Dehai

መድሃኒት ኣፍሪቃ ካብ ፖለቲካ-ቁሸት ናብ ዞባውን ኣህጉራውን ውህደት

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 19 February 2025


መድሃኒት ኣፍሪቃ

ካብ ፖለቲካ-ቁሸት ናብ ዞባውን ኣህጉራውን ውህደት

ሓደ ካብ ዓበይቲ ፍጻመታት ናይዚ ሰሙን’ዚ፡ መበል 38 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ’ዩ። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምዕባለ ህዝብታት ኣፍሪቃ ንቕድሚት ከሰጉም፡ ሰፊሕን ክቡርን ዕላማታት ኣብ ቻርተሩ ኣስፊሩ ዝነቐለ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ምትእኽኻባት ዓለምና እዩ። እንተኾነ ኣብ 60 ዓመት ጉዕዞኡ ገና ዝስምጥ ዓወት ከመዝግብ ኣይከኣለን።

ሓደ ካብ ጠንቅታት ናይዚ ፍሽለት’ዚ ስእነት ሰላምን ርግኣትን’ዩ። ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ህንጸት ሃገር(Nation Building) ከምቲ ዝድለ ኣይሰጐመን። ሃገራት ብፖለቲካ-ቁሸት እናተሓቚና ይዝረጋ እየን ዘለዋ። ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ጅር ፈልዮም ንሓድሕዶም ዝተፋነንሉ ሃዋህው እዩ ዘሎ። ሰላምን ርግኣትን ከኣ መሰረታዊ ረቛሒ ንልምዓት እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብተደጋጋሚ ከምዝገለጾ፡ እቲ ካልእ ጸገም ኣፍሪቃ፡ ቅርጻዊ (ስትራክቸራል) እዩ። ድሕሪ ምብቃዕ መግዛእቲ፡ ቀዳሞት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ን‘ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ’ መስሪቶም። እቲ ውድብ ድሕሪ 30 ዓመት “ኣየድምዐን” ተባሂሉ ብ‘ሕብረት ኣፍሪቃ’ ተተኪኡ። ሕብረት ኣፍሪቃ እውን ከም ትጽቢት ኣፍሪቃውያን ክኸውን ኣይከኣለን። በብኸባቢኡ ዘለዉ ዞባዊ ውድባት እውን ኣድማዕቲ ኣይኮኑን። ንኣህጉር ኣፍሪቃ ወይ ንሓደ ዞባ ወኪሉ ብኣድማዕነት ዝሰርሕ ቅርጺ ኣሎ ኢልካ ምሕሳብ ነብስኻ ምቕሻሽ ጥራይ እዩ።

እዞም ዝተጠቕሱ ዓበይቲ ብድሆታት እናሃለዉ እምበኣር፡ ህዝቢ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለምና ምዕሩይ ፖለቲካውን ቁጠባውን ተሻራኺ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እቲ ዘሎ ጸገማት ፍታሕ ዝርከብ ድማ፡ በበይንኻ ዘይኮነ ብምሕቡር መገዲ’ዩ። ከመይሲ ዞባዊ ውህደት፡ ሰፊሕ ኣተሓሳሳባን ንቕሓትን ብምፍጣር፡ ንጸቢብ ፖለቲካ-ቁሸት ኣጸጊዑ፡ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ምፍጣር ወሳኒ ግደ ክጻወት ይኽእል እዩ። ንበል ሓደ ሱዳናዊ ኣብ ሶማል፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ከም ጓና ከይተራእየ ብሓርነት እናተንቀሳቐሰ ክሰርሕን ክነግድን እንተኽኢሉ፡ ንድሑር ቀቢላዊ ዛዕባ እዝኒ ክህልዎ ኣይክእልን’ዩ።

ኣብ 1991 ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ምስ ኮነት፡ ከምዚ ዓይነት ዞባዊ ሃዋህው ንምፍጣር፡ ሓባራዊ ዕብየት ዘሰጉም ሰፊሕ ዕላማታት ሒዛ’ያ ነቒላ። በዚ ድማ፡ ኣብ ምክልኻል ምድረበዳነት ዝነጥፍ ዝነበረ ዞባዊ ውድብ፡ ንቁጠባውን ፖለቲካውን ውህደት ሃገራት ዞባና ክሰርሕ ዳግም ኣብ ምውዳቡ ዓቢ ኣበርክቶ ገይራ። እንተኾነ ኢጋድ ብርዱእ ምኽንያታት ኣይተዓወተን። ሓደ ካብ ጸገማት ኣፍሪቃዊ ምትእኽኻባት ብግዳም ዝምወልን ንስልኳ ምቹእ ምዃኑን’ዩ። መወልቲ ድማ፡ ብጹኣን ኮይኖም ኣብ ረብሓታት ዝጫረቶምን ዝወዳደሮምን ሓይሊ ንምዕባይ ክድጉሙ ትጽቢት ኣይግበረሎምን። ብዝተፈላለየ ሜላ ከምዘይሰርሕ ንምግባሩ እንተነጠፉ ዘገርም ኣይኮነን።

ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመት፡ ኤርትራ ምስናይ ከቢድ ጸቕጢ ግዳማውያን ሓይልታት፡ ሃገራት ዞባና ካብ ፖለቲካ-ቁሸት ወጺአን፡ ንስልኳ ዕድል ዘይህብ ባዕለን ዝቕልስኦ ናይ ምትሕብባርን ምምልላእን ጥምረት ክፈጥራ ሓያል ጻዕሪ ከተካይድ ጸኒሓ ኣላ። ሕጂ እውን ሓድሽ ምህዞ የለን። ኣፍሪቃ፡ ሓቀኛ መድሃኒታ ኣብ ውህደታ እዩ ዘሎ። ነዚ ንምርግጋጽ መንግስታት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ውሽጦም ዜግነት ዝሰረቱ ቅኑዕ መኣዝን ህንጸት ሃገር ክኸተሉ፡ ንትሕተ ሃገራውነት ጸብለል ዝበለ ትካላት ጸጥታን ምክልኻልን ሃኒጾም ሰላሞም ከውሕሱ፣ ብደረጃ ዞባን ኣህጉርን ድማ ሓባራዊ ዕብየት ዘሰጉም፡ ክንዮ መ ደረ ብግብሪ ዘድምዕ ሓቀኛ ጥምረት ክፈጥሩ የድሊ።

ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ

ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events