Dehai Message Board (DMB)

ኣምባቢ
Jan 22, 2019 10:49 PM
172.58.43.94

ዘራጊቶ

ዘይስማዕ የለን ሰሚዐ
ኣቢ ንዘራጊቶ ተክአ
ዑስማን ሳልሕ ወይዚ ዕነ
ተፈሪድዎ ክውዕል ክሽነ

መገዲ ባቡር ክሰርሓልና
ዝፈራረም ብስምና
ሃገር ከምዘይብልና
ሂብናዮ ውክልና

ጉድ ህግደፍ መስደመም
ሻዕብያ ኢየ እንዳበለ መጽመም
ቀስ ብቀስ ኢዱ ሂብዎም
ነዛብእ ንገዝኡ ዓዲምዎም

ሩባ ስለዘይብልና 
ድልድል ምስራሕ ኣቢና
በዓል ዒባ ኢሎምና
ባሕሪ ከለና ዓሳ ማኣስ ኣውጺና

ብ ዓዲ ሃሎ እንዳተመካሕና
ጾሙ ኣሕዲርና ህዝብና
ባንን ፊኖን ወያነ ዮም ክብና
ክልተሞት ሎሚ ተፈሪድና

እንታይሞ ምስ ስእለን ስእላይን
ዝጽገሙ ኣብ ምርኣይ ምስማዕን
ዘይክእሉ ምምማይ ምእላይን
ኮይኖም ደንቆሮን ሃላይን
ዝስፍዩ ሓድሽን ብላይን
በዓል ዘራጊቲ ሃማምን ዛህላይን


MIK
Jan 21, 2019 8:44 PM
72.80.222.168

Stop It!

Sorry that we do not have big rivers on which we could build dams large enough to satisfy you Ambabi. The only alternatives the sons and daughters of Eritrea have was (and still) is to build dams on the big rivers their country has. They built the likes of the Kerkebet, Adi Halo, and Gahtelay dams, and I gather that it annoys the likes of you. Little do you know that you are belittling the work of people you would call your brothers and sisters if it were convenient. They built those under very restrictive financial, military, and material constraints imposed by the Weyane and those who had used it as their instrument for their ill conceived agendas over the people of the Horn of Africa and beyond. You and your likes have simply become their tools against Eritrea.

And now, as if you had not been trying to make the lack of water an issue are belittling the work done to harvest water--over 300 million cubic meters in Gash-Barka alone--for drinking and cultivating tens of thousands of squares of land. This is water that would have been lost forever and fields that would have remained barren! You have no clue about what it means, do you? Do you have any idea the challenges Africa in general and Eritrea and the Horn region in particular are facing in this day and age? It is ensuring the sustainability of the countries and their people! Too bad your highest priority is to express your hatred to one person!

You may sway a few gullible individuals with your lies, exaggerations and out-of-context propaganda, but you can't make Eritreans play your dirty games for you. Even you, will admit the renewed hope and expectations Eritreans have been expressing recently. I bet that is what is unsettling you and "the opposition".

ኣምባቢ
Jan 21, 2019 8:31 PM
172.58.46.154

ሰማዒ ዝሰኣነ ኣውያት

በይኑ ኮይኑ ስእለ
ይሳቀ ይልሎ እነሀለ
ታሕቲ ላዕሊ ተበለ
ገዲፋዎ ኩሉ ዘስተብሃለ

ህግደፍ ውን ተኮኑ
ምስ ኣምሓራ ምስወገኑ
ቱፍ ኢሎሞ ዓስቡ ከይወገኑ
ገዝኡ ፈሪስዎ ጥሪቱ ስኢኑ

ደሃይ ማዕጾ ኣርሕዮሞ
ከምዘይነበሩ ኣጸምዮሞ
ደለይቲ ፍትሒ ተኣትዮሞ
ስእለ ኣበይ የብል ሞ

ዓዲ ሃሎ ውን ተኮነ
ሽቃቅ የብሉ ክሽነ
ምሕደራ ዘይብሉ ውጥነ
ንስእለ ዝሓብእ ነይኮነ

እምከ ሕጂ እንታይ ይገበር
ተጠሊዕካ ኣእዊ ምበር
ረዳኢ ካብ ዘየለ ጎረቤት ስግር
ምክንያት የብልካን ኣስመራ ዘንብር
ስእለ
Jan 21, 2019 7:37 PM
173.73.28.168
Seriously!

ልዕሊ ፖፕ ካቶሊኽ
ልዕሊ ሻዕብያ ኤርትራ ዘምልኽ
መን 'ዩ ንሱ ወሽላኽ ዘይሓንኽ?

በየናይ ሚዛን በየናይ መዐቀኒ
ናይ መዓስ ታሪኽ ብመን ተኣማኒ
ኣነ 'የ ክብል - ኤረይ ሓላው ዓይኒ

ኣይተፈጥረን ኣይረኣኹን - ብጭብጢ ብግብሪ
ልዕሊ 'ቲ ሃለውለው - ቐጠፍጠፍ ስምዑኒ
ናይ ሓሶት መደረ - ቁንቁነ በታኒ
ስእለ
Jan 21, 2019 6:42 PM
173.73.28.168
ኤረይ ወርቂ ጥማዕ!

ደብተረይ ማህደረይ ዓቃቢት ታሪኸይ
መንነት ክብረተይ ኩርዓት ዜግነትይ
ኣብ ህላዌኺ ይደምቕ ይጽዋዕ ‘ቲ ስመይ

ሑሉበይ ንጹፈይ ሂወተይ ሞተረይ
ክሓስም ክጥዕም ትዛርዪ ኣብ ልበይ
ንስምኪ ክጽውዕ ይብርኽ ማእገረይ
ብኣኺ ይልለ ኣፍሪቃዊ ሕብረይ

ጸሓየይ ብርሃነይ ሓይሊ ኢኺ ደመይ
እንተለኺ ይህሉ ይቐስን ’ቲ ልበይ
ደቂሰ ተሲአ ጎነይ ይወድቀለይ

ዝሕበን ዝኸብር ዓምቢበ ዝፈሪ
ዝሓስብ ዝእምም ንጽባሕ ንሎሚ
ንዓኺ ሒዘ’የ ዝሳግም ዝዛሪ
ኤረይ ወርቂ ጥማዕ ዘልኣለም ንበሪ
ኣምባቢ
Jan 19, 2019 6:59 AM
172.58.43.6

ሕጂሞ እንታይ ይገበር ?

ጸሓይ ከሎ ካብዝብለካ ገብ ገብ
ሕቆካ ምስከብድካ ካብዝላገብ
ብ ኢድ ወያነ ካብትምገብ
ኪድ ምበር ስእለ ዓለም ዶ ትጽገብ

ባዓትካ ኩሉ ካብፈረሰ
ምስምስ ወያነ ካብሃሰሰ
ጉዳይ ዶብ ካብ ተጣሕሰ
ሕጋውነት ሕፍረት ካብለበሰ

ነምሓራ ናፊቁ ኢሱ ካብተጣዕሰ
ዘይከውን ኮይኑካ ዘይምለሰ
ኣይከኣልን'ዩ ጛህሪ ምኩላሰ
ኣይሕፈስን ማይ ምስፈሰሰ
መሕብኢ የለን ህግደፍ ምስፈረሰ

ህግደፍ ኣየወቲ ህግደፍ
ዘይከምስሙ ደርገፍገፍ
ፍትሒ ነይብሉ እንትርፎ ኣግድፍ
ደሞክራሲ ኣይሰርሕ ኣይጽሕፍ

ሓንቲ ኢያ ታ ክእለቱ
ጛይላ ምትካል ኣብ ዓዲ እንዳማቱ
ኣሻሓት ዝስልዕ ካብ ማእቶቱ
ንረኣዩለይ ኣበይከ ዘይኣቱ

ምድማር ከበስር ን ኣፍሪቃ
ጁባ ከይዱ ንሓድነት ምረቃ
ነፋሪቱ ገዲፉዋ በቃ
ኢትዮ መሪጹ ተመሊሱ ናብ ጭቃ

ለንዘበን ጉድ ኢዩ ነገሩ
ሓወልቲ ከፍቅድ ነምሓሩ
ቶም ክቀትሉ ዝመጹ ሞ ዝሓረሩ
ብ 91 ተኮብኩቦም ዝተባረሩ

ስእለ እንታይ ሞገተካ ?
በዚ ጉዳይ ጥልመት ናይ ኣያካ
ዶ ዋላስ ገና ዕሙት ኢካ
ትደግም ዝበሎ ኢሱ ቲፈጣሪካ

ስእለ
Jan 19, 2019 12:59 AM
173.73.28.168
ሰብ መሲሉኒ እምኒ ቀንጥየ
"ኣምባቢ" ስሙ ሓሳድ "ወያነ"
ድኹም ሕልና ካብ ሰባት ዕነ

ሓንቲ መዝሙሩ መልሓሱ ዕረ
ምንሻው ዓቕሙ ዘይብሱል ጥረ
ሃብሮም የጸልም ሰሚዑ ወረ

እዚ ክፉእ ስኒ - "ኣምባቢ" ግኒ
ዕንቅፋት ስራሕ - ወይጦ ሓንካሪ
"ስርዓት ኣስመራ" እካ በለኒ
ይበሃል ኢሉ ከናእሰኒ

ሓሻኻ!

ሕሙም ኣእምሮ ዝተበከለ
ህውታትያ ዕሱብ ዝተመወለ
ብቑሩብ ቁራቦ ዝተታለለ

ደጊም ይኣክል ቆይቊ ምስ ሕምሩግ
ጭኑቕ ኣእምሮ ዘይምዕሩይ ዙሩግ
ትሕዝቶ ኣልቦ ቃሓር ዝብሕጉግ

ብዝኾነ
ድምጽኹም ሃቡ ሰብ ድሃይ ቁሩብ
ሰሚዕካ ምጽቃጥ ኣይኮነን ቅኑዕ
ኣምባቢ
Jan 18, 2019 6:45 PM
172.58.43.23

ንቅሎ

ንቅሎ ብንቅሎ
ሓደ ኮይና ንንቀሎ
ኣይንደንጉ ቶሎ
ሰዓቱ ኣኪሉሎ
ንሕድሪ ይከኣሎ

ይኣክል ምድንጋር
ምቅታል ዎ ምእሳር
ንዕቀት ይትረፍ እምበኣር

ይመለስ ስደተኛ
ዘያሚ ኣፈኛ
ጀግና ፈረሰኛ
ጎያይ ስፖርተኛ

ቲ ኤርትራዉ ሙሁር 
ሃገሩ ዝዝክር
ይመለስ ክምህር
ዩኒቨርሲቲ ክጅምር

ሓረስታይ ውን ከምኡ
ክመልእ ቆፍኡ
ይሕረስ ብኣግኡ
ይሽጥ ጠስሙ ኣርጊኡ

ስርዓት ናይ ኣስመራ
ሓሶት ዝድራራ
ምድንጋር መቀነታ ጌራ
ናይ ጨካናት ምሕደራ
ብንዕቀት ዓዊራ
ኤርትራውነት ሰባቢራ
ሕጂ ደው ነብላ
ከይጸወዓትልና ነም ሓራ



ስእለ
Jan 18, 2019 1:04 PM
148.184.174.61
እስከ ገለ ክብሎ ን"ኣምባቢ"
ርሕቀት ኣፍንጭኡ ዘይርኢ
መልሓሰኛ ዓዋን መንደልሓቒ

ሓፋሽ ዝኸዓቦ ዘይተቐብረ በድኒ
ክንዲ ስራሕ ዝሰልጦ ክሓሚ
ውርደተኛ ናይ ጎራሓት ሳእኒ

"ኣምባቢ ዶ መኽበቢ?"

ቁሩብ ሕፈር 'ቲ ርእስኻ ኣድንኖ
ኣይትሃውትት ኣይትኹን ደንቆሮ
ኤርትራዊ ሃርበኛ ይዕዘበካ 'ሎ

ዘይትሓፍር ወደል ናይ ጥፍኣት ኣላሚ
ነውራም ጸረ-ሃገር ትብል ፍለጡኒ
ቁራብሻ ሓሶት ኣብ ክሕደት ተዕነኒ

ወጠምጠም ግደፎ ጅግና ተኸተሎ
ዕንቅፋት ኣይትኹን ሓበላ ወፋሮ
ካብ ሩሑቕ ቀጠፍጠፍ የብልካን ትገብሮ

ኣምባቢ
Jan 18, 2019 12:49 AM
172.58.43.181

ወያነ

ምስወያነ ዝወየነ
ንስካ ዶ ወይስ ኣነ
ኣበይሞ ክንዳነ
ሕጊ ምሳኮም ዶ ትሳነ

ህዝብን ሃገርን ኣጸልሚትካ
ህንጸት ሃገር መውጽእ ኣፍካ
ን 27 ዓመታት ኣታሊልካ
ባኒ ምስ ፊኖ ወያነ ክልእከልካ
ክላዋእ ብደውካ ተዘሚትካ
እንታይሞ ሕፍረት ነይተፈጥረካ

ሰሚዕና ወያነ ኣበስመራ
ክትዛወር ከምድላያ ጌራ
ክትነግድ ክትሽምት ድራራ
ተጋንዮም ደቀባት ህግደፍ ጉድ ጌራ
ምስተረፍ መረፍ ደርጊ ኣሻርያ
ኣግሂዳቶ ቲ እከይ መትከላ

ህንጸት ሃገር ዝበልካዮ
እስከ ንገረና ክንርእዮ
ምፍራስ ገዛ ንሰብ ዘብከዮ
ዋላስ ካልእ ኣሎ ንጽበዮ

ጋብላ ናይ ማይ ዲጋ ዓዲ ሃሎ
ንዕኡ ተኮንካ ህንጸት ትብሎ
ዘይግለሊ ማይ ብሻንኬሎ
ንጸበል ኢዩ ሰሚዕና ንጠንቓሎ

ስእለ ንበይኑ
በቲጸበል ተጀኒኑ
ካብ ወያነ መውጽኢ ስኢኑ
ወያነ ክብል ማሲኑ
ካብ ኣምላክ ን ኢሱ ኣሚኑ
ዓዲ ሃሎ ይጥመቅ ብኢደዋኒኑ

ኣምባቢ
Jan 17, 2019 10:25 PM
172.58.43.181

ስእለ

ስእለ በጺሑኒ መልእክቲ
ማዕዳካ ከንብብ ምእንቲ
ቁዱስ ሓሳብ ኔሩ ዘይመዋቲ
ጌርካዮ ግን ቁሩብ ሃውታቲ

ዘምበብክዎ ከካፍለካ
ኣእምሮካ ተከፊትካ
ብዙሕ ኣሎ ዝነግረካ
ኣይብዛዕባይን ይኩን መልእክትካ

ጉዳዩ ጉዳይ ሃገር ኢዩ
ብዛዕባ ዝጠለመ ብጻዩ
ኣሲሩ ቀንጺሉ ነቲ ካልኣዩ
ባይቶ ንከይህልው ዝበለ'ዩ

ዘክሮ ን ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ
ብሕጊ ንሓቂ ዘጉለሐ
ን ፍትሒ ዓው ኢሉ ዝነብሐ
ኣብ መጽሓፍ ብርዑ ዘብለሐ

ኣምቢበዮ ዝጸሓፎ
ነቲ ኩሉ ወዲ ሃገር ዝሃረፎ
መን'ዩ ን ቅዋም ዝኮለፎ
ሃንቀው እንዳበልና ዝጎሓፎ

ነጊሩና ኩሉ ምስጢራት
ምብዝሑ ክንዲ ዓይኒ ዓራት
መሳኪን ከለና ጥቡራት
ንመሸጣ ትሸዓተ ብሄራት!! ?

ጥልመትን ክሕደትን ንዝኣመሉ
ሸይሸይ ኣብዝባና ዝተሰቅለ ባዕሉ
ዘይመረጽናዮ ቆጽሊ ዘየንበርናሉ
ብርሃነ ሰምይዎ ዘራጊቶ ኢሉ

ስእለ ኣየምበብካን መስለኒ
መጽሓፍ ክሰደልካ ንገረኒ
ኣበስመራ ኮንካ ኣይጥዕምኒ
ከይ ቀትሉካ ብዳርባ እምኒ
ዊዓ ወይ ምዕጢር ከይትቅኒ

ስእለ
Jan 17, 2019 3:08 PM
148.184.174.62
"ኣምባቢ"
ንእሽቶ ወያነ
ነዊሕ ዝዓወነ
ሓርናኺ ዓጢነ

እንታይ 'ዩ ጸገምካ
መን 'ዩ ሊእኹካ
ትልዚ ዘለኻ?

መዝሙር ናይ ትማሊ
ናይ ከዳዓት ሕልሚ
ወያንያዊ ትልሚ
በርዒኑ 'ዩ ኣይተእዊ

ሃተፍተፍ ግደፎ
ጉዕዞ ህንጸት ደግፎ
እንተለካ ሓቦ
ኣምባቢ
Jan 17, 2019 1:56 AM
172.58.43.11

ደቂንስትዮ ኤርትራ

ደቀንስትዮ ኤርትራ
ጀሚረን ክበራበራ
ናይምትላል ኩምራ
ይኣክል ኢለን መደራ

ተጸሚመን ኔረን
ንነዊሕ ልቢ ኣዕቢየን
ሻቅሎት ግን በዚሕወን
ዘይጽወር ኮይንወን

ሰሚዐን ንዘይሰምዑ
ምስፈለጣ ከምዘየልምዑ
ተስፋ ምስ ቆረጻ ሽዑ
እነሆ ጀሚረን ስምዑ

መሲልወን ኔሩ ዝትግበር
ዝሕንጸጽ ዶብ ዝክበር
ሕጊ ከምዓንዲ ዝግተር
ህዝቢ ኣብ ዓዱ ዝስተር

ትጽቢተን ከንቱ ኮይኑ
ንህዝበን ኣማሲኑ
ሕብረን ደዊኑ
ደቀን ኣስኢኑ ሰማዒ ስኢኑ

ዘይደመቀት ወርሒ ሰላም
ቀጸለ ስደት ሃገርካ ምጥላም
ብረት ደደርቢካ ምስላም
ዘደንጹ ኩነት ድሕሪ ምክታም ሰላም

ሓሶት በዚሑ ጌሩለን ነግሒ
ምድንጋር ኮይኑ ዘይውዳእ ሽርሒ
ነዚ ምስፈለጣ ከናድያ ፍትሒ
መረሻ ዋዓሩ ብዘይ መራሒ


ስእለ
Jan 16, 2019 6:28 PM
148.184.174.61
እንታይ በልካ ኣምባቢ?

"ነስተውዕል"

እህምምም
ግርም
ጨለ ዘረባ - ክንደይ'ኳ ክጥዕም

ግና
እስከ ብነብስኻ ጀምር
'ቲ ጌጋኻ ኣርም
ከይበልካ ቊርምሪም

ዓይኒ ሰብ ኣይተንቊር
ልቢ ሰብ ኣይተሕምም
ዘይትፈልጦ ኣይተዕልል

እወ
ታሪኽ ኣይትዘንጥል
ክብሪ ሰብ ኣይተጒድል
ገበን 'ዩ ኣስተውዕል

ኣኽብር ክትከብር
ቅድም ኣመዛዝን
ወረኛ ኣይትኹን
ጽባሕ ከይትሓፍር
ስእለ
Jan 16, 2019 1:32 PM
148.184.174.61
ኣምባቢ፣
እንታይ ኢኻ ተንብብ ክትፈልጥ ክትዓቢ
እስከ ሓብረና ትገብረሉ ቀልቢ
ኣምቢበዮ ትብሎ መጽሔት መጽሓፍቲ?

ኣይመስለንን ተንብብ ዘምበብካ
እንሀ ዶ ይነግር ጽሑፍካ
መእሰሪ ዘይብሉ ዜሮ ጣቋ

ተማሃር ኣምብብ ኣስተውዒልካ
ቅድሚ ሕምየት ዓጀውጆው ምባልካ
ሃብሮማት ጀጋኑ ምዝንጣልካ

ኣይምሰልካ ኩሉ ዝፈለጥካ
ፊደል ሀ ሁ... ስለ ዝሸምደድካ
ብዙሕ ኣሎ ክትገብሮ ዘለካ
ከተንብብ ክትሰምዕ ጽን ኢልካ
ክሰፍሕ ክህብትም ጸቢብ ኣእምሮኻ
ኣምባቢ
Jan 16, 2019 1:12 AM
172.58.46.129

ነስተውዕል

ኣበይ ኣበሉ
ኣብዚ ዝነበሩ

ቀይሮም ዶ ገዛ
ክዛረቡ ላዛ

ጥቁው ዛዕባ
ንዑ መርሓባ

ሓደ ንኩን
ንክንድሕን

ሕጂ ዶሞ
ተለዊጡ ኢሎሞ

ከምኣ እንዳበለ
ንኩልና ዘታለለ

ዓንጽዓንጾ
ከይከውን ንማዕጾ

ገዲፍና ፍልልይ
ነተኩር ነለልይ

ቲ ሓደ ክይእለ
ንኩልና ዘሻቀለ
ክሸጣየ እንዳበለ
የንጸላሉ እነሃለ
እከይ ዝሓዘለ
ክፈቱ ዓይኒ በዓል ስእለ


ስእለ
Jan 15, 2019 11:19 PM
173.73.28.168

ኪዒበኪ ዓለም

ዓለም ኩርኳሕ እሾኽ ቆንጠፍጠፈ
ቊንጪ ትዃን ተባላዒት ኣምዐ
ኪዒበኪ 'ቲ ጠባይኪ ሪአ

ተአንግዲ ለዋህ ዝሓሰመ
ነብሰ ገዳይ ጨካን ዝተረግመ
ጸቢብ ርእሱ ከም ስሱዕ ወያነ

መዓር ዕረ መትሓዚ ዘይብልኪ
ጅግና ሃብሮም ትወስዲ መንጢልኪ
ትጻወቲ ብኣምዑት ደቅኺ
ኣይግዳዳ ደርሆ 'ዩ ጠባይኪ

ሓባል ኢኺ መናው መዳለዊት
ሽግር ሕሰም ተብኵዕ ትስንክት
ዘይግድሳ ተባእስ ተናቝት

ሪአኪ እንድየ ትማሊ 'ቲ ብቕትማሊ
ዓይንኺ ክዕመት ኤርትራ ክትደሚ
ኣይሰምዕን ኢልኪ እዝንኺ ክትሓትሚ

ማሓርና ይኣክል 'ቲ ስቓይ
'ቲ ኲናት ሓዊ ተባላዓይ 
'ቲ ስደት ሰላም ንምንዳይ

ክት ኣምኒ ክትክሕዲ
ሓቂ ክነግረኪ፡

ኣላትና ሃገር ኩሉ እትውንን
ኮለሊ ምስክር 'ቲ ሃብታ ዝነግር
ጻዕራም ሕብረተ ሰብ - ኣብ ነብሱ ዝኣምን
ንስራሕ መኸተ ብሓደ ዝሓንን 
ሰሪሑ ዝበልዕ ዘይደንን ዘይልምን

ጥራሕ ሰላምና ሃብና
ኣይትረብሽና
ብስራሕ ትምህርቲ ክንቅይር ሂወትና

ሕራይ ዶ ዓለም?
ስእለ
Jan 15, 2019 6:11 PM
148.184.174.62

ዓለም

ዓለም ኩርኳሕ እሾኽ ቆንጠፍጠፈ
ቊንጪ ትኳን ተባላዒት ኣምዐ
ኪዒበኪ 'ቲ ጠባይኪ ሪአ

ተአንግዲ ለዋህ ዝሓሰመ
ነብሰ ገዳይ ጨካን ዝተረግመ
ጸቢብ ርእሱ ከም ስሱዕ ወያነ

መዓር ዕረ መትሓዚ ዘይብልኪ
ጅግና ሃብሮም ትወስዲ መንጢልኪ
ትጻወቲ ብኣምዑት ደቅኺ
ኣይግዳዳ ደርሆ 'ዩ ጠባይኪ 

ሓባል ኢኺ ዘባል መዳለዊት
ሽግር ሕሰም ፍልልይ ተበርክት
ዘይግድሳ ተባእስ ተናቚት

ሪአኪ እንድየ ትማሊ 'ቲ ብቕትማሊ
ዓይንኺ ክዕመት ኤርትራ ክትደሚ
ኣይሰምዕን ኢልኪ እዝንኺ ክትጸሚ
ኣምባቢ
Jan 13, 2019 10:54 AM
172.58.46.214

ሃገረይ

ሃገረይ ኣቲ ሃገረይ
ጀምርዮ ባ ቲ ትምኒተይ
ግደፍዮ ቲ ምዕጥጣይ
ዘይ ኣክለና ቲ ምጽባይ

ሃየ ይበገስ ምድረ ባቡርኪ
የተዓረ ጽርግያ መገዲ
ክራከባ ብ ሄራትና ግዲ
ክለምዓ ከተማታት ምስ ዓዲ

ይበራበራ ፋብሪካታትኪ
ዑብ የብላ የውጽ ኣ ትኪ
ይጸመድ ሰራሕተኛ ኣብ ሃልኪ
ምህርቲ ክሕፈስ ዋጋታት ክንኪ

ይጀመር ክስራሕ ዩኒቨርሲቲ
ናቅፋ ዝተሰምየ ናይጽንዓት ትእምርቲ
ክኢላ ከፍሪ ናይ ጽባሕ መራሕቲ
ተካእቲ ወለዶ ሃገር ኣውሓስቲ

ኣይረሳዕኩን ሃገርና
ፍትሕን ሕግን ኣሪእና
እሱራት ፍትሕዮም ኣይትደንጉይና
ከም ዓለምኪ ኩኒ ሕለፊ ፈተና

ከም ኡ ውን ከዘክረኪ ዓደይ
መታን ክምለስ ቲ መንእሰይ
ኣብስደት ዝከርተተ ሰበይ
መርሓባ በልዮ ዕንቅፋት ብምእላይ 

እዝጊ ይስማዕኪ ስምዕዮ
ዘረባ ለባማት ኣይትንዓቅዮ
ሃየንታ ኣለዎ ሸለል ተልኪዮ
ንኩሉ ገዲፍኪ ንሕጊ ጸሓፍዮ

ስእለ
Jan 12, 2019 6:38 PM
173.73.28.168

ቢቢሲ - ቅሓር ሓቂ!

ቢቢሲ (ብስብስ) መጣቖሲት 'ያ ቅሓር ሓቂ
ልሳን ዓመጽ ናይ ኩሎም ዓመጽቲ
ጸረ-ሰላም ናይ ጥፍኣት ናይ ባእሲ
ካብ ሎንዶን ትቃልሕ ካብ ናይሮቢ

ጒሒላ 'ያ ናይ ሓቅነት ለምጺ
ጸረ-ሰላም ዘይትፈርሕ ረቢ
ሓብሓቢት ጠበቓ ምንዕዓብ ጎንጺ

ንረብሓ ንምኽሰብ መጣቖሲት
ብስዉር ብግህዶ ኣባኣሲት
ሓባሪት መሲላ ነውራም መላኺዒት

‘ቲ ኹሉ 'ትብሎ ብቲቪ ብረድዮ
ቡቡዙሕ ቋንቋታት ትነግሮ ተውርዮ
ይቐፈካ ክትሰምዖ ክትርእዮ
ናይ ወየንቲ መጋበርያ ወሃዮ 

ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events