Dehai Message Board (DMB)

Yonatan Solomon Russom
Dec 20, 2018 8:05 PM
205.141.67.16

International Relations

Dear Dehai members

President Isaias Afwerki is busy managing international relations dealing with leaders in a sensitive and effective way. 2019 will be diplomacy of conducting negotiations between East Africa and other states leaders. This diplomacy will further strength relations through the intercession of leader with regard to a full range of topical issues. East Africa will play on regional peace and political stability of the area. Finally, our region will benefit peace and economical growth. Thank you to our leaders.

Thank you
Yonatan Solomon Russom

Re: ስእለ
Dec 19, 2018 3:37 PM
205.141.67.16

Re: ስእለ

Disrespectful behavior can range from blatant rudeness to just not acting impressed or awed by something others hold sacred by disrespectful attitude.

To disrespect educated person is to act in an insulting way toward them. Actually, it's about showing the opposite of respect, by acting rude, impolite, and offensive.

Behavior that is rude, unpleasant, inappropriate, and unprofessional. How uneducated person uses method of disrespectuf words to try intimate educated person. They don’t know that they ignorant.

ስእለ
Dec 19, 2018 12:37 PM
148.184.174.62

የድሕነና ካብ "ሙሁር ደንቆሮ"

ኣእውዩሉ ሞይቱ'ዩ ንገሩሉ
ብኸይሉ ኣውሎ'ውን በሉሉ
ካብ ዝዓርፍ ዓመታት'ዩ ገሩ

ዓይኑ ይርኢ ይልፍልፍ ልሳኑ
ይንቀሳቐስ ምስ ኣባይ ወጊኑ
ይወራዘ ሩሑቕ ማዕዶ ኮይኑ
ካብ መኸተ ስራሕ ሪሒቑ ሃዲሙ

ሙሁር'የ ይብል ዲግሪ ዝጸዓንኩ
ፈላጥ'የ ይብል መጽሓፍቲ ዘሕተምኩ
ቊሊሕ እንተበልካስ ዝህውትት ንዉልቁ
ብውሽጡ ዝቑዝም ጃኖሆይ ናፊቑ

እወ
የድሕነና ካብ "ሙሁር ደንቆሮ"
ዝዓወነ ጸሓይ ቀትሪ ከሎ
ከም ተባዕታይ ደርሆ - 
መሬት ብሳልኡ ትወግሕ ዘላ ዝመስሎ
Yonatan Solomon Russom
Dec 17, 2018 10:28 PM
205.141.67.16

How About Us? 'Eritrean'

My mother taught me that we all have the power to achieve our dreams.

The European are coming to invest in Eritrea. The Arabs will come to invest. The African (Ethiopian) will come to invest. Are Eritrean going to be given a chance to invest in our own country? After all we defended Eritrea all our lives. We support our people and our government all the time during good and bad times. We deserve more than anyone. Partnership should not be only with foreigners rather with the people who know one slogan "Awet Nihafash" We need to amend our Charter about partnership.

ስእለ
Dec 14, 2018 6:48 PM
148.184.174.62
ዓብዩ ዘይዓቢ
ብጉጂለ ውልቂ
ናይ ከባቢ ጸይቂ

እንታይ 'ዩ ጸገሙ
ከይርኢ ዓዊሩ
ከይሓስብ ጸሚሙ?

ሕማም ድዩ ዕብዳን
ድንቁርና ሽሕጣን
ካብ ሑሉፍ ዘይምሃር?

ግዜ ዘይቅይሮ
ትዕቢት ዝወጠሮ
ጽጉም ናይ ኣእምሮ

ወያነ ጉልሕንጣ
ስልጣን ተመንጢልካ
ህዝቢ ኣጓኒዩካ
ኣብ መቐለ ኣዒምካ
ካብ ሕጊ ሃዲምካ
ክሳብ መዓስ ጸወታ?

ይኣክል ቀጠፍጠፍ
ዘየድሊ ወልደፍደፍ
ምስ ሓቂ ተሰለፍ
ኢድካ ሂብካ ዕረፍ
ስእለ
Dec 11, 2018 5:34 PM
148.184.174.62

ዘይኮነ ኣይተውሪ

ኣታ ዝስማዕ ተዛረቡ
ኣብ ጭብጢ ኣድህቡ
ታሪኽ ተወከሱ
ሕሰሙ ፈትሹ
ከመይ ተጣሒሱ 

'ቲ ትማሊ
ጸልማት ከሎ ወጥሪ
ኣብቲ ዘመን ገድሊ
ሻዱሻይ ወራር ስዓሪ
መትከሉ ኣኽባሪ
ዘይተወላወሊ

እወ
መሬት ዕንቊ ከላ
ብኹሉ ከበባ
ዝሰገረ ሽላ

ህዝቢ መንግስቲ
ፍቱን ብሓዊ
ከም ናይ ብሻ ወርቂ

እሙን'ዩ እሙን
ወረርቲ ዘድንን
ዘይርበሽ ሓኪም
ኤርትራ ዝብል
ዶባቱ ዘኽብር
ዘይዋገ ሕቡን

ከዳዕ ክማጣላዕ
ከዘውትር ቀልባዕባዕ
እንተ ሓኪም ግን
ዘይብል ጸፋዕፋዕ

ንደርጊ ሲዒሩ
ወያነ ደጊሙ
ኣብ በሪኽ ኮፍ ኢሉ

ኣየድልን ምውርዛይ
መሕብኢ ምንዳይ
ስም ሃብሮም ምግዕዛይ

ነውሪ'ዩ ነውሪ
ዘይኮነ ኣይተውሪ
ዘየብሉ እግሪ
መድነኒ መሕፈሪ
ስእለ
Dec 9, 2018 4:20 PM
173.73.28.168
ንተመን ርእሱ ንሌባ ኢዱ
 
ኣቲ ተመን ጭርኡ 'ተቖርጸ
ተሃሪሙ ሕቚኡ ዘይሞተ
ብተንኮበት ገና ዘይተገንዘ
ኣብ ምስሓግ ዘሎ ዝሰምበደ
ድገምዎ ርእሱ ክሓልፍ ክድበ

ነባሪ ክቐስን ክዕልል ብሞቱ
ረይስኡ ኣርእይዎ ኣብ ጉድጓድ ክኣቱ  
ሓመድ ከፍስሰሉ ከውሕሶ ዕግበቱ 

እወ

የጥፋኣዮ ገጹ እዚ መርዛም ተመን
ነውራም ኣሸባሪ ብማንም ዘይእመን
 መይቱ ዘይተቐብረ ብገበን ዝህደን
ስእለ
Dec 7, 2018 2:32 AM
173.73.28.168
እሾኽ መርገም ሱሩ ካብ ተነቕለ
ኳዂቶ ተኾርባ ነበረ ካብ ኮነ
እግሪ ይሰጉም ይርገጽ ከይሰፈለ
ይጕየ ስራሕ ምኽኒት ከይፈጠረ

ዓይኒ ይርአ የማዕዱ ኣርሒቑ
ጉንዲ፣ መንገፍ ተኣልዩ'ዩ ኣልጊሱ
ጸገም ትማል ዘቕበጸ ሓንጊዱ

ነማዓሪ ኩነት ኣእምሮና
ንቓንዮ ሕልና ውሽጥና
ንምዕባለ ክንስጕም ሓቢርና
ዝተኸስረ ግዜ ይኣኽለና
ብጓል ነገር ኣይንስሓት መስመርና
ስእለ
Dec 6, 2018 3:39 PM
148.184.174.61
እቲ እሾኽ ሱሩ ካብ ተነቕሰ
ኳዂቶ ተኾርባ ካብ ኣልገሰ
እግሪ ይሰጉም ይርገጽ ከይሓንከሰ
ይጉየ ስራሕ ክለምዕ 'ት ለሰ

ዓይኒ ይርአ የማዕዱ ኣርሒቑ
ጉንዲ፣ መንገፍ ተኣልዩ'ዩ ኣልጊሱ
ጸገም ትማል ዘቕበጸ ሓንጊዱ

ነማዓሪ ኩነት ኣእምሮና
ንቓንዮ ውሽጢ ሕልናና
ንምዕባለ ክንስጉም ሓቢርና
ዝተኸስረ ግዜ እንዳዘከርና
ንጓል ነገር ቁምነገር ከይሃብና
ስእለ
Dec 4, 2018 11:55 PM
173.73.28.168

ቃንኡ ቀይሩ

ትዕቢተኛ ሰይጣን
ዘየሕፍሮ ምንቋር
ፈታው ምብትታን
ብተንኮላት ሃብታም
ከምዛ ዘይበደለ
ኣጆኹም ዘይበለ
ንጥፍኣት ጕጅለ
ገሹና እንሀለ
ግይጽ እንዳበለ
ይቕሬታ ከይበለ

ምስ ፈሸሎ ኩሉ
ምስ’ቶም ጓሓላሉ
ቃንኡ ቀይሩ

ከዳህልል ድዩ ኣሚኑ
ካብ ጌጋ ተማሂሩ
ግዜ ክነግር ‘ዩ

ጥራሕ ነቕልቡሉ
ከይንህመለሉ
ነውራም’ዩ ግብሩ

እዚ ፖለቲካ
ጸወታ ገበጣ
ግይጽ ምይጽ ሓቂ እንዳኣቝለስካ
ኢድ ምጭባጥ ከምዛ ዘይኣበስካ
ስእለ
Dec 4, 2018 8:15 PM
148.184.174.62
ድሕሪ ዒሕታ - ቈልዓ
ድሕረ ሕጸ - መርዓ
ድሕሪ መኸተ - ዓወት
ሻዕብያዊ ሕላገት
ዘለዎ መሰረት!!
ስእለ
Dec 1, 2018 4:31 PM
173.73.28.168

እንኳ ኣሐጐሰና!


ደቂ ኤረይ - ደቂ ሃገርና
ከበሳ ቆላ - ደገ ዘለና
ጸልማት ወጊሑ - ንበል ዮሃና!

ሰላም ሰፊኑ - ኣብ ኤርትራ
ጸሓይ በሪቓ - ወርሒ ሓዚላ
ቀትርን ለይትን - ሓደ ኮይኑልና
ኣባይ ሪዒሙ - ኢዱ ሂቡና
ማዕቀብ ኣልዒሉ ‘ቲ ረማሲና
ሳላ መኸተ - መስዋእቲ ጅግና

ሃገርና ንህነጽ - ስዓት ወሲኽና
ጸገም ከብቅዕ ኣብ ኤርትራ
ራህዋ ክኸውን - ወግዒ ዕላልና

ስእለ
Dec 1, 2018 2:31 AM
173.73.28.168
ደቂ ኤረይ - ደቂ ሃገርና
ከበሳ ቆላ - ደገ ዘለና
ጸልማት ወጊሑ - እንኳዕ ኣሐጐሰና!

ሰላም ሰፊኑ - ኣብ ኤርትራ
ጸሓይ በሪቓ - ወርሒ ሓዚላ
ቀትርን ለይትን - ሓደ ኮይኑልና
ኣባይ ሪዒሙ - ኢዱ ሂቡና
ሳላ መኸተ - መስዋእቲ ጅግና

ሃገርና ንህነጽ - ስዓት ወሲኽና
ጸገም ከብቅዕ ተጻባኢና
ራህዋ ክኸውን - ወግዒ ዕላልና
ስእለ
Nov 30, 2018 2:16 AM
173.73.28.168
ጽውጽዋይ ተመንን ሰብን
ሰማዒ ዘገርም ዘስደምም
ወያንያዊ ጠባይ ክሓዲ ዘይእሩም

ሰብ ብገርሁ
ደንጊጹ ራህሪሁ
እዝግኣብሄር ፈሪሁ
ንተመን ኣስጊርዎ ውሕጅ - ሰቒሉ ኣብ ርእሱ

ድሕሪ ዉሕጅ ምስጋር
ኣብ ክንዲ ምምስጋን
ተመን ጀመረ ምዕግርጋር
ኣይወርድን'የ ብምባል

ድሕሪ ክትዕ ዕግርግር
ናብ ዳኛ ኣምርሑ - ነገሮም ክኽትም

ጉዳም!

ሙጉት ክሕደትን ዓመጽን
ግርህናን በለጽን
ተንኮለኛ ቓሉ ከዐብር
ገባር ጽቡቕ ክነብዕ ከንጸርጽር
ምዕዛብ ክኸፍእ ክሓስም

ብዝኾነ
ዳኛ ስርዓት ኣትሓዘ ሰብ ነገር
ማዕረ ደው ክብሉ - 'ቲ ስርዓት ክኽበር

ተመን ተነግሮ ካብ ርእሲ ክወርድ
ጠባይ ገሩ ክጫበጥ ክሙጕት 
ኣብ ቅድሚ ዳኛ ፈጺሙ ከይሕንግድ

ነገሮም ኣፍሲሶም
ኣግብእ እዋሓስ ኢሎም
ዳኛ ብኣንክሮ ምስ ሰመዖም
ፍርዲ ተዋህበ ንኽሊቲኦም

ሰብ ስማዕ ኢሉ ዳኛ ጀመረ፣
"በትሪ ኣብ ኢድካ
ተመን ኣብ እግርኻ
እንታይ ኢለ'ሞ ክፈርደልካ"
ኢሉ ክድምድምን
ኣብ ቋሕ ሰም - ተመን ክቕንጸልን
ሓደ ‘ኸውን

ዘረባ ዳኛ ቆብ ዘበለ ገባር ጽቡቕ
በትሩ ገሩ ብቕጽበት ኣብ ደቒቕ
ርእሱ ቀጥቀጦ ተመን ከምዘይትስእ
በደሉ ተንኮሉ ሓንሳብ ንሓዋሩ ከብቅዕ
Tsehay simret
Nov 30, 2018 1:14 AM
79.66.51.198
ሰላምታ
ስእለ
Nov 27, 2018 3:28 PM
148.184.174.61
ኤርትራ፡
ሃገር ጽንዓት ሃገር እንኪሒራ
ሃገር ስራሕ ካብ ኢዳ ድራራ
ሃገር ጸሎት ገዳም ምስክራ
ሃገር እምነት መስጊድ ዝነግረላ
ሃገር ተስፋ ኣብ ሓድነት ሓይላ
ሃገር ባሕሪ ጸጋ ዝኸበባ
ሃገር ፍቕሪ ሰላም ዝዓሰላ
ሃገር ስምረት ኣብ ሓጐስ ጸበባ
ዘይተጓኒ ንሩሑቕ ቀረባ
ፈታው ስኒት ንኹሉ መርሓባ
ዝበደሀት ዓማጺ ወረራ
ዘይትስምብድ ብፈኸራ ጃህራ
ኣደ ሓቂ ዘይትጠልም ሕድራ
ቃል 'ቲ ስዉእ ክኸይድ ዝበላ

መን ከማኺ ሃገረይ ኤርትራ
ንበሪ ድመቒ ብናይ መስመር ሓራ
ዓማጺት ዓለምና እስኺ መምህራ

ስእለ
Nov 20, 2018 4:55 PM
148.184.174.62
እቲ ኣሻሓት ዘብከየ
ህዝቢ ዘላደየ
ደሞም ዝሰተየ
ንብረት ዝራሰየ
ኤረይ ዝወረረ
ናይ ትግራይ ወያነ
ይበኪ እነሀለ
ሕጊ/ፍትሒ እንዳኣልዓለ
ከምዛ ዘይበደለ
ገበነኛ ጉጂለ

ትማሊ፣
ጸሓይ ከሎ ቀትሪ
'ቲ ህዝቢ ከአዊ
ዘይሰመዐት እዝኒ
ዝገርም 'ዩ ሕጂ
ዓብዪ ክሓሚ!

ነውራም ገበነኛ
ሓሳዊ ለኹመኛ
ውድቀትካስ እንኳዕ ድኣ ኣርኣየና!

ካብ መጠን ንላዕሊ፣
ሕጉሳት
ዑጉባት
ሕቡናት...ኢና

ስእለ
Nov 17, 2018 4:42 PM
173.73.28.168
ኣመስጉኑለይ ኣገናዕ በሉለይ
ነቲ ጅግና ሓወይ
‘ታ ኮርዒዳ ሓፍተይ
‘ቲ ወረጃ ህዝበይ
ምስ ዉሕሉል መንግስተይ
ሕልመይ ዘስመሩለይ
ዘሕፈሩ ጸላእተይ
ዝዓቀቡ ኤረይ
ክብሪ መንነተይ
 

ሰሚሮም ሓቢሮም
ኢድን ጓንትን ኮይኖም
ሕሰም ተጻዊሮም
ግዜኦም ወፍዮም
መስዋእቲ ከፊሎም
ዘውሕሱ ሃገሮም

ኣብ ሓቂ ረጊጾም
ኣስናኖም ነኺሶም
ዓሎቕ ከይረበሾም
ዝስዕሩ ጸላእቶም

እዛ ሓውላል ዓለም
ክትነብራ መስደመም
ንገሩዋ ኩሉ
‘ቲ ቕያ ጥበቡ
ኤርትራዊ ሓይሉ
ናይ መኸተ ዓቕሙ
ዝገብር ምዃኑ

 ህዝበይ
ተሓበን ተነየት
ጻማኻ ‘ዩ ዓወት
ኣንታ ክቡር ሓየት
ስእለ
Nov 17, 2018 3:36 PM
173.73.28.168
ኣመስጉኑለይ ኣገናዕ በሉለይ
ነቲ ጅግና ሓወይ
‘ታ ኮርዒዳ ሓፍተይ
‘ቲ ወረጃ ህዝበይ
ምስ ዉሕሉል መንግስተይ
ሕልመይ ዘስመሩለይ
ዘሕፈሩ ጸላእተይ
ዝዓቀቡ ኤረይ
ክብሪ መንነተይ

ሰሚሮም ሓቢሮም
ኢድን ጓንትን ኮይኖም
ሕሰም ተጻዊሮም
ግዜኦም ወፍዮም
መስዋእቲ ከፊሎም
ዘውሕሱ ሃገሮም

ኣብ ሓቂ ረጊጾም
ኣስናኖም ነኺሶም
ዓሎቕ ከይረበሾም
ዝስዕሩ ጸላእቶም

ህዝበይ
ተሓበን ተነየት
ጻማኻ ‘ዩ ዓወት
ኣንታ ክቡር ሓየት

ስእለ
Nov 16, 2018 12:26 PM
148.184.174.61

ኣብ ፌስታ ኣለኹ!

ኣባይ ተሳዒሩ
ማዕቀብ ተላዒሉ
ኣብ ታሪኽ ሰፊሩ
ሓጐስ ደስታ ኮይኑ

እወ
ህድኣት ሰላም ሰፊኑ
ሓፋሽ ተሓቢኑ
ጸላእቱ ኣርዒሙ
ኣብ ሓቂ ኣድኒኑ

ኣነ ብወገነይ
ካብ ውሽጢ ካብ ልበይ
ምስ ህዝበይ ኣዕሩኹተይ
ስድራይ ጎሬበተይ
ሳዕሲዐ ዓሊለ
ተቛጻጽየ ዘሊለ
እንኳዕ ኣሐጐሰና ኢለ

መዓስ ቀሊል ነሩ
‘ቲ መኸተ ትሩ
ኣንጻር ጓሓላሉ

ወሲዱ እንድዩ ሂወት
እታ ዝኸበረት
ናይ ቡዙሓት ሓየት

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events