Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Apr 29, 2017 12:57 PM
108.48.36.197
ዝደጋገም ዓመጽ
========
ኣባ ጓይላ ህውከት ስርዓት ኣመሪካ
ደም ንጹህ ተፍስስ ንገባቲ ረብሓ
ዝደጋገም ዓመጽ ዘይብሉ እፎይታ 

ካብ ሩሑቕ ካብ ማዕዶ ብቐረባ ትሕዞ
ብሓሶት ብዓሎቕ እዝጊ ዝጸየፎ
ኣህሊቓቶ ፍጡር ብስዉር ብግህዶ

መሾንጎጋ ቦምባ ካብ መሬት ካብ ባሕሪ
ካብ ድሮን መራክብ ብኣድራጋ ሃውሪ
ዓለም ኣናዊጻ ብለይቲ ብቐትሪ

ፍትሒ ተረጊጹ ብሓይልኻ ኮይኑ
ሰላም ተዘሪጉ ከተማታት ዓንዩ
ህዝቢ ተሸጊሩ ምፍጣሩ ኮኒኑ
ብሰማይ ብምድሪ መፍትሒ ሲኢኑ

ተዳነዪ ሓያል ንሰላም ንራህዋ
ዕንደራ ይኣክል መቕዘፍቲ ብጃምላ
ታሪኽ ምስክር’ዩ ሓያላት ‘ታይ ኮይና
ትምክሕቲ መን ከማይ ኣመሪካ ነይጠቕማ
ሳሙኤል ቱኩእ
Apr 28, 2017 11:59 PM
92.232.184.57

This is hilarious poem from a friend of mine written very quickly. I couldn’t resist not to share it with fellow Eritreans.

ደለይቲ ፍትሒ

በዓል ማዕዶ ብማዕዶ ሓለምቲ
በዓል ማዕዶ ብማዕዶ ተመነይቲ
በዓል ማዕዶ ብማዕዶ ሓለይቲ
ብማዕዶ ኣብቲ ስግር ጎዶቦ
ብማዕዶ ተኻላኸልቲ መሬት ዓደቦ
ብማዕዶ ጵርግያ ሰሪሕኩም ኣብቲ ጎቦ
ብማዕዶ መሬት ኣልሚዕኩም ሰብ ሓቦ
ዘረባኹም ተሓቁኑ በሊዕና ኣጅቦ
ወይ ብዓል ማዕዶ ሓንጎልኩም ባዶ ሕልናኹም ባዶ
እቲ ሓጸልጸል ዝብል ዘሎ ጅግና
እቲ ጹሩይ ድኽነት ዘኣመነ ጅግና
እቲ ኣብ ስራሕ ዘኣመነ ጅግና
ትሕቲ ባዶ ጀሚሩ ዝኽፈተ ማና
እቲ ንሃገር ዝደኸመ ንድሕነት ኩልና
መዓስ ተቐኒቱ ከምቲ ናትኩም ሕልና
ደጀንኩም ጎቦታት ጀነቫ
ተቀኒትኩም ሕልና ዘረባ
ወይ ብዓል ማዕዶ በዓል ትካቦ
ንስኻትኩምሲ ያኢ ተገዲስኩም ብመሬት ዓደቦ
በዓል ማዕዶ በዓል ጠፈሽ መጠሽ
በዓል ማዕዶ በዓል  ሓሸሽ መሸሽ
በዓል ማዕዶ በዓል  ሓሶት ፈሽሽ
ኣብ ሆላንድ ጊዒርኩም ኣብራኽኩም ዝርኹመሽ
ብኾፍኩም  ዲሞክራሲ ተመኒኹም 
ብኾፍኩም ፍትሒ  ተመኒኹም 
ብኾፍኩም ወንበር  ተመኒኹም
ርብዒ ዘመን ዘረባ ተጎልቢብኩም
ኣብ ጀነቫ ጸሊኹም ሰጊድኩም
ኣብ ሆላንድ ዕግርግር ተቐኒትኩም
ሰብ ማዕዶ ካን  ኮይንዋ ንሳ ኢያ ሕልናኹም

ኣብ መወዳእታ ነዞም ቃንቋናን ባህልናን ዘይርድኦም

“Be a Doer, Not a Critic”

“Dreams don’t work unless you do”

Democracy is built on the foundation of self-reliance and equal opportunity but free gift.

ዓወት ንሓፋሽ!!!
ስእለ
Apr 26, 2017 9:15 PM
108.48.36.197
ቅንኢ ሕላገቱ
=======
ንእሽቶ ጉጂለ ጸቢብ ርእሱ
ተላኣኺ ዘይሓስብ ኣርሒቑ
ጸረ-ሰላም ቅንኢ ሕላገቱ
ኣብ ባዶ ዝዕበ ጸርዲ ጎረቤቱ

ሽፍታ ስርዓት ዘሳቐየ ህዝቡ
ደጋም ጌጋ ናይ ሃይለ መንግስቱ
ብቛንቋ ብዓሌት ዜጋ መቓቒሉ
ንስርቂ ንዓመጽ ዘንወሐ ኣጽፋሩ

ሕብሪ ዓይኒ ሕብሪ ኤርትራዊ
ዘይማእመኦ ክስጉም ክዓቢ
ዘሚትዎም ብለይቲ ብቐትሪ

ካርታ ዓባይ ትግራይ ክትርጉም ሓሊሙ
ወሪሩና መሬትና ደፊሩ
በቲ ደመኛና ኣጆኻ ሰኺሩ
ተመንዩ ክውንን ዘይባሕሩ

በረኻታት ትግራይ ነቑጣታት መስሪቱ
መዳጎኒ ህዝቢ ንኹሎም ዝመጹ
ኣውሮጳ ኣመሪካ ከይሞልቁ ከይከዱ
እቶቱ ከኻዕብት ብስሞም ነጊዱ
ንሓሳር መከራ ንሞቶም ዳሪጉ
Human trafficker ወያነ’ዩ ባዕሉ
ወኪል ምዕራባውያን ናይቶም ጓሓላሉ
ኤረይ ንምድኻም ብሓደ ዝነፍሩ

ካብ ባዕዲ ዝኸፍእ ጽኪ ዝሓሰመ
ጸረ-ህዝቢ ብቒም ዝኸሓነ
ግዜ ዘይምህሮ ክሓስብ ክዕረ

ልኡኽ ጥፍኣት ዕንቅፋት ምዕባለ
ዓሌታዊ ብቕጥፈት ዝልለ
ብዉዕል ብሕጊ ኣባይ ዘይዳነ
ኣይመርሕ ኣይምራሕ ፈገር ዝዓወነ

ናይ ሰላም ሓደጋ ኣብ ሃገር ኣዉጁ
ኣሽሓት ሚልዮናት ረዳአት ክሓቱ
ማዕቢለ ይብለና ክትሰምዖ ዘደንጹ
Petros
Apr 22, 2017 8:17 AM
172.56.12.66
Dehai's archives should be placed at a mesuim in Eritrea!
YHM
Apr 20, 2017 5:41 PM
50.156.45.134

Eritrea - Dutch Mayor unjustly bans Eritrean YPFDJ confrence in Netherlands

https://m.youtube.com/watch?v=gMN5eWpUSmk&feature=youtu.be
ስእለ
Apr 16, 2017 4:54 PM
108.48.36.197
Dr. Mirjam/Netherland/Holland
 
ኩፉእ መጋብራ ረቃቕ ዝተማህረት 
ንዕንወት ንጥፍኣት ገንዘብ ዝተኸፍለት
ሓላይት መሳሊት Mirjam ዝተንኮለት

ድልየታ ትፍጽም ሰላሕ እንዳበለት
ዓርኪ ሰይጣን ብደዋ ‘ተረግመት
ካብ ሰብ ጨካን ኣራዊት መበለት  

ተባዕ ልእኽቲ ናይ ጥፋት መሰሪ 
ብቐትሪ ብጸልማት ተንኮላት ተሳሲ 
ጻቕጥ ጎራሕ ባዓል ብዙሕ ባህሪ 

ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ብለይቲ ብቐትሪ 
ክትኣልም ክትከትብ ሃሱስ ኣገልጋሊ 
ኤርትራ ሃገርና ዝሕንፍጥ ዘድሚ

ሰላዪት ኣይትድከሚ ኣለናላ ደቃ
ኤርትራ ሃገርና ንሓልፈላ ንኸፍለላ ዋጋ
ካብ ዓመጽቲ ዝጻብኡ ክብራ
ደመኛታት ከማኺ ጒሒላ
ኣብ ኣውሮጳ ይሃሉ ኣብ ኤርትራ
ስእለ
Apr 11, 2017 4:44 PM
148.184.174.61
ስረ ዕጠቕ 
=====

ምስ ወደቕካ ምስ ተላሓሓጽካ 
ሕልሚ ኮይኑ ዓወት ምስ ረኣኻ 
ተቐበሎ ውድቀትካ ስዕረትካ 

ኣፍካ ኣክብ ኣይትሕመ ጥቓኻ 
ዘይወዓለ ኣብ’ቲ ዉሳኔኻ 
ዋና ጉዳይ እስኻ ባዕልኻ 
ተማሃር ኣስተውዕል ኣበይ ተጋጊኻ 

ትብዓት ኣጥሪ ውሰድ ሓላፍነት 
ኣይተጸልም ኣይትኽሰስ ካልኦት 
ኣይትምባዕ ኣይትውስኽ ጭንቀት 
ስረ ዕተቕ ኣይትወጭጭ ክሕደት 
ጡጡሕ ጉዕዞ የለን ክትብጽሖ ‘ቲ ዓወት 
ስእለ
Apr 7, 2017 3:24 AM
173.73.175.84
ዱዑል   
===
ኣንታ እዚ ዱዑል ፈትሽዎ ርእሱ
ኣይጠዓየን ምጉናጽ ኣብዚሑ
ኣብ ቀረባ ሩሑቕ ሓሓሊፉ
ኣሳቕዩ ዕባራ ሱቡሑ

ተኣከቡ ሩኸቡሉ ፈውሱ
ተማህለሉ ጸሎትኩም ኣብጽሑ
ዉሕጅ መረብ ኮይኑ’ሎ ጉዕዙኡ
ለኪሙና ከይጠፍእ ምሱኡ

ስእለ
Apr 2, 2017 10:42 AM
173.73.175.84
መክት!
====
ወዲ ሃገር ዕጠቕ - ቅልጽምካ ኣሕብሮ
ደመኛ ጸላኢ - ሓይሊ ዘዐወሮ
ክብርኻ ክገፍፍ - ይንቊ የድሂ ኣሎ

ሰባብ'ዩ ጒሒላ - ዘይሓፍር ዓማጺ
ሕጊ ዘይዳንዮ - ዘይናቱ ኮላሲ
ናይ ዘመና ኣሞራ - ኣብ ኩሉ ዝዝምቢ
ዝብኢ ጽባሕ ፍጹም ዘየናሕሲ
ዘስደምም'ዩ ዘደንጹ ሰማዒ
ረጋጽ ሕጊ ንዉጹዕ ከሳሲ

ዝገሃሰ ክብሪ መንነትና
ንዓመታት ዘዛረየ ደምና
ከይንዓቢ ነጻ ሃገር ሒዝና
ብስዉር ብጉሁድ ዝተጻባኣና

መክት ወዲ ሃገር - ሎሚ'ውን ከም ቀደም
ክብሪ ወለዶታት - ክዕቀብ ክኽበር
ሃሊና ሓሊፍና - ኤርትራ ትንበር!
ስእለ
Apr 2, 2017 12:45 AM
173.73.175.84
ዓገብ ኣመሪካ!
=======
ኣመሪካ ቁሩብ ዘይትሓፍሪ
ዝወሰንኪ ንሓቂ ክትቀብሪ
ድቃስ ዝሰኣንኪ ኤረይ ክትብድሊ

ኤርትራ እንታይ እያ ገራ
ንመን ዓሚጻ ንመን’ያ ኣሸጊራ
ዝወሰንኪ ማዕቀብ ክትገብርላ፧

ክሳብ መዓስ በደልኪ ክቕጽል
ወልዶታት ክሳቐ ክነብር
ማሓርና ሂወትና ክምቅር

ሓሰኻ ዕነስ ናብ ዝለምለመሉ
‘ዚ ዓመጽኪ ኣኽፊኡ ሳዕሪሩ
በላዕ ናቱ ኣብ ጸልማት ሸሚሙ
ተዳነዪ ገደብ ግበርሉ
YHM
Apr 1, 2017 6:54 PM
50.156.45.134

Betri Haqis Tiketin Imber Aytisiberin!

The chifra was told and warned of by Shaebians as we know it. If they walked with their "Hilmi Abay Tigray" the people of Tigray will be stuck in a war and hate, and walk to their own destruction. But they persisted in heading towards it. It's clear now and they are ripping what they sow.

They clearly ignored Shaebians' advise and warning. Now on all fronts in Ethiopia the chifra Weyane is stuck in war, hate and lies.

The Kedemti Weyanes cannot get out of their own quagmire if they don't take the exit door.

Thanks Amiche for sharing this video. Thanks Wendi Afom for making us proud to be Eritreans. Victory to the masses!

http://www.madote.com/2017/04/video-president-isaias-afwerki-speaking.html

ስእለ
Apr 1, 2017 12:03 PM
173.73.175.84
ኣምብዑ ብርዕኹም
=========
ሰብ ደሃይ ኣድህዩ ድምጽኹም ኣስምዑ
እተዉ ቅረቡ እግሪ ኣይተርሕቑ
ደሃይ ኣምቑዋ ብርዕኹም ኣምብዑ
ሓፋሽ መግብዎ ፍልጠትኩም ዘርግሑ

ዓሚቑን ሰፊሕን ጥበብኩም ይፈልፍል 
ኤርትራዊ ዜጋ ብፍልጠት ክሰስን
ብንቕሓት ኣፍልጦ ተጻብኦ ከምክን

ስእለ
Mar 30, 2017 9:58 PM
173.73.175.84
ይብልና ኣሎ
======
እቲ እሙን ኣሚኑ ዘእመነ
ኢደ እግሩ ሂይወቱ ዝሃበ
ሃገር ህዝቢ ነጻ ዝገበረ
ሕድሪ ይብለና ሕድሪ ከይግመ

ንሰላም ሓድነት ደው ዝበለ
ጒሒላ ወራሪ ድሎ ዝሳዓረ
ጎይታ ሓቂ ክብሪ ዝሓብሓበ
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደ ዘስመረ
ይብል ኣሎ ንስራሕ ንመክት ብሓደ

ዓቕሉ ሱንቁ ብብልሑ ዝልለ
ኣማን ህዝቡ ጽቡቑ ዝምነ
ኣብ ሎሚ ዝርህጽ ንናይ ጽባሕ ፍረ
ይብል ኣሎ ተማሃሩ ንማሃር ብማዕረ

ጉዕዙኡ ዘይስሕት ዝበጽሖ ዝፈልጥ
ሑሉፍን ህልዉን ብጉቡእ ዘንብብ
መትከላዊ ጅግና ኣብ ሽግር ዝሙንጉድ
ይላቦ ‘ሎ ታሪኽና ክነግር ክንስንድ
YHM
Mar 30, 2017 6:52 PM
50.156.45.134

A friend just shared with me these two links from youtube

https://www.youtube.com/watch?v=sHq88Y0ngvo

https://www.youtube.com/watch?v=frg2HLW15uc

YHM
Mar 30, 2017 6:37 PM
50.156.45.134

ስእለ you're welcome.

We're can-do people. We've found for Eritreans nothing-is-impossible attitude (one that tends to drive our enemies nuts) and what surprised me is that, The Ellites as musicians they have few opportunities to play for their success in their chosen field in some degree, that's (living in KSA). I admire their hard work. That's why I chose them. And I remember seeing them on Eri-TV singing traditional Tigre song-one of Wedi Sheik's. However, although they are great musicians who play a bit of everything, and as Eritreans - I believe we can watch or support their youtube channel. I wish them all the success in their future projects as well. As always with respect thank you, and enjoy your weekend.

ስእለ
Mar 29, 2017 9:10 PM
173.73.175.84

ክቡር YHM,

Thank you for the music treat from the Ellites. I listened to them, and it's lovely. I wish them success!

ስእለ
Mar 29, 2017 9:00 PM
173.73.175.84

ቃቒታ	
===
ኣምበጣ ነፋሪ ቃቒታ
ራሃጸይ ዘራእተይ ዝበላዕካ
ልቢ ግበር ክንደይ ከይጥዕመካ
ኣምላኽ ኣሎ ክሕጽሮ ዕምርኻ

ሽሻየይ ሪእየዮ ጠፊኡ
በሊዕካዮ ሸዊቱ ጭልቅዑ
ስድራ ሙሉእ ጥምየት ተቓሊዑ
 
ገሪሙኒ ‘ቲ ብልሒ ኣስናንካ
መጋዝ ድዩ መቐስ ቆማሚጣ
ትበልዖ ተውጽኦ ኣብ ደቒቓ

ጉዳም ፍጥረት ብእኩብ ትሃጅም
ልዕሊ ነብሱ ዝሽምጥጥ ዝጣጥም
በላዕተኛ ኣብ ስዓት ተባድም

ሓሰኻ ምድሪ ትበርር ትነፍር
ዓመጸኛ ብሊዑ ዘዕገንግን
ራሓቐለይ ጉህየ ኣለኹ ሕርር
YHM
Mar 29, 2017 12:55 AM
50.156.45.134

ስእለ this one is for you...

The Ellites!

It is always great to discover that we've very talented and beautiful young Eritreans... we can all be proud of... What makes my day is to know that we've many awesome youg Eritreans like The Ellites. They're amazing! I believe they're all very talented and beautiful musicians and singers... and stars of the future. I am now a fan and love all their work. However, their guitarist... Moses wow! He's incredibly very talented... He has a unique playing style, and I can't wait to hear more of his/their work.

You can check all their music/work on youtube. You can see he is amazing guitarist that probably some of you know... him, and his sibling... The Ellites!

https://www.youtube.com/watch?v=L35AfzpsXlU (Kirar)

https://www.youtube.com/watch?v=aVSpDAVJrIs

https://www.youtube.com/watch?v=p0k0kkSlbGo

ስእለ
Mar 27, 2017 9:09 PM
173.73.175.84
ሸያብ’ዶ ክናብ፧
=======
ሕማቕ ጥሪትካ ትሸጦ ትልዉጦ
ሸያብ ኣቦኸ እንታይ ትገብሮ፧

ሸያብ ኣቦ ዝዓወነ ኣብ ምምባር
ዝለመደ ምሕሳው ምትላል
ዝሓንገደ ዳዊቱ ካብ ምድጋም
‘ታይ ትገብሮ ክወጽእ ካብ ጸላም፧

መጉሃይ ሰቡ እንቋቑሖ ኡጋል
ራኢ-ኣልቦ ሕማም ዓባይ ሳዓል
እንታይ ትብሎ ክጽሊ ክመሓር፧

ወሽለኽለኽ ስንቁ መኸተ መርዘኑ
ነውራም ሸያብ ዝጭድር ከዐኑ
ብድሕሪ ሚድያ ትዕቢት ተጎንጒኑ
መሻረዊ ኣነ ፈልጥ ብርዑ
‘ታይ ንበሎ ከዐሪ መስርዑ

ብሓሶት ጸለመ እቶት ዘኻዕበተ
ንሃገር ከይሰርሕ ኣይፋልን ዝበለ
ብቑሩብ ቁራቦ ክብሩ ዝደለለ
ምስ ተማምን ገበል ሓቢሩ ዘዐመ
ኣብ’ቲ ቀውጢ እዋን ኢዱ ዘጣመረ

ጸረ-ሃገር ናይ ቃላት ወሓለ
ዕብየት ኤርትራ ብኾፉ ዝምነ
ሓደ ካብ ዑቡያት ቀለታ ኪዳነ
ዓርኪ ተኹላ ተወልደብርሃን ገብረ

‘ታይ ንበሎ ሸያብ ዝዓወነ
ሓሰር ንፋይ ሕልሙ ዝቖንቆነ
ኣብ መፈንጢ ካይላ ዘይበሰለ

ዝፈልጦ ዘይብሉ የገማድሕ በይኑ
ጫፍ ሒዙ ይውጭጭ ንነብሱ ኣእሚኑ
ብቐረባ ማዕዶ ዝሰምዖ እዝኑ

ዘይሓፍር ግብዝ ዘይፈልጣ ንነብሱ
ይውርዚ ይምድር ኣብ ዓራት ደቂሱ
ሃብሮማት ሰብ ስረ ብኾፉ የናሹ
ስእለ
Mar 24, 2017 8:58 PM
173.73.175.84
ናቕፋ
===
ሓወልቲ ስዉኣት ናይ ህልዋት ሓበን
ናይ ጽንዓት ምልክት ዘይትድፈር ደጀን
መላግቦ ታሪኽ ናይ ሎሚ ናይ ቀደም
ኩርዓት ኢኺ ናቕፋ ታሪኽኪ ይተንተን

ሰውራ ኤርትራ ዘዕኮዅኪ ሓቚፍኪ
ገድልና ክዕወት ኣጆኹም ዝበልኪ
ብመድፍዕ ብቦምባ ኩሉ ተፈተንኪ

ሽግ ነጻነት ኢኺ ናይ ሓርነት ደወል
ጸግዒ ተጋዳላይ ኣብ መኸተ ጸገም
ማዕጾ ደጀን ሳሕል ከርስኺ ዘይድፈር

መናሃርያ ሰውራ ዝኾስኮስኪ ጅግና
ሓንሳብ ንሓዋሩ ደርጊ ዘይደፈራ
ብቐረባ ሩሑቕ ሪኡ ዝስኣና

ፍተውራሪ ዓወት ጸላእቲ ዘጽነትኪ
ናቕፋ ኢሉ ክብገስ ሓሞቱ ዘፍሰስኪ
ተኸፊሉ ዋጋ እስኺ ሲዒርኪ
ነጻ ኤርትራ ኣብ ካርታ ኣስፊርኪ


ERi-TV, Eritrea - ጸብጻብ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዋዕላ ደቡብ ኮርያ አፍሪቃ | Reportage on President Isaias Afwerki's visit to South Korea for the South Korea-Africa Summit, held from June 3-4

Dehai Events