Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Oct 5, 2017 11:35 PM
108.48.36.197
ሓበሻ ኣይትበሉኒ
=========
ስማዕ! ስምዒ! ጽን በሉ!
ክብሪ መንነተይ ትዝንጥሉ
ንኤርትራዊ “ሓበሻ” ትብሉ
ቅጥፈት’ዩ ተንኮል ዝማእከሉ

በዓል ርስቲ ክነሰይ በዓል ሃገር
ብባህሉ ዝልለ ብቑምነገር
ብኤርትራውነተይ ዝንየት ዝሕበን
“ሓበሻ” ክበሃል ኣበይ’ዩ ‘ቲ ተንኮል፧

ከተድምጹ “ሓበሻ” እናሻዕ
ጽውጽዋይ ኣይስተ ኣይብላዕ
በራዚ መንነት ናይ ሰነፋት ጉሳዕ
ስለምንታይ ‘ዚ ኹሉ ቀልባዕባዕ፧

እንተ ብተንኮል ብገርሂ
ወይስ ብዕሽነት ጉርሒ
ኣነ ዘይፈልጦ ጽልኢ
ከይትብሉኒ “ሓበሻ” ካብ ሎሚ

ክደግመልኩም ሓደራ ክብለኩም
“ሓበሻ” ኣይትበሉኒ
መንነት ኣሎኒ
ኤርትራዊ ክብሪ
ወርትግ ዘዅራዓኒ

እወ
ልዕሊ ኤርትራዊ - መለለዪ ክብሪ
ኣሎ ኣይብልን - ኣብ’ዛ ዓለም ምድሪ!
ስእለ
Oct 3, 2017 5:19 PM
148.184.174.61
ሓዳስ ኤርትራ
ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ
መጽሓፍ'ያ ውሽጣ ዝበርበራ
ቁምነገር ሳይንስ ዝዓብለላ
ባህሊ ታብሎይድ ዘይበከላ

መምህር ኢኺ ተዕሙቚ ፍልጠትና
ከነስተብህል ኣብ መግቢ ጥዕና
ብርዲኢት ክንመርሕ ሂወትና

ደብተር ኢኺ ኩሉ ዝርከባ
ስነ-ፍልጠት ምስ ዓሚቕ ትንተና
ኣገዳሲ ሂወት ፍልስፍና

ትፍትሺ ከይጠፍእ ባህልና
ተማእዝኒ መንገዲ ቅንዕና
ቤላ-በለው  ሓሶት ዘይቐርባ
ደላይ ፍልጠት ብትኹረት ዘምብባ

ንሩሑቕ ቀረባ ተአንግድ ኣሕቢራ
ኣይትጥፍኢ ኣይተሻቕልና
ኣብ ግዜኺ ኣለኹ በልና
ፍልጠት ትሕዝቶኺ ከይሓልፈና

ንኣሰናዳእትኺ ድማ ብኸፈር ምስጋና!!
ስእለ
Sep 30, 2017 2:38 PM
148.184.174.61
ማኣዝን ዘጥፍአ …
ውድብ ሕቡራት ሃገራት
ልሙስ ዝጎደሎ ብቕዓት
ዘይቕበጽ ናይ ፍትሒ መንዳዓት

ንቻርተሩ ግዳይ ዝገበረ
ደላይ ፍትሒ ኩርኒዒት ዝሃበ
ብውዲት ብተንኮል ዝዘቕበበ

ማኣዝን ዘጥፍአ ሰላም ኣብ ምንባይ
ቅልጽሙ ዘዐንትር ድኹም ኣብ ምጉናይ
ናይ ሓያላት ባይቶ ዘኹረፈ ምዕራይ

ዓመታት ዘቝጸረ ንፍትሒ ክቐትል 
መንገዲ ሲሒቱ ዉሑዳት ከገልግል 
ሻርነት ኣንጊሱ ጁቡኡ ዘሀጥር

ብዓሎቕ ብሸፈጥ ንፍትሒ ጓዕጺጹ 
ድርብ መዐየሪ ኣብ ኢዱ ጨቢጡ 
ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ኣብ ዓለም ዛይዱ

ሓላው ሰላም መንጎኛ መሲሉ 
ዝስልል ዝዕምጽ ክፉእ መጋብሩ 
መሳርሒ ሓያላን ንፍትሒ ደዊኑ

ወዛል ገዛ ቤት ጽሕፈት ሓሙሽተ 
መታለሊ ናይ ጥፍኣት ዉሻጠ 
ብስም ሓላው ሰላም ቡልሽውና ዘንገስ

ጉዳም ባይቶ ኣትማን ዝመኽሩሉ 
ብጉቦ ምፍርራሕ ኣእዳው ዝጠውይሉ 
መአከብ ዓመጺት ገዛ ጓሓላሉ

ንምዕባለ ንናይ ስራሕ ጽፈት 
ዝሓንገደ ከይዕረ ከይውደብ 
ደላይ ፍትሒ ከይረክብ መስተርሆት

ስእለ
Sep 29, 2017 11:51 AM
148.184.174.61
እምነት ኣሎኒ
---------
እምነት ኣሎኒ - ሙሉእ እምነት
ኣብቲ ጅግና ኤርትራዊ ሓየት
ንሃገር ንህዝቡ ብግብሪ ዝሕለቕ
ዕርዲ ሓጺን ሰሪሑ ዘይንየት

ዋልታ ሃገር ኣብ ጸገም ኣብ ህንጸት
ዘይህመል መሬት ትትኣየድ
ብኸዳሚ ዑሱብ ጒሒላ መሽረፈት

እምነት ኣሎ ኣብቲ ሃብሮም ጅግና
ጽኑዕ ሓበን ደጀን ኤርትራ
ወርትግ ዉፉይ ንሃገር ዕላማ

ክብሪ ኣሎኒ - እምነት ኣብ ሻዕብያ
ጎይታ መትከል ኣብ ሽግር ኣብ ራህዋ
ዘይሽበር ብጸላእቲ ጉጥያ
ዘኸንድዶም ብድሎ ብድብያ

ዓይኒ ንስሪ ትኩር መስተውዓሊ
ትልሚ ኣባይ ብኣጋ ኣፍሻሊ
ቅድሚ ኹሉ ኤርትራ ብሃሊ
ወትሩ ኣብ ዕዮ ሓፋሽ ከማዓሪ
ስእለ
Sep 26, 2017 12:58 PM
148.184.174.62
ልቦና ግበር
======
ብማርያም ኢለካ ብእዝግኣብሄር
በቶም ፈጠርትኻ ልቢ ግበር
ብሕጊ ተገዛእ እይጥጸለል
ንፍቕሪ ንሰላም ኣለኹ በል

ኣብ ንኲለር ቦምባ ኣይትእመን
ኣዕናዊ ባኣታ ስግኣት ዓለም
ህሮሽማ ናጋሳኪ ምስክር ‘የን

ኣሻሓት ሂወት ዝቐዘፈ
መሬቱ ኣየሩ ዝመረዘ
ተካኣዮ ብልዝብ ብዘተ
ጉዕዞ ሰላም ልዝብ’ዩ ዝሓሸ 
YHM
Sep 23, 2017 4:21 PM
71.202.43.232

'I Am Not Your Negro,' a documentary film

http://presstv.ir/Detail/2017/09/23/536180/I-Am-Not-Your-Negro

ስእለ
Sep 19, 2017 4:25 PM
148.184.174.61
ኣድጊ ትምርቒ'ዶ ትረግሚ
እንተለኺ ትጻዓኒ ተገልግሊ
እንተ ሞትኪ ትሕረዲ ትኽሸኒ
ኣብ ዘመነ ወያነ መታለሊ

'ቲ ቆርበትኪ ተሸይጡ ብባሕሪ
'ቲ ስጋኺ ተቐልዩ ብጠስሚ
ሃየ ድኣ ሕጅስ ስም ቀይሪ

ካብ ጀመርኪ -
ማዕረ ጠለ-በጊዕ ክትቁጸሪ
ከም ደርሆ ብዕራይ ክትክሸኒ
ብዶላር ብየን ክትሽነኒ
ግደፍዮ ምህላል እልል በሊ

ንወያነ ትግራይ ኣመስግኒ
ዘይግድሶ ኢትዮጵያዊ ባህሊ
ፈሪዱኪ ዶላራት ክኣሪ
ክሓርደኪ ዘይቀርእ ዘይጽሊ
ስእለ
Sep 18, 2017 3:37 PM
148.184.174.62
ቅሓር ሓቂ
======
"ክሰርቀኒ ዝረኣኽዎ፣ ክመልሰለይ ነይኣምኖ"
ተባሂሉ ቀደም ብዓንተቦ
ብወለዲ ለባማት ሰብ ሽቦ
ጥጂእ ምዕራባውያን ዘረብረቦም

እዞም
ኳሓልቲ መሲሎም መንቆርቲ
ኣበድቲ መሲሎም ኣብከይቲ
ሓለይቲ መሲሎም በደልቲ
ሓበርቲ መሲሎም መናቖቲ
ንቒም ጽልኢ መናሃርቲ
ዝፍርፍዑ ከይሓዊ ቊስሊ ...
ሚድያ ግዜና ጉዙኣት ብጠቕሚ
ዝራሓቑ ካብ ምግልጋል ሓቂ
ንቕልበሎም ኣልጀዚራ BBC ...
ጸረ-ሰላም ሎሚ ይኹን ትልማሊ

BBCን መሰልታን
ናይ ሓቅነት ቅሓር
ናይ ገበቲ ልሳን
ዕላመኣን ምንቛት ምሕንካር
ኣንጻር ህድኣት ሰላም

BBC ዘውርዮ
ሰሚዕካ መምዮ
ኣብ ባይታ ኣጻርዮ

ስሚ'ዩ ኣይትስተዮ
ዝቖቆ ኣጻርዮ
ኣጒሊሕካ ረኣዮ
ብሕቶ ኣሰንዮ

ከይትኸውን ግዳይ
ኣይትሕመቕ ምምማይ
ኣትማን'ዮም ኣባይ
ስእለ
Sep 18, 2017 3:29 PM
148.184.174.62
ቅሓር ሓቂ
======
"ክሰርቀኒ ዝረኣኽዎ፣ ክመልሰለይ ነይኣምኖ"
ተባሂሉ ቀደም ብዓንተቦ
ብወለዲ ለባማት ሰብ ሽቦ
ጥጂእ ምዕራባውያን ዘረብረቦም

እዞም
ኳሓልቲ መሲሎም መንቆርቲ
ኣበድቲ መሲሎም ኣብከይቲ
ሓለይቲ መሲሎም በደልቲ
ሓበርቲ መሲሎም መጋገይቲ
ንቒም ጽልኢ መናሃርቲ
ዝፍርፍዑ ከይሓዊ ቊስሊ ...
ሚድያ ግዜና ጉዙኣት ብጠቕሚ
ዝራሓቑ ካብ ምግልጋል ሓቂ
ንቕልበሎም ኣልጀዚራ BBC ...
ጸረ-ሰላም ሎሚ ይኹን ትልማሊ

BBCን መሰልታን
ናይ ሓቅነት ቅሓር
ናይ ገበቲ ልሳን
ዕላመኣን ምንቛት ምሕንካር
ኣንጻር ህድኣት ሰላም

BBC ዘውርዮ
ሰሚዕካ መምዮ
ኣብ ባይታ ኣጻርዮ

ስሚ'ዩ ኣይትስተዮ
ዝቖቆ ኣጻርዮ
ኣጒሊሕካ ረኣዮ
ብሕቶ ኣሰንዮ

ከይትኸውን ግዳይ
ኣይትሕመቕ ምምማይ
ኣትማን'ዮም ኣባይ
YHM
Sep 13, 2017 6:13 PM
71.202.43.232
The Fake News Machine

Inside A Town Gearing Up For 2020

http://money.cnn.com/interactive/media/the-macedonia-story/

YHM
Sep 10, 2017 9:58 PM
71.202.43.232
60 Minutes investigates hidden motors and pro cycling

Bill Whitaker investigates whether pro cyclists have used secret bike motors to win races -- like the Tour de France -- in a sport notorious for its culture of cheating

2017 Sep 03 Correspondent Bill Whitaker

The sport of cycling is notorious for its culture of cheating -- made most famous by the rise and fall of Lance Armstrong and his use of performance enhancing drugs. Now when cycling hopes to be cleansed of the dopers there's a surprising new twist: riders enhancing the bike's performance. Some professional racers aren't putting steroids and blood boosters in their veins, they're hiding motors in their bike frames. We followed a lead to Budapest, Hungary, and met an engineer who said he built the first secret bike motor back in 1998. He told us motors have been used in the Tour de France. As we first reported in January, our story is not about the latest drugs the riders are using to cheat…it's all about enhancing the bike.

https://www.cbsnews.com/news/60-minutes-investigates-hidden-motors-and-pro-cycling-2/

YHM
Aug 30, 2017 4:49 AM
71.202.43.232
How Our Criminal Justice System Targets Communities
https://www.youtube.com/watch?v=hZZmMrFQzVs
YHM
Aug 30, 2017 4:41 AM
71.202.43.232
Is the Criminal Justice System Broken?
https://www.youtube.com/watch?v=Gc8OHFjDR9A
YHM
Aug 30, 2017 4:38 AM
71.202.43.232
What Is the Biggest Misconception About Racism?
https://www.youtube.com/watch?v=3QpnHzJFnkM
YHM
Aug 28, 2017 11:47 PM
71.202.43.232
YHM
Aug 26, 2017 3:16 PM
71.202.43.232

ማህበራዊ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ Posted by: Ghebrengus Mesmer Date: Saturday, 26 August 2017 መርሓባ ሰብ ጥዑም ደሓይ። እዛ ዝልእከልኩም ዘለኹ ኣብ መርበብ ሓበረታኹም ከተስፍሩዋ ብትሕትና እሓትት። 200009-ማህበራዊ ፍትሒ ኣብ እሪትራ.pdf>

http://dehai.org/dehai/dehai-news/200009

YHM
Aug 26, 2017 5:05 AM
71.202.43.232
YHM
Aug 26, 2017 3:49 AM
71.202.43.232

I'm reposting this again, because the previous url is not working... Thanks.

ዋዕላ ውዳቤታት ህግደፍን ፈስቲቫል ኤርትራ 2017 ስያትል

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Saturday, 19 August 2017

https://goo.gl/photos/a4J9hPPw4AcPfriSA

Sent from Yahoo Mail on Android

http://dehai.org/dehai/dehai-news/197869

https://goo.gl/photos/a4J9hPPw4AcPfriSA

https://tinyurl.com/yb87dvx9

YHM
Aug 24, 2017 4:11 PM
71.202.43.232

Is this what they call human rights in EU?

This is what looks like living in Italy or EU, watch how the Italian police choke hold the woman and drag her away. It is so sad to see these people treated this way is shocking. Now, I wonder what the quisling group will to to defend these poor people? Are they better of where they are?

Italian police unleash water cannons on migrants in Rome

https://youtu.be/P81ly4BsEGU
YHM
Aug 24, 2017 3:42 PM
71.202.43.232

‘Indiscriminate use of violence’: Police clash with migrants protesting eviction in Rome (VIDEO)

https://www.rt.com/news/400754-italy-police-migrant-riot/

ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events