Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Dec 14, 2018 6:48 PM
148.184.174.62
ዓብዩ ዘይዓቢ
ብጉጂለ ውልቂ
ናይ ከባቢ ጸይቂ

እንታይ 'ዩ ጸገሙ
ከይርኢ ዓዊሩ
ከይሓስብ ጸሚሙ?

ሕማም ድዩ ዕብዳን
ድንቁርና ሽሕጣን
ካብ ሑሉፍ ዘይምሃር?

ግዜ ዘይቅይሮ
ትዕቢት ዝወጠሮ
ጽጉም ናይ ኣእምሮ

ወያነ ጉልሕንጣ
ስልጣን ተመንጢልካ
ህዝቢ ኣጓኒዩካ
ኣብ መቐለ ኣዒምካ
ካብ ሕጊ ሃዲምካ
ክሳብ መዓስ ጸወታ?

ይኣክል ቀጠፍጠፍ
ዘየድሊ ወልደፍደፍ
ምስ ሓቂ ተሰለፍ
ኢድካ ሂብካ ዕረፍ
ስእለ
Dec 11, 2018 5:34 PM
148.184.174.62

ዘይኮነ ኣይተውሪ

ኣታ ዝስማዕ ተዛረቡ
ኣብ ጭብጢ ኣድህቡ
ታሪኽ ተወከሱ
ሕሰሙ ፈትሹ
ከመይ ተጣሒሱ 

'ቲ ትማሊ
ጸልማት ከሎ ወጥሪ
ኣብቲ ዘመን ገድሊ
ሻዱሻይ ወራር ስዓሪ
መትከሉ ኣኽባሪ
ዘይተወላወሊ

እወ
መሬት ዕንቊ ከላ
ብኹሉ ከበባ
ዝሰገረ ሽላ

ህዝቢ መንግስቲ
ፍቱን ብሓዊ
ከም ናይ ብሻ ወርቂ

እሙን'ዩ እሙን
ወረርቲ ዘድንን
ዘይርበሽ ሓኪም
ኤርትራ ዝብል
ዶባቱ ዘኽብር
ዘይዋገ ሕቡን

ከዳዕ ክማጣላዕ
ከዘውትር ቀልባዕባዕ
እንተ ሓኪም ግን
ዘይብል ጸፋዕፋዕ

ንደርጊ ሲዒሩ
ወያነ ደጊሙ
ኣብ በሪኽ ኮፍ ኢሉ

ኣየድልን ምውርዛይ
መሕብኢ ምንዳይ
ስም ሃብሮም ምግዕዛይ

ነውሪ'ዩ ነውሪ
ዘይኮነ ኣይተውሪ
ዘየብሉ እግሪ
መድነኒ መሕፈሪ
ስእለ
Dec 9, 2018 4:20 PM
173.73.28.168
ንተመን ርእሱ ንሌባ ኢዱ
 
ኣቲ ተመን ጭርኡ 'ተቖርጸ
ተሃሪሙ ሕቚኡ ዘይሞተ
ብተንኮበት ገና ዘይተገንዘ
ኣብ ምስሓግ ዘሎ ዝሰምበደ
ድገምዎ ርእሱ ክሓልፍ ክድበ

ነባሪ ክቐስን ክዕልል ብሞቱ
ረይስኡ ኣርእይዎ ኣብ ጉድጓድ ክኣቱ  
ሓመድ ከፍስሰሉ ከውሕሶ ዕግበቱ 

እወ

የጥፋኣዮ ገጹ እዚ መርዛም ተመን
ነውራም ኣሸባሪ ብማንም ዘይእመን
 መይቱ ዘይተቐብረ ብገበን ዝህደን
ስእለ
Dec 7, 2018 2:32 AM
173.73.28.168
እሾኽ መርገም ሱሩ ካብ ተነቕለ
ኳዂቶ ተኾርባ ነበረ ካብ ኮነ
እግሪ ይሰጉም ይርገጽ ከይሰፈለ
ይጕየ ስራሕ ምኽኒት ከይፈጠረ

ዓይኒ ይርአ የማዕዱ ኣርሒቑ
ጉንዲ፣ መንገፍ ተኣልዩ'ዩ ኣልጊሱ
ጸገም ትማል ዘቕበጸ ሓንጊዱ

ነማዓሪ ኩነት ኣእምሮና
ንቓንዮ ሕልና ውሽጥና
ንምዕባለ ክንስጕም ሓቢርና
ዝተኸስረ ግዜ ይኣኽለና
ብጓል ነገር ኣይንስሓት መስመርና
ስእለ
Dec 6, 2018 3:39 PM
148.184.174.61
እቲ እሾኽ ሱሩ ካብ ተነቕሰ
ኳዂቶ ተኾርባ ካብ ኣልገሰ
እግሪ ይሰጉም ይርገጽ ከይሓንከሰ
ይጉየ ስራሕ ክለምዕ 'ት ለሰ

ዓይኒ ይርአ የማዕዱ ኣርሒቑ
ጉንዲ፣ መንገፍ ተኣልዩ'ዩ ኣልጊሱ
ጸገም ትማል ዘቕበጸ ሓንጊዱ

ነማዓሪ ኩነት ኣእምሮና
ንቓንዮ ውሽጢ ሕልናና
ንምዕባለ ክንስጉም ሓቢርና
ዝተኸስረ ግዜ እንዳዘከርና
ንጓል ነገር ቁምነገር ከይሃብና
ስእለ
Dec 4, 2018 11:55 PM
173.73.28.168

ቃንኡ ቀይሩ

ትዕቢተኛ ሰይጣን
ዘየሕፍሮ ምንቋር
ፈታው ምብትታን
ብተንኮላት ሃብታም
ከምዛ ዘይበደለ
ኣጆኹም ዘይበለ
ንጥፍኣት ጕጅለ
ገሹና እንሀለ
ግይጽ እንዳበለ
ይቕሬታ ከይበለ

ምስ ፈሸሎ ኩሉ
ምስ’ቶም ጓሓላሉ
ቃንኡ ቀይሩ

ከዳህልል ድዩ ኣሚኑ
ካብ ጌጋ ተማሂሩ
ግዜ ክነግር ‘ዩ

ጥራሕ ነቕልቡሉ
ከይንህመለሉ
ነውራም’ዩ ግብሩ

እዚ ፖለቲካ
ጸወታ ገበጣ
ግይጽ ምይጽ ሓቂ እንዳኣቝለስካ
ኢድ ምጭባጥ ከምዛ ዘይኣበስካ
ስእለ
Dec 4, 2018 8:15 PM
148.184.174.62
ድሕሪ ዒሕታ - ቈልዓ
ድሕረ ሕጸ - መርዓ
ድሕሪ መኸተ - ዓወት
ሻዕብያዊ ሕላገት
ዘለዎ መሰረት!!
ስእለ
Dec 1, 2018 4:31 PM
173.73.28.168

እንኳ ኣሐጐሰና!


ደቂ ኤረይ - ደቂ ሃገርና
ከበሳ ቆላ - ደገ ዘለና
ጸልማት ወጊሑ - ንበል ዮሃና!

ሰላም ሰፊኑ - ኣብ ኤርትራ
ጸሓይ በሪቓ - ወርሒ ሓዚላ
ቀትርን ለይትን - ሓደ ኮይኑልና
ኣባይ ሪዒሙ - ኢዱ ሂቡና
ማዕቀብ ኣልዒሉ ‘ቲ ረማሲና
ሳላ መኸተ - መስዋእቲ ጅግና

ሃገርና ንህነጽ - ስዓት ወሲኽና
ጸገም ከብቅዕ ኣብ ኤርትራ
ራህዋ ክኸውን - ወግዒ ዕላልና

ስእለ
Dec 1, 2018 2:31 AM
173.73.28.168
ደቂ ኤረይ - ደቂ ሃገርና
ከበሳ ቆላ - ደገ ዘለና
ጸልማት ወጊሑ - እንኳዕ ኣሐጐሰና!

ሰላም ሰፊኑ - ኣብ ኤርትራ
ጸሓይ በሪቓ - ወርሒ ሓዚላ
ቀትርን ለይትን - ሓደ ኮይኑልና
ኣባይ ሪዒሙ - ኢዱ ሂቡና
ሳላ መኸተ - መስዋእቲ ጅግና

ሃገርና ንህነጽ - ስዓት ወሲኽና
ጸገም ከብቅዕ ተጻባኢና
ራህዋ ክኸውን - ወግዒ ዕላልና
ስእለ
Nov 30, 2018 2:16 AM
173.73.28.168
ጽውጽዋይ ተመንን ሰብን
ሰማዒ ዘገርም ዘስደምም
ወያንያዊ ጠባይ ክሓዲ ዘይእሩም

ሰብ ብገርሁ
ደንጊጹ ራህሪሁ
እዝግኣብሄር ፈሪሁ
ንተመን ኣስጊርዎ ውሕጅ - ሰቒሉ ኣብ ርእሱ

ድሕሪ ዉሕጅ ምስጋር
ኣብ ክንዲ ምምስጋን
ተመን ጀመረ ምዕግርጋር
ኣይወርድን'የ ብምባል

ድሕሪ ክትዕ ዕግርግር
ናብ ዳኛ ኣምርሑ - ነገሮም ክኽትም

ጉዳም!

ሙጉት ክሕደትን ዓመጽን
ግርህናን በለጽን
ተንኮለኛ ቓሉ ከዐብር
ገባር ጽቡቕ ክነብዕ ከንጸርጽር
ምዕዛብ ክኸፍእ ክሓስም

ብዝኾነ
ዳኛ ስርዓት ኣትሓዘ ሰብ ነገር
ማዕረ ደው ክብሉ - 'ቲ ስርዓት ክኽበር

ተመን ተነግሮ ካብ ርእሲ ክወርድ
ጠባይ ገሩ ክጫበጥ ክሙጕት 
ኣብ ቅድሚ ዳኛ ፈጺሙ ከይሕንግድ

ነገሮም ኣፍሲሶም
ኣግብእ እዋሓስ ኢሎም
ዳኛ ብኣንክሮ ምስ ሰመዖም
ፍርዲ ተዋህበ ንኽሊቲኦም

ሰብ ስማዕ ኢሉ ዳኛ ጀመረ፣
"በትሪ ኣብ ኢድካ
ተመን ኣብ እግርኻ
እንታይ ኢለ'ሞ ክፈርደልካ"
ኢሉ ክድምድምን
ኣብ ቋሕ ሰም - ተመን ክቕንጸልን
ሓደ ‘ኸውን

ዘረባ ዳኛ ቆብ ዘበለ ገባር ጽቡቕ
በትሩ ገሩ ብቕጽበት ኣብ ደቒቕ
ርእሱ ቀጥቀጦ ተመን ከምዘይትስእ
በደሉ ተንኮሉ ሓንሳብ ንሓዋሩ ከብቅዕ
Tsehay simret
Nov 30, 2018 1:14 AM
79.66.51.198
ሰላምታ
ስእለ
Nov 27, 2018 3:28 PM
148.184.174.61
ኤርትራ፡
ሃገር ጽንዓት ሃገር እንኪሒራ
ሃገር ስራሕ ካብ ኢዳ ድራራ
ሃገር ጸሎት ገዳም ምስክራ
ሃገር እምነት መስጊድ ዝነግረላ
ሃገር ተስፋ ኣብ ሓድነት ሓይላ
ሃገር ባሕሪ ጸጋ ዝኸበባ
ሃገር ፍቕሪ ሰላም ዝዓሰላ
ሃገር ስምረት ኣብ ሓጐስ ጸበባ
ዘይተጓኒ ንሩሑቕ ቀረባ
ፈታው ስኒት ንኹሉ መርሓባ
ዝበደሀት ዓማጺ ወረራ
ዘይትስምብድ ብፈኸራ ጃህራ
ኣደ ሓቂ ዘይትጠልም ሕድራ
ቃል 'ቲ ስዉእ ክኸይድ ዝበላ

መን ከማኺ ሃገረይ ኤርትራ
ንበሪ ድመቒ ብናይ መስመር ሓራ
ዓማጺት ዓለምና እስኺ መምህራ

ስእለ
Nov 20, 2018 4:55 PM
148.184.174.62
እቲ ኣሻሓት ዘብከየ
ህዝቢ ዘላደየ
ደሞም ዝሰተየ
ንብረት ዝራሰየ
ኤረይ ዝወረረ
ናይ ትግራይ ወያነ
ይበኪ እነሀለ
ሕጊ/ፍትሒ እንዳኣልዓለ
ከምዛ ዘይበደለ
ገበነኛ ጉጂለ

ትማሊ፣
ጸሓይ ከሎ ቀትሪ
'ቲ ህዝቢ ከአዊ
ዘይሰመዐት እዝኒ
ዝገርም 'ዩ ሕጂ
ዓብዪ ክሓሚ!

ነውራም ገበነኛ
ሓሳዊ ለኹመኛ
ውድቀትካስ እንኳዕ ድኣ ኣርኣየና!

ካብ መጠን ንላዕሊ፣
ሕጉሳት
ዑጉባት
ሕቡናት...ኢና

ስእለ
Nov 17, 2018 4:42 PM
173.73.28.168
ኣመስጉኑለይ ኣገናዕ በሉለይ
ነቲ ጅግና ሓወይ
‘ታ ኮርዒዳ ሓፍተይ
‘ቲ ወረጃ ህዝበይ
ምስ ዉሕሉል መንግስተይ
ሕልመይ ዘስመሩለይ
ዘሕፈሩ ጸላእተይ
ዝዓቀቡ ኤረይ
ክብሪ መንነተይ
 

ሰሚሮም ሓቢሮም
ኢድን ጓንትን ኮይኖም
ሕሰም ተጻዊሮም
ግዜኦም ወፍዮም
መስዋእቲ ከፊሎም
ዘውሕሱ ሃገሮም

ኣብ ሓቂ ረጊጾም
ኣስናኖም ነኺሶም
ዓሎቕ ከይረበሾም
ዝስዕሩ ጸላእቶም

እዛ ሓውላል ዓለም
ክትነብራ መስደመም
ንገሩዋ ኩሉ
‘ቲ ቕያ ጥበቡ
ኤርትራዊ ሓይሉ
ናይ መኸተ ዓቕሙ
ዝገብር ምዃኑ

 ህዝበይ
ተሓበን ተነየት
ጻማኻ ‘ዩ ዓወት
ኣንታ ክቡር ሓየት
ስእለ
Nov 17, 2018 3:36 PM
173.73.28.168
ኣመስጉኑለይ ኣገናዕ በሉለይ
ነቲ ጅግና ሓወይ
‘ታ ኮርዒዳ ሓፍተይ
‘ቲ ወረጃ ህዝበይ
ምስ ዉሕሉል መንግስተይ
ሕልመይ ዘስመሩለይ
ዘሕፈሩ ጸላእተይ
ዝዓቀቡ ኤረይ
ክብሪ መንነተይ

ሰሚሮም ሓቢሮም
ኢድን ጓንትን ኮይኖም
ሕሰም ተጻዊሮም
ግዜኦም ወፍዮም
መስዋእቲ ከፊሎም
ዘውሕሱ ሃገሮም

ኣብ ሓቂ ረጊጾም
ኣስናኖም ነኺሶም
ዓሎቕ ከይረበሾም
ዝስዕሩ ጸላእቶም

ህዝበይ
ተሓበን ተነየት
ጻማኻ ‘ዩ ዓወት
ኣንታ ክቡር ሓየት

ስእለ
Nov 16, 2018 12:26 PM
148.184.174.61

ኣብ ፌስታ ኣለኹ!

ኣባይ ተሳዒሩ
ማዕቀብ ተላዒሉ
ኣብ ታሪኽ ሰፊሩ
ሓጐስ ደስታ ኮይኑ

እወ
ህድኣት ሰላም ሰፊኑ
ሓፋሽ ተሓቢኑ
ጸላእቱ ኣርዒሙ
ኣብ ሓቂ ኣድኒኑ

ኣነ ብወገነይ
ካብ ውሽጢ ካብ ልበይ
ምስ ህዝበይ ኣዕሩኹተይ
ስድራይ ጎሬበተይ
ሳዕሲዐ ዓሊለ
ተቛጻጽየ ዘሊለ
እንኳዕ ኣሐጐሰና ኢለ

መዓስ ቀሊል ነሩ
‘ቲ መኸተ ትሩ
ኣንጻር ጓሓላሉ

ወሲዱ እንድዩ ሂወት
እታ ዝኸበረት
ናይ ቡዙሓት ሓየት
Yonatan Solomon Russom
Nov 15, 2018 5:23 PM
205.141.67.16

Dear Present, I am ready for you.

Dear past, I survived you.

Eritrean struggle ends only in victory. As Napoleon Bonaparte once said victory belongs to most persevering. What does persevering mean? Steadfastness in doing something despite difficulty, obstacles and discouragement without giving up. We are abide accepting the challenges and believing in ourselves and to become more dedicate and keeping our pride and never quit or give up until we succeed. Peace is the beauty of life. We always stand against evil. This victory or past victory were each of us contributed and committed to Eritrea’s victory. We work hard together toward a this outcome. Eritrean who live in Europe, America, and Africa.

Dear Present , I am ready for you.

Now, we need to give our dear Eritrean friends a big hug, how thankful we are to have people like them in our life. So, thank you from the bottom of our heart for being Eritrean friends. We want them to know that we deeply appreciate their support and selfless love. They are always so kind and patient with us. We need even write them letter to let them know.

Dear future, I am coming to you.

The past can not be changed. We should not dwell in the past. The future is yet in our power. Our vision is to make Eritrea (Eritrean Anthem)
“Will build up and make her green” (ንህንጻ ንልምዓት ክንሰርሕ) (give for good cause today the cost of a $5.00 latte, to make Eritrea green) https://www.gofundme.com/eritrean-tower

“We shall honor her with progress” (ስልጣኔ ከነልብሳ ግርማ)
“We have a word to her to embellish” (ሕድሪ'ሎና ግምጃ ክንስልማ)

Thank you
Yonatan Solomon Russom

ስእለ
Nov 15, 2018 1:34 PM
148.184.174.61

ረዚን ህዝቢ

ክቡር ዜጋ - ህዝቢ ኤርትራ
ተፈታዊ ከም ወይኒ ዘለላ
ወትሩ ድሙቕ ከምቲ ወርቂ ዛራ
ከም ናይ ብሻ ሓጺን ድባሩዋ

ፈታው ሓቂ ሩህሩህ እንካ ሃባ
ጎይታ ጽንዓት ኣብ መከራ ራህዋ
ጭዋ ህዝቢ ጻዕዳ ከም ዓለባ

ሞጒቱ ዝረትዕ
መኪቱ ዘዅርዕ
ካብ ህዝብታት ብጹዕ

ትርፎ ስራሕ ዘይፈቱ ዘረባ
ንፍቕሪ ንሰላም ኩልሳዕ መርሃባ
ዘየፍቅድ ንዓመጽ ወረራ

ሰሪሑ ዝዕንገል ዝጽይን ምጽወታ
በላዕ ናቱ ስስዐ ዘይፈልጣ
ንበር ክበር ርትዒ ከተጽልላ
ዓለም ጸፋር እስኻ መምህራ
MIK
Nov 14, 2018 5:48 PM
72.80.223.86

Victory

We have resolutely fought against the UNjust sanctions for which no evidence for the culpability of Eritrea in what it had been accused has been provided to date. We have endured unthinkable sufferings,and ills aimed at our social fabric and long-term sustainability. We have been building our nation despite the many obstacles that were thrown against us--all while waiting and working for the victorious conclusion that came to light last June and is highlighted by the lifting of the sanctions today. We now redouble our efforts for accelerated nation building. JUST CAUSE, RESISTANCE, PATIENCE, PERSEVERANCE, RESILIENCE! Those are the components of our VICTORY!

ስእለ
Nov 14, 2018 1:08 AM
173.73.28.168
ዮሃና! ዮሃና!
እንኳዕ ኣሐጐሰና
ድሕሪ መኸተ ዓወት
ኤርትራዊ ሕላገት

ሓፋሽ ኣይተኻእለን
ኣብ ጸበባ ጸገም
መኪቱ ሲዒሩ
ሓቂ ኣመስኪሩ

መንቀኛ ደኒኑ
ንሓቂ ሪዒሙ
ሓደ ድምጺ ኮይኑ
እገዳ ኣልዒሉ
ፍትሓዊ መሲሉ

ሓፋሽ ክምስ ኢሉ
ከብዱ ብሕሩሩ
ትማሊ ዘኪሩ
‘ቲ ወጽዓ በደሉ

ብዝኾነ
ዮሃና ዮሃና
እንኳዕ ኣሐጐሰና
ከም ጸሓይ ምድማቕና
ዓወት ‘ዩ ጻማና

ዕድመ ንሻዕብያ
ኢንጅነር ‘ዚ ቕያ
ምስ ጹኑዕ ህዝብና
ዓወት ዘብቅዓና

ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events