Dehai Message Board (DMB)

ኣምባቢ
Jan 16, 2019 1:12 AM
172.58.46.129

ነስተውዕል

ኣበይ ኣበሉ
ኣብዚ ዝነበሩ

ቀይሮም ዶ ገዛ
ክዛረቡ ላዛ

ጥቁው ዛዕባ
ንዑ መርሓባ

ሓደ ንኩን
ንክንድሕን

ሕጂ ዶሞ
ተለዊጡ ኢሎሞ

ከምኣ እንዳበለ
ንኩልና ዘታለለ

ዓንጽዓንጾ
ከይከውን ንማዕጾ

ገዲፍና ፍልልይ
ነተኩር ነለልይ

ቲ ሓደ ክይእለ
ንኩልና ዘሻቀለ
ክሸጣየ እንዳበለ
የንጸላሉ እነሃለ
እከይ ዝሓዘለ
ክፈቱ ዓይኒ በዓል ስእለ


ስእለ
Jan 15, 2019 11:19 PM
173.73.28.168

ኪዒበኪ ዓለም

ዓለም ኩርኳሕ እሾኽ ቆንጠፍጠፈ
ቊንጪ ትዃን ተባላዒት ኣምዐ
ኪዒበኪ 'ቲ ጠባይኪ ሪአ

ተአንግዲ ለዋህ ዝሓሰመ
ነብሰ ገዳይ ጨካን ዝተረግመ
ጸቢብ ርእሱ ከም ስሱዕ ወያነ

መዓር ዕረ መትሓዚ ዘይብልኪ
ጅግና ሃብሮም ትወስዲ መንጢልኪ
ትጻወቲ ብኣምዑት ደቅኺ
ኣይግዳዳ ደርሆ 'ዩ ጠባይኪ

ሓባል ኢኺ መናው መዳለዊት
ሽግር ሕሰም ተብኵዕ ትስንክት
ዘይግድሳ ተባእስ ተናቝት

ሪአኪ እንድየ ትማሊ 'ቲ ብቕትማሊ
ዓይንኺ ክዕመት ኤርትራ ክትደሚ
ኣይሰምዕን ኢልኪ እዝንኺ ክትሓትሚ

ማሓርና ይኣክል 'ቲ ስቓይ
'ቲ ኲናት ሓዊ ተባላዓይ 
'ቲ ስደት ሰላም ንምንዳይ

ክት ኣምኒ ክትክሕዲ
ሓቂ ክነግረኪ፡

ኣላትና ሃገር ኩሉ እትውንን
ኮለሊ ምስክር 'ቲ ሃብታ ዝነግር
ጻዕራም ሕብረተ ሰብ - ኣብ ነብሱ ዝኣምን
ንስራሕ መኸተ ብሓደ ዝሓንን 
ሰሪሑ ዝበልዕ ዘይደንን ዘይልምን

ጥራሕ ሰላምና ሃብና
ኣይትረብሽና
ብስራሕ ትምህርቲ ክንቅይር ሂወትና

ሕራይ ዶ ዓለም?
ስእለ
Jan 15, 2019 6:11 PM
148.184.174.62

ዓለም

ዓለም ኩርኳሕ እሾኽ ቆንጠፍጠፈ
ቊንጪ ትኳን ተባላዒት ኣምዐ
ኪዒበኪ 'ቲ ጠባይኪ ሪአ

ተአንግዲ ለዋህ ዝሓሰመ
ነብሰ ገዳይ ጨካን ዝተረግመ
ጸቢብ ርእሱ ከም ስሱዕ ወያነ

መዓር ዕረ መትሓዚ ዘይብልኪ
ጅግና ሃብሮም ትወስዲ መንጢልኪ
ትጻወቲ ብኣምዑት ደቅኺ
ኣይግዳዳ ደርሆ 'ዩ ጠባይኪ 

ሓባል ኢኺ ዘባል መዳለዊት
ሽግር ሕሰም ፍልልይ ተበርክት
ዘይግድሳ ተባእስ ተናቚት

ሪአኪ እንድየ ትማሊ 'ቲ ብቕትማሊ
ዓይንኺ ክዕመት ኤርትራ ክትደሚ
ኣይሰምዕን ኢልኪ እዝንኺ ክትጸሚ
ኣምባቢ
Jan 13, 2019 10:54 AM
172.58.46.214

ሃገረይ

ሃገረይ ኣቲ ሃገረይ
ጀምርዮ ባ ቲ ትምኒተይ
ግደፍዮ ቲ ምዕጥጣይ
ዘይ ኣክለና ቲ ምጽባይ

ሃየ ይበገስ ምድረ ባቡርኪ
የተዓረ ጽርግያ መገዲ
ክራከባ ብ ሄራትና ግዲ
ክለምዓ ከተማታት ምስ ዓዲ

ይበራበራ ፋብሪካታትኪ
ዑብ የብላ የውጽ ኣ ትኪ
ይጸመድ ሰራሕተኛ ኣብ ሃልኪ
ምህርቲ ክሕፈስ ዋጋታት ክንኪ

ይጀመር ክስራሕ ዩኒቨርሲቲ
ናቅፋ ዝተሰምየ ናይጽንዓት ትእምርቲ
ክኢላ ከፍሪ ናይ ጽባሕ መራሕቲ
ተካእቲ ወለዶ ሃገር ኣውሓስቲ

ኣይረሳዕኩን ሃገርና
ፍትሕን ሕግን ኣሪእና
እሱራት ፍትሕዮም ኣይትደንጉይና
ከም ዓለምኪ ኩኒ ሕለፊ ፈተና

ከም ኡ ውን ከዘክረኪ ዓደይ
መታን ክምለስ ቲ መንእሰይ
ኣብስደት ዝከርተተ ሰበይ
መርሓባ በልዮ ዕንቅፋት ብምእላይ 

እዝጊ ይስማዕኪ ስምዕዮ
ዘረባ ለባማት ኣይትንዓቅዮ
ሃየንታ ኣለዎ ሸለል ተልኪዮ
ንኩሉ ገዲፍኪ ንሕጊ ጸሓፍዮ

ስእለ
Jan 12, 2019 6:38 PM
173.73.28.168

ቢቢሲ - ቅሓር ሓቂ!

ቢቢሲ (ብስብስ) መጣቖሲት 'ያ ቅሓር ሓቂ
ልሳን ዓመጽ ናይ ኩሎም ዓመጽቲ
ጸረ-ሰላም ናይ ጥፍኣት ናይ ባእሲ
ካብ ሎንዶን ትቃልሕ ካብ ናይሮቢ

ጒሒላ 'ያ ናይ ሓቅነት ለምጺ
ጸረ-ሰላም ዘይትፈርሕ ረቢ
ሓብሓቢት ጠበቓ ምንዕዓብ ጎንጺ

ንረብሓ ንምኽሰብ መጣቖሲት
ብስዉር ብግህዶ ኣባኣሲት
ሓባሪት መሲላ ነውራም መላኺዒት

‘ቲ ኹሉ 'ትብሎ ብቲቪ ብረድዮ
ቡቡዙሕ ቋንቋታት ትነግሮ ተውርዮ
ይቐፈካ ክትሰምዖ ክትርእዮ
ናይ ወየንቲ መጋበርያ ወሃዮ 
Yonatan Solomon Russom
Jan 11, 2019 10:51 PM
205.141.67.16

This is our time to show who we really are, Eritrean.!

Dear Eritrean

This is our time to show who we really are, Eritrean.!

Asmara has many Art Deco buildings. This building were not build by Eritrean Architects but by colonial power. No doubt, those are beautiful building but these building though were not driven from our way of imagination. We haven’t got a chance to come up with our own way of thinking because we didn’t get a chance to enjoy freedom until 1991. Even after 1991 another war started 1998 to take over Eritrea. I am not sure if the beauty of Asmara attract our neighbor to attempt occupy it. What make Eritrea is not the location but the history that went through during Egypt Cicilization or Ancient Greece civilization how Eritrea got it’s name from Erythraia “Ἐρυθραία, and its derived Latin form Erythræa. Eritrea means Red Sea and in Greek for "red", ἐρυθρός, erythros. Later the Ottoman conquered Eritrea in1557. Özdemir Pasha took the port city of Massawa and the adjacent city of Arqiqo, even taking Debarwa, then capital of the local ruler Bahr Negus Yeshaq.

Later Haile Selassie tried to annexed Eritrea after the World War II, This triggering a Thirty-year armed struggle to free Eritrea. Even Meles Zenawi attempted to take over Eritrea. The question is why are all trying take control of our ports what’s isn’t there ? Eritrea's coastal location has long been important in its history. Eritrea has been influeced by all this colonists. Eritea has nine languages, in addition we speak Amharic, Italian, English, Arabic. Most of us we speak four or more languages. I personaly speak, Tigrinya, Amharic, German and English. The president of Eritrea Isaias Afeworki speak beside Amharic, Arabic and English, he speaks 3 or more of the Eritrean languages.

Due to influence of the colonialist, Eritrea’s Architects are very unique different part of Eritrea. If you travel to Eritrea in different city, you will see different architects like in Massawa, Asmara, Keren, and villages. My worry is that we have not explore it our own culture yet. If you ask me how our architect should be like the design where all our Geez alphabets and number where derived from where you see the design of our tradition clothes. We can make much more beautiful architects.


This is our time to show who we really are, Eritrean.!   
see link below: Youtube:
https://youtu.be/xKAz2zoYufY
Yonatan Solomon Russom
Jan 11, 2019 5:25 PM
205.141.67.16

ዓወት ንሓፋሽ

ኢሰያስ እንታይ እደሊ ዓወት: አርትራ እከ ሓፋሽ (ዓወት ንሓፋሽ)
ብዘበን ኢሰያስ ኡሙን ኩን ወይ ዉፉይ 
ኢሰያስ ከለና ግዜ ኣይንጸበ : ኑሱ ጊዜና እዩ:: 
ካብ ምሰብ ምብኣስ ንሃገርካ ምፍቅር 
ካብ ኣብ ስደት ምብላይ 2% ሃገረካ ምክፋል
ስእለ
Jan 8, 2019 7:15 PM
148.184.174.61
ትዕዝቢቲ ተዓዛቢ

ኣገዳሲ ኣርእስቲ ኣልዒሉ - ኩሉ ዝሓብረሉ
ሃዲኡ ተዛሪቡ - ተንቲኑ ነግሩ
ስማዕቲ ኣዕጊቡ - ኣጣቒዖሙሉ

ግና እንታይ'ሞ፣
ኣብ መወዳእታ'ዶ ጸይቕሉ
ኣብ ክንዲ ይቐንየለይ/የመስግን "ታንክዩ" ኢሉ ደምዲሙ
ስማዕቲ ኣደናጊሩ - ብዙሓት ኣቕሒሩ

"ገብረ" ብቋንቋ ኣዲኡ ክዛረብ ጸኒሑ
ክደርፍ ከሞግስ ዓው ኢሉ ተጠሊዑ
ስለምንታይ "ታንክዩ" ኢሉ ሰማዕቱ ረሲዑ፧

የቐንየለይ/የመስግን ምባል ኣበይ 'ዩ ኣበሩ
ወይስ "ታንክዩ" 'ዩ ጨው ኮይኑ ዝያዳ መቂሩ፧

ዝገርም 'ዩ!
ካብ ቈልዓ የብሉ ዓበይቲ
ሙሁራት ኢና በሃልቲ
ምሕንፋጽ ቋንቋኻ መሲልዎም ዲንቂ
ኣብ ሬድዮ ተለቪዥን ኣብ ኩሉ ኣርእስቲ
ቋንቆኦም የቚስሉ የሕርቑ ስማዕቲ

ነስተውዕል!
ቋንቋ - መንነት 'ዩ
ህዝቢ ዝኾርዓሉ
ወግዑ ዝነግረሉ
መለለዪ ክብሩ

ኣይንሓናፍጽ!
ስእለ
Jan 6, 2019 7:42 AM
173.73.28.168
እዝኒ ኣይትሃብዮም

ሃገረይ ሽኮረይ - መዓርገይ ክብረይ
ኵርዓተይ ሓበነይ - ተኽሊ መንነተይ
ዓምብቢ ሰጉሚ - ጽሓይ ምሰልለይ

ነቲ ተዛራቢ - ዝዓርቦ ከውሪ
ዕንቅፋት መኸተ - ሓንቲ ዘየፍሪ
ወረጃ ናይ ማዕዶ - ኣይትሃቢ ቀልቢ

ዜጋኺ ጠርኒፍኪ - ኣድልዎ ወጊድኪ
ብሓድነት ስምረት - ንዓኺ መሲልኪ
ብእምነትኪ ኪዲ - ከም ዝማእማኣኪ
በቲ ነጻ መስመር - ከም ትማል ቀደምኪ

እቶም ዝልፍልፉ - ብጸጋም ብየማን
ካብ ሩሑቕ ቀረባ - ዝስንድዉ ኣእማን
ኣይፋልን በልዮም - ትዃን’ዮም ኣትማን

እዝኒ ኣይትሃብዮም - ነቶም ዝህውትቱ
ስዉር መጋብሮም - ንጥፍኣት ዝጽዕቱ
መንገድኺ’ዩ ቅኑዕ - ናብ ዓዲ ዘአቱ
ሕሉፍ ተመክሮኺ - ይነግር የዘንቱ
ኣምባቢ
Jan 6, 2019 3:35 AM
172.58.43.125

2019

ህግደፍ ኣግድፍ
ንምሕደራ ጽሕፍ
ኣቢልዎ ግድፍ
መታን ህዝቢ ክጸድፍ

ህግደፍ ዓዊኑ
ፈታዊ ስኢኑ
ንህዝቡ ኣዋሲኑ
ብፍቅሪ ኣቢ ረሲኑ

ህግደፍ ተቃቲሉ
ኣብዙሕ ተመቃቂሉ
ሎምስ ተጸሊሉ
ዮሃና ካይብል ምሒሉ

ህግደፍ ፋሕ ኢላቶ
ምሕደራ ኣብያቶ
ኣይከኣላን ከቶ
ኩርካሕ ነዊሓቶ

ደጊም ትሩፍ
ህግደፍ ጉኑፍ
ግደፍዎ ይጽደፍ
ኣብልዎ ጉሕፍ
Mekonnen Russom
Jan 4, 2019 2:44 AM
193.235.16.17

ርሑስ ሓድሽ ዓመት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ


ንምውሓስ እዛ ሃገር ኩሉ እዩ መኪቱ
ውጽኢት ጻዕርኹም እኖሆ ሰዊቱ
እንዳና ረጊኡ ፍርያት በርኪቱ
ካብ ሕማቕ ናብ ሰላም ካብ ተሰጋገርና
ካብ ተቓላቐለ ኣድማሳዊ ባና
ኩሉ ዝሓለፈ ንታሪኽ ገዲፍና
ፍቕርና ይዓምብብ ነዕብዮ ሕልና
ዓመተ ሰላም ዓመተ ጥዕና
ዓመተ ዕብየት ዓመተ ፍልስፍና
ንኣብ ደገን ኣብውሽን ንኹሉ ህዝብና
ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና
Wedi Russom
ስእለ
Jan 3, 2019 7:49 PM
148.184.174.62

ወያነ

እዚ ግናይ ጊንጢ 
ውልድ ክብል ጸይቂ
ጸጋዕተኛ ሓቢ
ዘይውርዚ ዘይዓቢ

ገለ ግበርዎ
'ቲ ፍርዱ ሃብዎ
ከባቢ ክርህዎ

ዝገብሮ ዘይፈልጥ
ኣርሒቑ ዘይጥምት
ናይ ኣእምሮ ዕሙት

እሾኽ'ዩ ኳዂቶ
ንፋስ ዘራጊቶ
ብቕዓት ዝሓርበቶ

ብዓቕሊ ብኽእለት
ብትብዓት ብብስለት
ንፈግዎ ሂወት

ይኣኽሎ ወስለትለት
ምድንጋር ዕብየት
ምሕማስ ጐረቤት
ስእለ
Dec 24, 2018 8:10 PM
173.73.28.168
መኒኻ
ተናዘዝ ባዕልኻ
ኤርትራዊ ዲኻ
ሕሙም ኣእምሮኻ
ወይስ
ዑሱብ ‘ተላእኽካ
መኣዝን ዘጥፋእካ
ጽልኢ ‘ተሓንገጥካ…
ጅግናይ ዝደፈርካ፧

እወ
መኒኻ
ነቲ ጅግና ናተይ
ሓበነይ ኵርዓተይ
ናይ ሃገረይ ህዝበይ
ዝደፈርካ ኣብ ቅድመይ፧

ስለምንታይ
አረ ስለምንታይ
እዚ ስራሕ ተጻይ
ንሃብሮማት ምጕጣይ፧

ሕነ ድዩ ፖለቲካ
ጥቕሚ ጎዲልካ
ገንዘብ ተኸፊልካ
ሃብሮም ዝደፈርካ፧

ስብሓት እኮ’ዩ
እቲ ሓበን ህዝቡ
እምባ ንሃገሩ
ደንደን ምስክሩ

ምስ ብጾቱ ኮይኑ
በረኻ ወፊሩ
ሕሰም ተጻዊሩ
ዘውሓሰ ሃገሩ
ነታ ሓዳስ ኤሩ

ብብልሒ ክእለቱ
ተወፋይነቱ
ዝረትዕ ጸላእቱ

ወረርቲ ሕተቱ
ኩሎም መጋድልቱ
‘ቲ ትብዓት ሓመቱ
መትከሉ ጽንዓቱ

ጅግና’ዩ ስብሓት
ኣብነት ናይ ጽንዓት
ሃገራዊ ኩርዓት
ጀነራል ብብቕዓት

እዋይይይ!
ሰነፍ ክደፍረካ
ኢዱ ከምብረልካ
ኑዑቕ ክንዕቐካ
ክውርዚ ብኣኻ
የፍልሖ ‘ቲ ደምካ
የቕሕሮ ልብኻ
Yonatan Solomon Russom
Dec 20, 2018 8:05 PM
205.141.67.16

International Relations

Dear Dehai members

President Isaias Afwerki is busy managing international relations dealing with leaders in a sensitive and effective way. 2019 will be diplomacy of conducting negotiations between East Africa and other states leaders. This diplomacy will further strength relations through the intercession of leader with regard to a full range of topical issues. East Africa will play on regional peace and political stability of the area. Finally, our region will benefit peace and economical growth. Thank you to our leaders.

Thank you
Yonatan Solomon Russom

Re: ስእለ
Dec 19, 2018 3:37 PM
205.141.67.16

Re: ስእለ

Disrespectful behavior can range from blatant rudeness to just not acting impressed or awed by something others hold sacred by disrespectful attitude.

To disrespect educated person is to act in an insulting way toward them. Actually, it's about showing the opposite of respect, by acting rude, impolite, and offensive.

Behavior that is rude, unpleasant, inappropriate, and unprofessional. How uneducated person uses method of disrespectuf words to try intimate educated person. They don’t know that they ignorant.

ስእለ
Dec 19, 2018 12:37 PM
148.184.174.62

የድሕነና ካብ "ሙሁር ደንቆሮ"

ኣእውዩሉ ሞይቱ'ዩ ንገሩሉ
ብኸይሉ ኣውሎ'ውን በሉሉ
ካብ ዝዓርፍ ዓመታት'ዩ ገሩ

ዓይኑ ይርኢ ይልፍልፍ ልሳኑ
ይንቀሳቐስ ምስ ኣባይ ወጊኑ
ይወራዘ ሩሑቕ ማዕዶ ኮይኑ
ካብ መኸተ ስራሕ ሪሒቑ ሃዲሙ

ሙሁር'የ ይብል ዲግሪ ዝጸዓንኩ
ፈላጥ'የ ይብል መጽሓፍቲ ዘሕተምኩ
ቊሊሕ እንተበልካስ ዝህውትት ንዉልቁ
ብውሽጡ ዝቑዝም ጃኖሆይ ናፊቑ

እወ
የድሕነና ካብ "ሙሁር ደንቆሮ"
ዝዓወነ ጸሓይ ቀትሪ ከሎ
ከም ተባዕታይ ደርሆ - 
መሬት ብሳልኡ ትወግሕ ዘላ ዝመስሎ
Yonatan Solomon Russom
Dec 17, 2018 10:28 PM
205.141.67.16

How About Us? 'Eritrean'

My mother taught me that we all have the power to achieve our dreams.

The European are coming to invest in Eritrea. The Arabs will come to invest. The African (Ethiopian) will come to invest. Are Eritrean going to be given a chance to invest in our own country? After all we defended Eritrea all our lives. We support our people and our government all the time during good and bad times. We deserve more than anyone. Partnership should not be only with foreigners rather with the people who know one slogan "Awet Nihafash" We need to amend our Charter about partnership.

ስእለ
Dec 14, 2018 6:48 PM
148.184.174.62
ዓብዩ ዘይዓቢ
ብጉጂለ ውልቂ
ናይ ከባቢ ጸይቂ

እንታይ 'ዩ ጸገሙ
ከይርኢ ዓዊሩ
ከይሓስብ ጸሚሙ?

ሕማም ድዩ ዕብዳን
ድንቁርና ሽሕጣን
ካብ ሑሉፍ ዘይምሃር?

ግዜ ዘይቅይሮ
ትዕቢት ዝወጠሮ
ጽጉም ናይ ኣእምሮ

ወያነ ጉልሕንጣ
ስልጣን ተመንጢልካ
ህዝቢ ኣጓኒዩካ
ኣብ መቐለ ኣዒምካ
ካብ ሕጊ ሃዲምካ
ክሳብ መዓስ ጸወታ?

ይኣክል ቀጠፍጠፍ
ዘየድሊ ወልደፍደፍ
ምስ ሓቂ ተሰለፍ
ኢድካ ሂብካ ዕረፍ
ስእለ
Dec 11, 2018 5:34 PM
148.184.174.62

ዘይኮነ ኣይተውሪ

ኣታ ዝስማዕ ተዛረቡ
ኣብ ጭብጢ ኣድህቡ
ታሪኽ ተወከሱ
ሕሰሙ ፈትሹ
ከመይ ተጣሒሱ 

'ቲ ትማሊ
ጸልማት ከሎ ወጥሪ
ኣብቲ ዘመን ገድሊ
ሻዱሻይ ወራር ስዓሪ
መትከሉ ኣኽባሪ
ዘይተወላወሊ

እወ
መሬት ዕንቊ ከላ
ብኹሉ ከበባ
ዝሰገረ ሽላ

ህዝቢ መንግስቲ
ፍቱን ብሓዊ
ከም ናይ ብሻ ወርቂ

እሙን'ዩ እሙን
ወረርቲ ዘድንን
ዘይርበሽ ሓኪም
ኤርትራ ዝብል
ዶባቱ ዘኽብር
ዘይዋገ ሕቡን

ከዳዕ ክማጣላዕ
ከዘውትር ቀልባዕባዕ
እንተ ሓኪም ግን
ዘይብል ጸፋዕፋዕ

ንደርጊ ሲዒሩ
ወያነ ደጊሙ
ኣብ በሪኽ ኮፍ ኢሉ

ኣየድልን ምውርዛይ
መሕብኢ ምንዳይ
ስም ሃብሮም ምግዕዛይ

ነውሪ'ዩ ነውሪ
ዘይኮነ ኣይተውሪ
ዘየብሉ እግሪ
መድነኒ መሕፈሪ
ስእለ
Dec 9, 2018 4:20 PM
173.73.28.168
ንተመን ርእሱ ንሌባ ኢዱ
 
ኣቲ ተመን ጭርኡ 'ተቖርጸ
ተሃሪሙ ሕቚኡ ዘይሞተ
ብተንኮበት ገና ዘይተገንዘ
ኣብ ምስሓግ ዘሎ ዝሰምበደ
ድገምዎ ርእሱ ክሓልፍ ክድበ

ነባሪ ክቐስን ክዕልል ብሞቱ
ረይስኡ ኣርእይዎ ኣብ ጉድጓድ ክኣቱ  
ሓመድ ከፍስሰሉ ከውሕሶ ዕግበቱ 

እወ

የጥፋኣዮ ገጹ እዚ መርዛም ተመን
ነውራም ኣሸባሪ ብማንም ዘይእመን
 መይቱ ዘይተቐብረ ብገበን ዝህደን

ERi-TV, Eritrea - ጸብጻብ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዋዕላ ደቡብ ኮርያ አፍሪቃ | Reportage on President Isaias Afwerki's visit to South Korea for the South Korea-Africa Summit, held from June 3-4

Dehai Events