ኣሕሕ! ስለምንታይ ኩሉ ይመዉት? እዝስ ኣይፍትሕን ፍርዲ ዕሙት! ዋላ፡ እቲ ለባም እቲ ጥይት እቲ መጽሓፍ እቲ ዳዊት እቲ ጎብለል እቲ ዕዉት እቲ ብርሃን እቲ ክርቢት እቲ ሞተር እቲ ዕፍሪት እቲ ፍቕሪ እቲ ስኒት እቲ መምህር እቲ ህርኩት እቲ ንህቢ መዓር ዝህብ... ይመውት? እዋእ! ዋላ፡ እቲ ደራሲ ዘመስከረ ፈታው ሃገር ተጋደለ ወርቂ ጥማዕ ጎይታ ስራሕ ፍልጠት ሩባ 'ቲ ዝቕዳሕ ወዲ ኤረይ፡ ኵርዓት ትማል፣ ሎሚ፣ ጽባሕ... ተኪአ በየነ ዘይራባሕ ይመዉት? Thank you for your service, and for the great books (ሶፍያ & ካብ ሪቕ-ሕፍንቲ) you gave us. R.I.P.
እቶም ዝዓጠሩ - ቆልመጽመጽ ዝበሉ ንፍትሒ ረጊጾም - ህዝቢ ዝበደሉ ብቑሩብ ቁራቦ - ክንልኣኹ ዝብሉ ንዂናት ዕግርግር ሰንዓ ዝወዓሉ ብዓሎቕ ብሸፈጥ - ንብረት ዝገበሩ ንድሕረት ድኽነት - ሃገር ዝሸመሙ... በሪሶም ጠፊኦም - ግዝይኦም ኣኽቲሙ ሰብ መትከል ሲዒሮም - ዓለም ተገሪሙ ዑፍ ሰላም ሰፈራ ኣብ ኣስመራ ኮይኑ ዘየቋርጽ ደወል ዓዲ ሃሎ ሃጽሚሙ ቪቫ ኤርትራ!
ፈቅል ዝዋዓልካ ናይ ትማል ተዘክሮካ ሓመድ ከይለበስካ ኣብቅድሚ ዓይንካ ንጋኖት ክዕደል ባሕርካ ደቂስካ ዋላስ ኣሳፊሕካ ንከንቱ ድዩ ዛርዩ ደምካ ነዚ ድዩ ሰንኪሉ ኣካልካ ብዝ ኣመንካዮ ተጠሊምካ ክልተ ሞት ተፈሪድካ ገለ ግበር ከይደንጎካ ኦሮማይ ከይከውን ዝክርካ
ሳላ ትዊተር ሳላ ፈይስቡክ ... ወረ በዚሑ ሓንጎል ዘናውጽ መእሰሪ-ኣልቦ የዋህ ዝርብጽ ካበይ ነቒሉ መን'ዩ ኢልዎ ሑሙም ድዩ ጥዑይ ኣቃሊሕዎ ምጽራይ የለን ኩሉ ይደግሞ እንተሓተትካ ብዓቕሊ ህድኣት እንተመርመርካ ትሕዝቶ ቃላት መደናገሪ ወረ ሕሱራት ሓሻሺ ግዜ ዘይብሉ ብቕዓት ስለዚ ተርባጽ ግደፉ ዓቕሊ ኣጥርዩ ሕቶ ሕተቱ ልቢ ኣዕብዩ ምስ ዝሃውተቱ ኣይትፋጽዩ
እርምያስ/ነብሲ፣ ብድሕሬኻ፡ ስምካ ተላዒሉ - ደሚቑ ከቢሩ ዓብዪ ዕሸሉ - እርምያስ ኢሉ ኩሉ ሰብ ሓዚኑ - ነቢዑ ቃዚኑ ሓቲቱ፣ ስለምንታይ ኢሉ? እቲ ዝዓበኻሉ - ልውሃት ዘርኣኻሉ ማእከሉ ወሰኑ - ጸሊም ዝነብረሉ ካብ ልቢ - ነቢዑሓዚኑ! እቲ ዝፈልጠካ - ዓርክኻ ሓውኻ ድኻ መሓዛኻ - ጐረቤት ገዛኻ ኤርትራዊ ሰብካ - ሎስ ኣንጀለስ ከተማኻ ዝሰመዐ ሞትካ - ሃንደበት ምኻድካ ... ሽምዓ ኣብሪሁልካ - ዘኪሩ ተግባርካ ጸሎት ኣዕሪጉልካ - ክምሕር ነብስኻ ኣብ ሙሉእ ኣመሪካ - ኤርትራ ሃገርካ Rest in Peace!!
እዛ ቀጠር ዝብልዋ እንታይ'ዩ ጸገማ ትምጠጥ ልዕሊ ዓቕማ ንመን 'ያ ኣሚና? ሓይላ ድዩ ቅልጽማ ትዕቢት ሰርኒቕዋ ወይስ ሃብቲ ኣዕሽይዋ ዝርብጻ ዘሎ ዘቕለውልዋ? ብዛዕባ ሃገር ኤርትራ - ባሕሪ ተሳጊራ ወጠምጠም ዘብላ - እንታይ'ዩ ሽግራ? "እዘን እንቃዓ መሸላ ዘይውድኣ ይመስላ" እዘን ፎሲል ዒላኺ - ትሕዝቶ ሃብትኺ ክውድኣ'የን ክነጽፋ - ተቐዲሐን ናብ ዕዳጋ ኣውዕልየን ኣብ ፍቕሪ ሸመታ - ኣየድልን ክትዕድጊ ቂምታ ተወከሲ ቅድሜኺ ዝፈተና ቀንጠብጠብ ዝበላ ኤርትራ ክብድላ እንታይ ከም ዝኾና? እንተ በሽር ጒሒላ ጐይታ ብልሽውና ወርትግ ኣብ ታኼላ ልኡኽ ናይተን ዝዓንተራ ብሃይማኖር ገንዘብ ዝምዉላ ቱርኪ ኦርዴጋን ኩሉ ግዜ ኣብ ዕብዳን ዝረኣዮ ሓይሊ ናይ ኦቶማን ዘይከኣሎ ኣውሮጳዊ ምኳን ዝባህረረ ብሓይሊ ኩርዲስታን ኣበይ ንምብጻሕ'ዩ ብኤርትራ ምምካር?
ሂወት ሓጻር ‘ያ - ክበሃል ሰሚዐ ብዓይነይ’ውን ሪአ - ሂወት ተመንዝዐ ‘ቲ በሊሕ ምስ ሞተ - ዓለም ዝለወጠ ‘ቲ ጅግና ምስ ከደ - ንኣባይ ዘርዓደ ህጻን ምስ ተገንዘ - ሓንቲ ዘይኣበሰ ምልዮናት ምስ ሞቱ - ዕድመ ዘይጸገቡ ኣሚነ - ሂወት ሓጻር’ያ ኢለ! ኢርምያስ (ነብሲ) ሓደ ካብ ኦም ምስ ኮነ ነብሲ እርምያስ ኣስጎዶም ይምሓር! ጽንዓት ንስድራ ቤትን ፈተውትን ይሃብ!
ኣጣቑዑላ እልል በሉላ ባቡር ሓላላት ትሕምበብ ኣላ ኣብ ሓዲድ ስራሕ ሰላም ዓቲራ ኩሉ ክትበጽሖ ናይ ትማል ሕልማ ጉዕዞ ምዕባለ ብመስመር ሓራ ነብሳ ክትክእል ክዓቢ እንጀራ
"ስራሕ ዝሰኣና ኣእዳው፣ ሰይጣን ስራሕ ይፈጥረለን" ተባሂሉ ብወልዲ ቀደም ዘስተውዓሉ ስእነት ስራሕ ጸገም ኣብ ከባቢና ሩሑቕ ገደቦ ኣብ ሾሻል ሚድያ ኩሉ ዝሃቦ ዓጀውጆው ይብሉ ይግዕሩ ካዕቦ ኣብ ክንዲ ምሕሳብ ህድእ ኢልካ ንሎሚ ጽባሕ ዕብየት ዝበካ የጋውሑ ጸገም ዘይብሉ ጣቋ
ዓሉሉላ ኣጣቑዑላ ባቡር ሓላላት ትውንጨፍ ኣላ ኣብ ሓዲድ ፍቕሪ ሰላም ዓቲራ ኩሉ ክትበጽሖ ናይ ትማል ሕልማ ጉዕዞ ምዕባለ ብመስመር ሓራ ነብሳ ክትክእል ክዓቢ እንጀራ
ማሕበር ፍቱሓት "ይኣክለኩም ይቅረ ሕተቱ" እንኻን ምስ ሃገርኹም ምስ ቃል ኪዳንኹም እንኻን ምስ ህዝብኹም ምስ ቤቴሰብኹም ሃገርም ኣክቡሩ ቃልኺዳንኹም አጽንዑ ህዝብኹም አፍቁሩ ስድራኹም ሕቀፉ ምስ ኩሉ ኣትባኣሱ ናብ ልብኹም ተመለሱ እንተ ሓመምኹም ንስድራኹም እንተ ሞትም ንህዝብኹም ይኣክለኩም ይቅረ ሕተቱ ናብ ልብኩም ተመለሱ ዕቡያት ኣይትኩኑ ቱሑታት እምበር Message from Minnesota ንማሕበር ፍቱሓት
Weyane and their messengers,
Yi'akhlekum'ba nisikhatkum! When are you going to stop taking as a stupid!
ክርህጽ'የ ክደክም ክጽዕር ከም ሃገር ከም ህዝቢ ክዕምብብ ክግርም ክብርኽ ክደምቕ ብነብሰይ ክሓድር ክቕጽል'የ ክዓቢ ክስጒም ኳዂቶ ኣልጊሰ 'ቲ እግሪ ዘሐምም ዕንቅፋት ምዕባለ ዝሰልጦ ከቚረምርም 'ቲ ራህዋ ክብጻሕ 'ታይ'ሎ ዘጸግም ሓፋሽ ተጎዝጒዝካ ንኹሉ ዝዓምም ምስ መትከል ሻዕብያ ኣብ ስራሕ ዝኣምን ወትሩ ኣብ ጻዕሪ ውሽጡ ከበራብር ምጽወታ ትኳቦ ካብ ልቢ ዝፍንፍን ብዓል ነዊሕ ራኢ ኤርትራ ዘቐድም ኣብ ጽንኩር ኣብ ራህዋ ብጽፈት ዝእምም ዓቕሊ እንጣጢዕ ሽሮ ኣብ ጎኑ ዘይዕደም ናይ ኣፍ ወሓላሉ ዘይሰምዕ ዝጽይን ብመትከል ዝጓዓዝ ሰላም ንኽሰፍን ንፍትሒ ማዕርነት መስዋእቲ ዝኸፍል ምስ ርሑቕ ጎደቦ ንሕበር ፍቕሪ ዝብል ሻዕብያ'ዩ ንሱ ሎሚ ይኹን ቅድም
መጽሓፍ "ግፍዒ" ኣምቢበያ ንኣፍልጦይ ኣዕብያ ንውሽጠይ ተንኪያ ንብዓት ዝኽሪ ኣዛርያ 'ቲ ግፍዒ 'ቲ ስቓይ 'ቲ ብኽያት ዋይዋይ 'ቲ ጭካነ ኣባይ ኣይሃበንን ሰናይ ብጥይት ብሳንጃ ብሓዊ ብቦምባ ስድራ ቤት ክሃልቃ ንስደት ክግዕዛ ዓድታት ክነዳ ተራእዩኒ 'ቲ ዝምታ 'ቲ ጸበባ ዋጭዋጭታ ኣሕሪቑኒ ናይ ዓለምና ስቕታ
ባቡር ሰላም... ኣብ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገር ሱዳን ኣብቲ ሶማልያ ኣብ ጂቡቲ ሃገረ ኬንያ ሰላም ሰፊኑ ናይ ሓባር ሕርያ ምስ ተገለፈ 'ቲ ዘርጊ ጭፍራ ሓሳድ ጒጂለ ፈጣር መከራ ዒፈል 'ዩ ነሩ ጒልሕንጣ ሰላም ጸቢብ ኣእምሮ መዝማዚ ትኳን ዘማቲ ሽፍታ ብቐትሪ ጸላም ብዝኾነ፡ ባቡር ሰላም ባቡር ኣስመራ ንሰላም ፍቕሪ ትፋጺ ኣላ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ጎዶቦና በሉ መርሓባ - ተቐበልዋ ብፍቕሪ ሓጐስ ኣእንግድዋ ረብሓ ህዝቢ 'ዩ ረብሓ ኩልና ካብ ጸገም ሽግር ዘናግፈና
ሓደ ነገር ተማሂረ ፈሊጠ ኣስተብሂለ ኣብዛ ዓለም ዕረ ዒፈል ሰብ ከም ዘሎ ሕልና ዝጎደሎ ኣብ ምጽያቕ ዝዓርቦ ሓውላል ጠምባር ዓይኑ ጉልሕንጣ ኣብ ኩሉ ዕብየት ዘጽልኣሉ ንሱ እንተዘይብሉ ሩሑቕ ወሰን ኮይኑ መንፈሱ ቀቲሉ ዘጸልም ሃገሩ ዑሱብ ጓሓላሉ ተልመዴን ፖለቲካ ናይ ሰላም ማሕለኻ ዘይልካዕ ገበንካ ደጊም ይኣኽለካ ኣብቂዑ'ዩ ግዜኻ ምስ ጭፍራ ጎይታኻ
ገለ ግበሩ! ዶላር ($) ርገሙለይ እወ የህ በሉለይ ባይታ ክዘብጠለይ ሓይሉ ክደኽመለይ ዲሂኽዎ ዓቕመይ ገለ 'ባ ግበሩ ቅልጽምኩም ኣሕብሩ ክምከት 'ቲ ሓይሉ ተጎደለ ክብሩ ሰብ ተዋሪዱ ዓለም ኣናዊጹ በደሉ ከቢዱ ቢኢሱ ገዲዱ ብሒም ዝበለ ክሳዱ ዘልዓለ መንገዲ ስርቂ ዘይተኸተለ ሃርጓም ፖሊሲ ዘየገልገለ ዶላር ይሕረም መታን ክእለ
Happy March 8th to all sisters and mothers of Eritreans! ተሞጎሲ ኣንቲ ጅግና ዓይኒ ዝወፈርኪ ሃገር ክትሕርሪ ዝመከትኪ ኣብ ውዕሎ ትማሊ ዝሓነንኪ ኣብቲ ቀውጢ ወጥሪ መን ከማኺ እልል 'ስከ በሊ ተዘካሪት ኲርዒ ተሓበኒ ዋልታ ኢኺ ጸላእቲ ተድንኒ ንሃገርኪ ኩሉ ትምንኒ መን ከማኺ ጀጋኑ ትፈሪ ኤረይ ኢሉ ኣብ ግጥም ስዓሪ እስኺ ዘይብሉስ ጸልማት 'ዩ ቁሪ እስኺ ኣደ እስኺ ሓፍቲ እስኺ ሓልዮት እስኺ ፍቕሪ እስኺ ተስፋ እስኺ ስንቂ እስኺ ጎብለል እስኺ ዕጥቂ ዘይትምለሲ ሃገር ምስ በልኪ ሰነድ መስካሪ 'ቲ በሰላኺ ትማሊ ብጠበንጃ ቦምባ ሎሚ ብባዴላ ኣፍራዛ ሃገራ ትሃንጽ ምስ ኣሕዋታ ደቃ ብጀካኽስ መን ኣሎ ኣብ ኣፍሪቃ? በሊ ሰስኒ ማዕብሊ ትምህርቲ ኣፍቅሪ ንኹሉ ክትገጥሚ ንሱ'ዩ 'ቲ ሓይሊ