 Correspondent Bill Whitaker

The sport of cycling is notorious for its culture of cheating -- made most famous by the rise and fall of Lance Armstrong and his use of performance enhancing drugs. Now when cycling hopes to be cleansed of the dopers there's a surprising new twist: riders enhancing the bike's performance. Some professional racers aren't putting steroids and blood boosters in their veins, they're hiding motors in their bike frames. We followed a lead to Budapest, Hungary, and met an engineer who said he built the first secret bike motor back in 1998. He told us motors have been used in the Tour de France. As we first reported in January, our story is not about the latest drugs the riders are using to cheat…it's all about enhancing the bike.

https://www.cbsnews.com/news/60-minutes-investigates-hidden-motors-and-pro-cycling-2/


ERi-TV, Eritrea - ጸብጻብ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዋዕላ ደቡብ ኮርያ አፍሪቃ | Reportage on President Isaias Afwerki's visit to South Korea for the South Korea-Africa Summit, held from June 3-4

Dehai Events