Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Nov 19, 2017 8:15 PM
108.48.36.197
ጽናዕ!
===
ድሎ
ሺላ'ሎ ቆሊባ'ሎ ወሲዱ ዘይኣኽሎ 
ዓመጽ ዘዐንተሮ ስርቂ ዘየሕፍሮ 

ከይትኸውን ግዳይ ናይ'ቲ ሑሱም ኣባይ 
ትኹረትካ ኣዛይድ ኣወግድ ምዝናይ

ጠምት ባኣንኩሮ እቲ ዝፍጸም ዘሎ 
ኣብ ርሑቕ ጎደቦ ፍትሒ ዝጎደሎ 

ኣይትበል ቀልባዕባዕ ኣብ ክብርኻ ጽናዕ 
ንሩሑቕ ቀረባ መገድኻ ስራዕ

ገጥ በል ኣብ መትከል ኣይትበል ሰንከልከል
ራኢ ኤርትራ ‘ቲ ጉዕዞ ከይሕንኮል 
ስእለ
Nov 16, 2017 8:34 PM
148.184.174.61
መዳሃርቲ
ጒላ ሓመድ ዕምባባ ዘይበቑሎ
እምኒ ሩባ ዉሕጅ ዝኣከቦ
ርእሲ ወይጦ ጽቡቕ ዘይርከቦ
እዚ ኣምላኽ ንምንታይ ፈጠሮ?

እቲ ከዳዕ ዘጸግም ክትኣምኖ
ዝዓወነ ኣብ ሂወት መምብሮ
ጉዕዞ ዓለም ፍጹም ዘይስቆሮ
ጸቢብ ርእሲ ኣብ ጋም ማን ዝዓርቦ
ኣይንሰልኪ ብስራሕ ንምሃሮ

ድኹም ፍጥረት ትብዓት ዝጎደሎ
ጽልኢ ከኳማስዕ መድረኽ ዝጠንጠኖ
በትሪ ለባም ሕራይ ዝተባህሎ
ምዕንጅሉ ምስ ንፋስ ዝንኖ
ዘይርኢ 'ቲ ጽባሕ ዝኾኖ
ስእለ
Nov 16, 2017 3:14 PM
148.184.174.61
ምኽሪ ሃቡ
ጒላ ሓመድ ዕምባባ ዘይበቑሎ
እምኒ ሩባ ዉሕጅ ዝኣከቦ
ርእሲ ወይጦ ጽቡቕ ዘይርከቦ
እንታይ ንግበር ኣምላኽ ክውግኖ ?

እቲ ከዳዕ ዘጸግም ክትኣምኖ
ዝዓወነ ኣብ ሂወት መምብሮ
ጉዕዞ ዓለም ፍጹም ዘይስቆሮ
ጸቢብ ርእሲ ኣብ ጋም ማን ዝዓርቦ
እንታይ ንበሎ ንርእሱ ክጥዕሞ?

ድኹም ፍጥረት ትብዓት ዝጎደሎ
ጽልኢ ከኳማስዕ መድረኽ ዝጠንጠኖ
በትሪ ለባም ሕራይ ዝተባህሎ
ምኽሪ ሃቡ ብኸመይ ክንምህሮ?
ስእለ
Nov 14, 2017 10:01 PM
108.48.36.197
ፍትሒ ካብ መን፧
ካብ UN፧ 
ፈጺምካ ዘይእመን
ዘብከየና ንዓመታት ዘመን

ካብ ኣመሪካ፧ 
ዘይሕሰብ ዘይሕለም
ደምና ዘዛረየት ብዘይእመን

ካብ እንግሊዝ፧ 
እታ ናይ ተንኮል መንጠቢት
ጸረ-ሰላም መናቖቲት

ካብ ሃገር ሩስያ፧ 
እታ ኣብ ሽግር ዘላ
ብኣመሪካ ኣውሮጳ ተኸርዲና

ካብ ቻይና፧ 
እታ ብጠቕማ ትምእዘን
ገጽ ርአ መርገጻ ዘይእመን

እሞ ካብ ፈረንሳ፧ 
እታ ነዊሕ ዘጥፍአት ድምጻ
ብስራሕ-ኣልቦነት ተቓሊዓ

ካብ ካሎኦት ሃገራት ከ፧

በዓል መን ኣለዋ፧
ብነብሰን ዝሓደራ
ብምዕራብ ዘይምወላ
ብጀካ ኤርትራ፧

ስለዚ
ኩለን ሓደ ምዕማጽ ኣመለን
ካብ ዝብኢ ዘይሕሻ ካብ ተመን

ሃየ ድኣ ህዝበይ ኣቕልበለን
ኣይትዳሕለል ኣብ ቅልጽምካ እመን
ኣብ ሕጊ ረጊጽካ ኣለኹ በል
YHM
Nov 6, 2017 4:33 PM
71.202.43.232
ካብ ሕጂ ዝነቀወ ዝብእስ ነየሕድረና!

Posted by: Hagos Tesfamariam

http://dehai.org/dehai/dehai-news/226537

ስእለ
Nov 5, 2017 4:32 PM
108.48.36.197
ማዕቢሉ ዘይምዕብል
-----------------
ዘደንጹ’ዩ ዘገርም ዘስደምም
ወዲ ኣዳም ማዕቢሉ ዘይምዕብል
ብእምነት ሃይማኖት መከራ ይጽሕትር
 
ኣብዚ ምዕቡል እዋን ስልጡን ዘመን
ዓለም ዝቐየረ ናብ ቁሸት መደበር
ዘሐዝን ክትርኢ ዘሞጉሱ ሂትለር

ትምክሕቲ መን ከማይ ብኣይ ተማእዘኑ
ወገን ዓሌት ስስዐ ማእከሉ
ምልኪ ንዓይ ስምዑ ሕላገት ሰብ ኮይኑ

ስልጣኔ ምዕባሌ ንቕሓት ዝጎደሎ
ጎባጉብ ስልማት ክሳድ ዝሓልቀሞ
ጽባቐ የብሉን ክትርእዮ ክትነብሮ
ስእለ
Nov 4, 2017 1:34 PM
148.184.174.61
ሓሶት 'ዛ ማንቲለ
ሰባር ግለግለ
መሓዛ ወያነ
ትፋጺ እነሆለ
ፍጹም ዘይተገብረ

ዘየሕንኻ ጠቐን ጸለመ
ስንቂ ጠላም ምስ ጥፍኣት ዘዐመ
ጋዜጠኛ ሓቂ ዝኾነነ
ንራህዋ ንሰላም ዘይምነ

ክንቲት ዶ ክንብላ ዋላ ግመ
ሕፍረት-ኣልቦ መሕቢኢት ዓጢነ
ባላንቺና ዕምራ ዝሓጸረ
ተበሊላ ግብራ ከይሰመረ

ሓሶት ኮይኑ ኩሉ ዝተባህለ
ኣይሰረሐን ጠቐነ ጸለመ
ጎይታ ሓቂ ኮሪዑ እነሀለ

ህዝቢ ኤረይ እዋሓስ ምስ በላ
መላኽዒት ሕፍረት ተጎልቢባ
ተሸጊራ ክትደግሞ 'ቲ ቓላ
YHM
Nov 2, 2017 3:30 AM
71.202.43.232

It's sad to see Presstv.com join anti-Eritrea(ns) propaganda song - on this "demonstration" and to make much bigger than it is. Just to hide what the real problem is, and they know it. And they call themselves journalists? For their readers sake, they can do better that tabloid journalism. Absolutely shameful!

Eritrea(ns) will always stand together and stronger as always. Long live the unity of the people of Eritrea!

ስእለ
Nov 1, 2017 5:01 PM
148.184.174.61
ተቛወምቲ'ዶ ተቛመርቲ፧
ዑሱባት ወየንቲ፧
ወይስ ናይ ጥፍኣት ሓለምቲ፧

ንሓቂ ፋሓቚቲ
ሓሰውቲ ወቀርቲ
ንህውከት ረሃጽቲ
ከዳዓት ከደምቲ - ብገንዘብ ንባዕዲ

እንታይ ይበሃል፧

"ሰማይ ጸዲፉ
ህዝቢ ተወዲኡ
ተኣሲሩ ተሞቊሑ..."
ኢልካ ከተውሪ
ብሓሶት ብሃውሪ
እንታይ'ዩ ከፍሪ፧

ክንደይ ዘይሰማዕና
ዘይተኣልመ ኣንጻርና
ንኹሉ መኪትና
ንምርሽ ኣሎና
ኣብ ሓዲድ መስመርና

ዑሩባት ሕልና
ባዓል ዑና-ምና
በጃኹም ግደፉና
ኣብ ህንጸት ኣለና
ግዜ ኣይትስረቑና

ሰላም'ያ ኤርትራ!
YHM
Oct 28, 2017 8:20 AM
71.202.43.232
Undocumented special-needs girl in federal custody after emergency surgery

(CNN) - An undocumented 10-year-old girl with cerebral palsy was taken into US Customs and Border Protection custody shortly after emergency gallbladder surgery in Texas in a case that advocates say shows the harmful extent of the President's hard line on immigration policies.

http://www.cnn.com/2017/10/26/health/undocumented-child-federal-custody-surgery-trnd/index.html
ስእለ
Oct 26, 2017 4:36 PM
148.184.174.61
ኣለክሳንደር ጣዓመ ኢሳቕ፡
ሪአካ ደሚቕካ
ኣብቲ ማእከል ሜዳ
ምስ ደቂ ጋንታኻ
ክጽዋዕ 'ቲ ስምካ
ኣብ ኑኡስ ዕድሜኻ
እንኳዕ ኣሐጎሰካ!

ኣቤት ውሕልነት!
ናይ ኲዕሶ ክእለት
ካብ ልቢ ዝድነቕ

ተሕልፋ ትቕብቅባ
ንወዲ ጋንታኻ ትህባ
ምስ ሰኪዐት ተራኽባ
ንደገፍቲ ተሐንፎፎም ጸባ!

ኩሉ ተገሪሙ
ተሓጒሱ ዓሊሉ
ዕበየልና ኢሉ
ክሪአካ ደጋጊሙ

http://www.madote.com/2017/10/video-eritrean-football-star-alexander.html#disqus_thread

ስእለ
Oct 25, 2017 12:56 PM
148.184.174.61
ኣቕልቡሉ!
======
ኣቕልቡሉ እዚ ጉዳም ዓቀይታይ
ፍቱሕ ስረ ኣነ'የ ባሃላይ
ዘይከኣለ ሂወቱ ምንባይ

ጸረ-ዕብየት ቁጥሚ ሙጹጹላይ
መሓዛ ወኻሩ ዑሱብ ተላኣኻይ
ድኹም ፍጡር ናይ ኣእምሮ ሕዋይ

መንደልሓቒ ዘይሓስብ ንዳሕራይ
ሰብ መሰል ኣራዊት ተመን ተጻባኣይ
ይንቊ'ሎ ከም ኣራዊት ኣባይ
እንዳልዓለ ሃገር መሲሉ ሓላያይ

ኣቕልቡሉ!
Abraham Zeweldi
Oct 18, 2017 9:35 PM
98.245.57.39

Printing Counter fit nakfa by Woyane is not a surprise

By Abraham Zeweldi

Printing Counter fit nakfas by Woyane is not a surprise, what is surprise is that Woyane have been sleepless for the last two years how to figure out in printing counter fit nakfa. Indeed, it took them two years to figure out in printing counter fit Nakfa. Woyane’s ultimate desire and dream are targeting double jeopardy upon Eritrea has never been and would not be enough or final action, but there will be a desperate move as always they will continue in doing so whenever they panicked by the Ethiopian people.

What is clear from Woyane is that lesson learnt does not exist in their vocabulary. Enough is about Woyane; let me come back to the Eritrean government and the Eritrean people at large what is needed to be done.

1. Woyane is posed to infect the Nakfa with counter fit nakfa if indeed they figured it using renegades Eritrean and some innocent Eritrean unknowingly just as P.I explained it last interview. Renegade Eritreans will be flooding with intention to Ethiopia to carry out counter fit nakfa and exchange $1, 50 to 100 counter fit nakfa anywhere outside of Eritrea. And culprit Eritreans of course and some innocent Eritreans will carry the counter fit nakfa to Eritrea as they go for vacation to have goodtime in Eritrea and obviously the culprits with bad intention to infect Nakfa with counter fit nakfa.

2. Absolutely, the Eritrean government will give it extremely attention this toxic ambition by Woyane and would hand it at most care. And hence, I just want to air out my unassuming and honest notify. With no exception, as small as mail and as big as car that Entering Eritrea at any port of entry must be checked seriously. Any person that entering Eritrea should be given a stern warning not to come with Woyane’s counter fit nakfa and must be checked seriously at any port of entry in Eritrea. Diplomatic parcels and NGO workers are the most notorious players in transferring counter fit money activities, Eritrea cannot be exception from such toxic attacks.

ስእለ
Oct 15, 2017 10:16 PM
108.48.36.197
ልቡ ክሰርቅዎ - መሓዛ ይብልዎ
==============
ልኡኽ ባዕዲ ዘይፈልጣ ንነብሱ
ጸረ-ሰላም መሓጐስ ለኣኽቱ
መሓዛ ይብልዎ ክሰርቅዎ ልቡ
ስርናይ ይጽዕኑሉ ከገልግል ሰሊጡ

በየናይ ትሕዝቶ በየናይ ኦኮኖሚ
በየናይ ዓቕሚ በየናይ መዐቀኒ
መሓዛ ሓያላን እንዳለመነ መግቢ፧

ስሙ ይድርዑ ይብልዎ ገስጋሲ
ናይ ለውጢ ሃወርያ ኣብ ኣፍሪቃ ቀርኒ
ወያነ ይዕንድር መሲልዎ ሓቂ

ይብልዎ መሓዛ ነቲ ዝለኣኾም
ይብልዎ ዲክታተር ነቲ ዝምክቶም
ሲጊንጢር መግለጺ ዘይስማዕ ዘይቁብል

ኣብ ሓይሊ ሓያላን ውሽጢ ተሸጒጥካ
ንሕግን ውሳኔን ፍጹም ዕሽሽ ኢልካ
ብዓሌት ብቛንቋ ህዝቢ ከፋፊልካ
ኣድልዎን ዓመጽን እንዳኣተባባዕካ
ኣይቅጽልን ስልጣን ወይን ርእሲ ድኳ

ናብ ሩሑቕ ቀረባ መታን ክልእኩኻ
ረብሓኦም ክትሕሉ እንተነኣዱኻ
ኣይምሰልካ ሓቂ መሓዛ ዝኾንካ
ስእለ
Oct 9, 2017 7:17 PM
108.48.36.197
ክብሪ መንነተይ
======== 
ክብሪ መንነተይ ስመይ ዝደምቀላ
ኮሪዐ ብሓጐስ ዜጋ’የ ዝብለላ
ዓው ኢለ ብኽብሪ ንስማ ዘልዕላ
ሓበን ወለዶታት ኤርትራ’ያ ባዕላ

ንእሽቶ ዓብዪ ኩሉ ዝሕብሕባ
ሃብቲ ትሕዝቶኡ ሂወት ዝኸፍለላ
ኣብ ህንጸት መኸተ ቅድሚት ዝሓልፈላ
ካብ ሩሑቕ ቀረባ ኣለኹልኪ ዝብላ
ናይ ሰማእታት ህያብ ሃገረይ ኤርትራ
 
ብሌን ዓይኒ ናይ ህልዋት ባህታ
ተሃራፊት ዘይብላ መሰታ
ዘይትምኖ ከም እኽለማይ ጣይታ

ትንፋስ ኢኺ ማሓውር ጭዋዳ
ብርሃን ኢኺ ከም’ቲ ኮኾብ ጻዕዳ
ግርማ ኢኺ ኤርትራዊ ሞንጉዳ
ክብሪ ሓፋሽ ናይ ኣበው ግምጃ
ስእለ
Oct 5, 2017 11:35 PM
108.48.36.197
ሓበሻ ኣይትበሉኒ
=========
ስማዕ! ስምዒ! ጽን በሉ!
ክብሪ መንነተይ ትዝንጥሉ
ንኤርትራዊ “ሓበሻ” ትብሉ
ቅጥፈት’ዩ ተንኮል ዝማእከሉ

በዓል ርስቲ ክነሰይ በዓል ሃገር
ብባህሉ ዝልለ ብቑምነገር
ብኤርትራውነተይ ዝንየት ዝሕበን
“ሓበሻ” ክበሃል ኣበይ’ዩ ‘ቲ ተንኮል፧

ከተድምጹ “ሓበሻ” እናሻዕ
ጽውጽዋይ ኣይስተ ኣይብላዕ
በራዚ መንነት ናይ ሰነፋት ጉሳዕ
ስለምንታይ ‘ዚ ኹሉ ቀልባዕባዕ፧

እንተ ብተንኮል ብገርሂ
ወይስ ብዕሽነት ጉርሒ
ኣነ ዘይፈልጦ ጽልኢ
ከይትብሉኒ “ሓበሻ” ካብ ሎሚ

ክደግመልኩም ሓደራ ክብለኩም
“ሓበሻ” ኣይትበሉኒ
መንነት ኣሎኒ
ኤርትራዊ ክብሪ
ወርትግ ዘዅራዓኒ

እወ
ልዕሊ ኤርትራዊ - መለለዪ ክብሪ
ኣሎ ኣይብልን - ኣብ’ዛ ዓለም ምድሪ!
ስእለ
Oct 3, 2017 5:19 PM
148.184.174.61
ሓዳስ ኤርትራ
ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ
መጽሓፍ'ያ ውሽጣ ዝበርበራ
ቁምነገር ሳይንስ ዝዓብለላ
ባህሊ ታብሎይድ ዘይበከላ

መምህር ኢኺ ተዕሙቚ ፍልጠትና
ከነስተብህል ኣብ መግቢ ጥዕና
ብርዲኢት ክንመርሕ ሂወትና

ደብተር ኢኺ ኩሉ ዝርከባ
ስነ-ፍልጠት ምስ ዓሚቕ ትንተና
ኣገዳሲ ሂወት ፍልስፍና

ትፍትሺ ከይጠፍእ ባህልና
ተማእዝኒ መንገዲ ቅንዕና
ቤላ-በለው  ሓሶት ዘይቐርባ
ደላይ ፍልጠት ብትኹረት ዘምብባ

ንሩሑቕ ቀረባ ተአንግድ ኣሕቢራ
ኣይትጥፍኢ ኣይተሻቕልና
ኣብ ግዜኺ ኣለኹ በልና
ፍልጠት ትሕዝቶኺ ከይሓልፈና

ንኣሰናዳእትኺ ድማ ብኸፈር ምስጋና!!
ስእለ
Sep 30, 2017 2:38 PM
148.184.174.61
ማኣዝን ዘጥፍአ …
ውድብ ሕቡራት ሃገራት
ልሙስ ዝጎደሎ ብቕዓት
ዘይቕበጽ ናይ ፍትሒ መንዳዓት

ንቻርተሩ ግዳይ ዝገበረ
ደላይ ፍትሒ ኩርኒዒት ዝሃበ
ብውዲት ብተንኮል ዝዘቕበበ

ማኣዝን ዘጥፍአ ሰላም ኣብ ምንባይ
ቅልጽሙ ዘዐንትር ድኹም ኣብ ምጉናይ
ናይ ሓያላት ባይቶ ዘኹረፈ ምዕራይ

ዓመታት ዘቝጸረ ንፍትሒ ክቐትል 
መንገዲ ሲሒቱ ዉሑዳት ከገልግል 
ሻርነት ኣንጊሱ ጁቡኡ ዘሀጥር

ብዓሎቕ ብሸፈጥ ንፍትሒ ጓዕጺጹ 
ድርብ መዐየሪ ኣብ ኢዱ ጨቢጡ 
ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ኣብ ዓለም ዛይዱ

ሓላው ሰላም መንጎኛ መሲሉ 
ዝስልል ዝዕምጽ ክፉእ መጋብሩ 
መሳርሒ ሓያላን ንፍትሒ ደዊኑ

ወዛል ገዛ ቤት ጽሕፈት ሓሙሽተ 
መታለሊ ናይ ጥፍኣት ዉሻጠ 
ብስም ሓላው ሰላም ቡልሽውና ዘንገስ

ጉዳም ባይቶ ኣትማን ዝመኽሩሉ 
ብጉቦ ምፍርራሕ ኣእዳው ዝጠውይሉ 
መአከብ ዓመጺት ገዛ ጓሓላሉ

ንምዕባለ ንናይ ስራሕ ጽፈት 
ዝሓንገደ ከይዕረ ከይውደብ 
ደላይ ፍትሒ ከይረክብ መስተርሆት

ስእለ
Sep 29, 2017 11:51 AM
148.184.174.61
እምነት ኣሎኒ
---------
እምነት ኣሎኒ - ሙሉእ እምነት
ኣብቲ ጅግና ኤርትራዊ ሓየት
ንሃገር ንህዝቡ ብግብሪ ዝሕለቕ
ዕርዲ ሓጺን ሰሪሑ ዘይንየት

ዋልታ ሃገር ኣብ ጸገም ኣብ ህንጸት
ዘይህመል መሬት ትትኣየድ
ብኸዳሚ ዑሱብ ጒሒላ መሽረፈት

እምነት ኣሎ ኣብቲ ሃብሮም ጅግና
ጽኑዕ ሓበን ደጀን ኤርትራ
ወርትግ ዉፉይ ንሃገር ዕላማ

ክብሪ ኣሎኒ - እምነት ኣብ ሻዕብያ
ጎይታ መትከል ኣብ ሽግር ኣብ ራህዋ
ዘይሽበር ብጸላእቲ ጉጥያ
ዘኸንድዶም ብድሎ ብድብያ

ዓይኒ ንስሪ ትኩር መስተውዓሊ
ትልሚ ኣባይ ብኣጋ ኣፍሻሊ
ቅድሚ ኹሉ ኤርትራ ብሃሊ
ወትሩ ኣብ ዕዮ ሓፋሽ ከማዓሪ
ስእለ
Sep 26, 2017 12:58 PM
148.184.174.62
ልቦና ግበር
======
ብማርያም ኢለካ ብእዝግኣብሄር
በቶም ፈጠርትኻ ልቢ ግበር
ብሕጊ ተገዛእ እይጥጸለል
ንፍቕሪ ንሰላም ኣለኹ በል

ኣብ ንኲለር ቦምባ ኣይትእመን
ኣዕናዊ ባኣታ ስግኣት ዓለም
ህሮሽማ ናጋሳኪ ምስክር ‘የን

ኣሻሓት ሂወት ዝቐዘፈ
መሬቱ ኣየሩ ዝመረዘ
ተካኣዮ ብልዝብ ብዘተ
ጉዕዞ ሰላም ልዝብ’ዩ ዝሓሸ 

Broadcasted on 2024-07-21 | ዓወት ቢንያም ግርማይን ደግፍ መላእ ህዝቢ ኤርትራን | Analysis - Biniam Girmay's Tour De France performance - ERi-TV #eritrea