ስምዕታ! ኣይትተንኩፉለይ ኤርትራ ሃገረይ ሕሉበይ ንጽፈይ! ንሳ'ያ፡ ኦክስጂን ትንፋሰይ ብርኪ መሓዉረይ ምናተይ ቅልጽመይ... መልሓሰይ ልሳነይ 'ታ ሕብሪ ኣዒንተይ መልከዐይ ድምቀተይ... ሞተረ ናይ ውሽጠይ ተስፋ መጻእየይ መዓርገይ ክብረይ ኲርዓት መንነተይ... ማህደር ናይ ታሪኸይ ትዛሪ ኣብ ልበይ ኣብ ድቃሰይ ሕልመይ ኣብ ጋህዲ ምስ ውነይ... ምስክር'ዩ፡ ኣካል መሓውረይ ዝነቖረ ዓይነይ ዝዘበለ ዓጽመይ ዝፈሰሰ ደመይ ዝተኸፍለ ዕድለይ... ንኤርትራ ሃገረይ ንዓኣ ንኽብረይ ዶባት ዘወር በሉ ኣብ ኩሉ ኩለሉ ርኣዩ ኣስተውዕሉ 'ቲ ድፋዕ መዝገቡ ንዓኣ ዝሕሉ ዓይኑ ቋሕ ኣቢሉ ድቃስ ተሓሪሙ ዋርሳይ ይከኣሎ ስሙ ዝፈቱ ሃገሩ ከምቶም ሂወት ዝኸፈሉ ዓወት ንሓፋሽ እንዳበሉ Happy Birthday Eritrea! Your birthday is my second birthday.
ልደት ኤርትራ እዩ ስለዝኾነ፣ ሰናይ ኣውድኣመንት - ንኹልና ዕግበት ሰናይ ቅነ ነጻነት - ንኹልና ክብረት ሓጐስ ዝመልኦ - ኩልና ንብህጎ ሎሚ ይኹን ጽባሕ - ብሰላም ዝምራሕ ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ - ተስፋ ስኒት ዘአንገደ ንኹሉ ዘሕብር - ፍቕርና ዘዐንተር ይኹነልና!
'ቲ ትማሊ ጸልማት ከሎ ወጥሪ ብመድፍዕ ብጥይት ክንነድድ ክንቆሪ ናብ ሩሑቕ ቀረባ ክንስደድ ብሃውሪ ክግረፍ ኣካልና ብኣስሓትያ ቊሪ ብልዕቲ ክቕጥቀጥ መታን ከይንፈሪ ኣብ ማእሰርቲ ንሕልፈት ክንበሊ ሓደ'ኳ ኣይነበረን ዝዘሪ ዝሓሊ ተዓዛባይ ነሩ ዋላ 'ቲ ፈጣሪ ንቓንዛና ብስሓቕ ደቢስና ብዕሩቑና ኲርምይ ኢልና ሞይቑና ብተመስገን ከብድና ኣዐሽና ጸገም የለን ምስ ጭርቃን ወሲኽና ሓቦን ተስፋን ሓቂ ተዓጢቕና ሕሰም ስቓይ ከም ንቡር ወሲድና ሓሊፍናዮ ገድሊ ነጻነት ኣምጺና ጨቢጥናያ ኤርትራ ሃገርና ዋጋ ክቡር መስዋእቲ ሕሰምና Happy 28th Independence Day Eritrea & ሓፋሽ!
ወይ ፖለቲካ ሕማም ርእሲ ዓኽታ ሓቅነት ዘይብልካ ሎምስ ፈሊጠካ ሽጣራ ጠባይካ ሕኸኸኒ ክሓከካ በል ምሕረት የውርደልካ ንፍትሒ ክትፈልጣ ክትሰርሕ ተቢዕካ እምበር ኣነስ ግርም ተዓዚበካ ሑሩም ኢለ ከይኣምነካ
ሓደ ነገር ኣስተብሂለ ውሽጢ ልበይ ዘቕሓረ እቲ ከዳዕ ስሱዕ ምነ ሩሑቕ ማዕዶ ዝሓከለ መንደልሓቒ ዝዓወነ ሰሚዐዮ ክዋራዘ ተበላጺ ዝወየነ ብቕርሕንቲ ዝኸሓነ ዑሱብ ወይጦ ተፈንፈነ ረኺበዮ ምስቲ ዕነ ከጋማድሕ ዘይተባህለ ታሪኽ ሓፋሽ እንዳኣቚሰለ ክዘናጥል ከይሓፈረ ከደናግር ዘይወዓለ ፍቱሕ ስረ ዘይተቐብረ ሽመት ስልጣን ተመንዩ ንዋይ ሃብቲ ክኸስበሉ ሃገር ህዝቢ ግዳይ ገሩ ካብ መኸተ ተሓቢኡ ምስ ጸላእቲ ተጸጊዑ ኣብ ምንቛት ዝነፈዐ ሰነፍ ዑሱብ ዘይነቐሐ ገጹ ትጥፋእ ዘይበልየሉ ሩቡጽ ሓንኳል መጋብሩ ካብ ሰነፋት ሸያጥ ክብሩ
With talks of global warming and climate change almost everywhere I go, greening Eritrea has been on my mind for a long time. I am glad to learn from on ERI TV that the efforts embarked upon since Independence have paid off. Good job compatriots! Let's make Eritrea green again! It is said that there was a time when 30% of Eritrea was covered by trees!
ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ኤርትራ ኣብ ሩሑቕ ስደት ኣብ ዓዲ ጓና ብፍቕሪ ሰላም ትነብር ጅግና ክብርኻ ይስፋሕ ዘዐወትካና ኣብነት ዜጋ ግርማ ዓለምና ኤረይ ክትከብር ከይደፍራ ጓና ቅድሚት ክትስጒም ብምዕብልና ትማሊ ሎሚ እስኻ ዓይና ኣብ ሽግር ራህዋ ኣለኹ ትብላ ጽናዕ ከም ትማል ኣብዛ ባንዴራ
ኣቤት ሃገር - ጅግና ህዝቢ! ዘይጽዓድ ኣብቲ ወጥሪ ዘይንደል ለባም ብህሪ መን ከማኻ ኣብዛ ምድሪ ዘይሓርር ሱር ሮማዲ ጎይታ ትብዓት ጽኑዕ ዕርዲ ንበር ክበር መምህር ሓቂ ሑጉስ ብዓል ልደት - ይኹነልኪ ዘንትእለት ኤርትራ!!
መናፍቃን ኩሉ ግዜ ሓሶት ብምድርዳር ሰይጣናዊ ስርሖም እዮም ዘካይዱ። ሓደ ካብቶም ሓደስቲ መናፍቃን ዶ. ተስፋ ገብረመድህን ዝተባህለ እዩ። እዚ ስድራቤቱን ናብርኡን ክመርሕ ዘይክእል ሰብ ሓንጎሉን ልቡን ብጽልኢ ስለዝዓወረ ንሓቂ ፈጺሙ ክርእያ ኣይከኣለን። ስልዝኾነ ድማ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 28 ዓመት ዋላሓንቲ ከምዘይሰርሑ፡ ሃገር ኣብ ኩሉ መዳያት ትሕቲ ነጻነት ኩነታት ስለ ዘላ ኣብ ናይ ምንቅስቃስ ከምዝተጸንበረ ይሕብር። እንተድኣ ሃገር ኣብ ከምዚ ኩነታት ነይራ ኣበይ ነይሩ ክሳብ ሕጂ ዘይተዛረበ። ዝሓለፈ 20 ዓመት ኤርትራ ከምዝነበረት ክዝክሮ እውን ኣይደለየን።ዘገድሶ ሓሶት ደርዲርካ ናይ ጽልኢ ዕላማ ምዕዋት እዩ።
ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ምስ ኩሉ ዓለምለኻዊ ተጻብኦን እገዳን ኩናትን ንመንእሰያትና ካብ ሃገሮም ንምርሓቅ ዝተገብረ ፈተነ፡ ልዑላውነታ ኣጽኒዓ ኣብ ትምህርትን ሕክምናን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ሕርሻን ርኡይ ምዕባለታት ኣካይዳ እያ። ኣብ ኤርትራ ኣብ መብዛሕትኡ ስድራቤት ናይ ቀዳማይ ድግሪ ዘብላ ስድራቤት የላን። ኣብ መላእ ኤርትራ ዋላ ኣብቲ ርሑቕ ገጠራትን ሰበኣኽስማዊ መነባብሮ ዘለዎም ትምህርትን ሕርሻን ሕክምናን ኤለትሪክን ጹሩይ ዝስተ ማይ ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዘይብሉ ቦታ ፈጺሙ የለን።
ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ሽድሽተ ሃገራት ናይ ሚለንዩም ፕሮግራም ዘዐወተት ሃገር ምኻና ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝረኸበት ሃገር እያ። ኩሉ ዞኣይነት ተመሓላላፊ ሕማማት ካብ ሃገራ ዘጥፈኣት ሃገር እያ።
ነዚ ኹሉ ኪሕድካ ዝነደርካሉን ዝተቃለስካሉን ብገለ ወገናት ተደፋፊእካን ከተሐጉሶም ኢልካ ንሃገር ምኽሓድ ኣብ ናይ ህውከትን ዕግርግርን ዝደልዩ ካሓድቲ ምስላፍ ናይ መናፍቃን ስራሕ እዩ።
ሓረስታይ ኩለሎ ግራትካ ካብ ጻህያይ ሓሰኻ ካብ ነፋሪ ኣምበጣ ኩብኩብታ ቃቒጣ ተጻይ ፍርያትካ ከይሰርቆ እቶትካ ሕረሶ ኣብሲልካ ምስ ድዂዒ ሓዊስካ ብግዜ ብሽዓ ክብርክት እቶትካ ፈላጥ'ውን ተወከስ ዝተማህረ ኣብ ማሕረስ ከመይ ከም ዝዂስኮስ ዝቕንጠብ ዝሕፈስ ፍልጠትካ ኣዕብዮ ዕዳጋ ምልኣዮ ኤርትራ ትደልዮ 'ቲ ቅጫ ክሓስር ፋብሪካ ክስስን ሃገርና ክትምዕብል እስኻ ትውስን
'ዚ ጠላም ወያነ ዘይሓፍር ትዕቢተኛ ናይ ኣእምሮ ጽጉም መኽዘን ክፋእ ብሓቂ ዝብህርር ዘይማሃር ኣብ ትማል ዝነብር መታለሊ ኣብ ሓሶት ዝዕትር ሕጊ ዘይፈልጥ ብሕጊ ይምድር ክልተ ልቡ ጸልማት ከም መቓብር ቅድሚ ይቕረ ሕውነት ዝዝምር 'ቲ ገበኑ ረሱዑለይ ይብል ኣብ መሬትና ኮፍ ኢሉ የሽካዕልል ጽውጽዋይ "ኣግኣዝያን" ይዝምር ዝዓወነ እንታይ ከምዝገብር ፍጮ ስርዓት መሕቢእኡ ክልል መሲልዎ ብሓሶት ዝነብር ብፈይስቡክ ዝዕወት ዝስርር ኣዋፊሩ ሃሱሳት "ይኣክል" ዕድመ ተለቀመ - ተገበረ ዕድል ዓዋን ጭፍራ! Happy 28th Independence Day Eritrea!
ዶክተር ተስፋ ገብረመድህን እቲ ስድራቤቱ ክኣሊ ዘይክእል ዶንቆሮ ሙሁር ልቡን ኣእምርኡን ከምዝዓወረ ዝገልጽ ጽሑፍ ኣውጺኡ። ኡርትራ ኣብዚ 28 ዓመት ኣብ ትምህርትን ሕክምናን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዘመዝገበቶ ዓወት ዋላሕንቲ ከምዘይተገብረ፡ ንኤርትራ ንምምብርኻኽ ዝተገብረ ጻዕሪ ክርእዮን ክርድኦን ስለዘይካእለ ንመንግስቲን ህዝብን ኤርትራ ክጸርፍ መሪጹ። ስደት ጠንቁ ዓለማዊ ውዲትን ስስዔ ናይ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ምንባሩ ኣብ ኣእምርኡ ክስቆሮ ኣይከኣለን።ክንደይ ካብ ስድራቤቱ ንሱ ባዕሉ ተሓባቢሩ ከምዘየውጽኤ ንምንታይ ንመንግስቲ ሓላፍነት ከሸክም ይደሊ። እዚ ናይ ሓንጎል ዑረት ፎእ ንበሎ።
ሰማዒ ዝሰኣነ ኣውያት በይኑ ኮይኑ ስእለ ይሳቀ ይልሎ እነሀለ ታሕቲ ላዕሊ ተበለ ገዲፋዎ ኩሉ ዘስተብሃለ ህግደፍ ውን ተኮኑ ምስ ኣምሓራ ምስወገኑ ቱፍ ኢሎሞ ዓስቡ ከይወገኑ ገዝኡ ፈሪስዎ ጥሪቱ ስኢኑ ደሃይ ማዕጾ ኣርሕዮሞ ከምዘይነበሩ ኣጸምዮሞ ደለይቲ ፍትሒ ተኣትዮሞ ስእለ ኣበይ የብል ሞ ዓዲ ሃሎ ውን ተኮነ ሽቃቅ የብሉ ክሽነ ምሕደራ ዘይብሉ ውጥነ ንስእለ ዝሓብእ ነይኮነ እምከ ሕጂ እንታይ ይገበር ተጠሊዕካ ኣእዊ ምበር ረዳኢ ካብ ዘየለ ጎረቤት ስግር ምክንያት የብልካን ኣስመራ ዘንብር
* ሕማቕ ዝብኢ - ምስ ወገሐ ይንቊ * ሰነፍ ወያነ - ሻዕብያ ክትጠፍኣሉ ይመነ * ካብ ሓቂ ዝሃድም - ናይ ኣእምሮ ጽጉም * ህንጡይ ጎበዝ - ብስሚዒት ይግረዝ * እቲ ስራሕ ኣልቦ- ኣብ ፈይስቡክ የዕርቦ * ብግብሩ ዝሓፍር - ክሃድም ይነብር * ሓላፍነት ዘይወስድ - ኣብ ምኽኒት የዂድድ * ናይ ጥፍኣት መሰሪ - ሃሪሙ የአዊ * እቲ ሰነፍ - የብዝሕ ሃተፍተፍ * በላዕ ናቱ - ተቢዑ የዘንቱ * ፈታው ሓቂ - ኣይብህርርን ለይቲ ...መልኡ
ደሃይ ፈሪሓ ተሓቢ ኣ ዓለም ብዓለማ ተበጊሳ ኢሎማ ክንደይ እኻ ተጸሚማ ይ ኣክል ልሒማ ኣድባራት ስዒማ መሳጊድ ለኪማ ህግደፍ ተዳኪማ ኣዝያ ሓሚማ ተደኒሳ ኢሎማ ኩሎም ተሳሂሎማ እዝኒ ኣጽሚማ ንኩሉ ለካኪማ ግደፊ ኢሎማ ቀደም ነጊሮማ ኣናህብ ገዲፎማ ሃመማ ዓሲሎማ
እቲ ትማሊ፣ ዝደፈረ ክብረይ ዝገሰመ ዓይነይ ዝሃረመ ዝባነይ ብራኣዩ ስምዑለይ ክርኢ ሕሰመይ ከመይ ኢሉ ሎሚ ይብለኒ ዝሓወይ? ዘደንጹ 'ዩ ዘገርም ክትሰምዖ ዘስደምም ዘሐርቕ ዘርምም ወይ ጉድ! ኣብ መሬተይ ኮፍ ኢሉ ዋልትኡ ገቲሩ ንሕጊ እምቢ 'ሉ ይብል ከይሓፈረ ዶባት ይራሓዉ! ደምበታት ከፊቱ ኣብ በረኻ ዓዱ ከዐቢ እቶቱ ዘጽነተ መንእሰይ ከይሃንጽ ሃገረይ ይብለና ገበን ረሱዑለይ? እዝስ ንበይኑ 'ዩ! ኣስሓኮ ዘይብሉ ክፉእ መጋብሩ ዝመቓቕል ህዝቡ ከይሓብሩ ከይሰምሩ ወያነስ ዕድሚኡ ድኣ ትሕጸር እዚ እሾኽ መርገም ናይ ዘመና ፈገር ዓሚጹ ዝድረር ፈጺሙ ዘይእረም
ኣይትተንኩፉለይ፣ ነዛ ብርሃን ዓይነይ ሓበነይ ኲርዓተይ ኤርትራ ሃገረይ ንሳ ክብሪ - ንሳ ፍቕሪ ኦክስጂን ትንፋስ ሓይሊ ንሳ ጽሓይ - ንሳ ዓይኒ ሓበን ሓፋሽ ዘይተጓኒ ጽላል ዳዕሮ - ድኾን ንህቢ መንነተይ ተዂርዓኒ ያዕ በሉላ እቲ ጠላም መንደልሓቒ በሰር ሕማም ዑሱብ ወይጦ ቁራጽ ሰይጣን ጸረ-ሃገር ዕዉር ጠምባር... ልደታ'ዩ ዘሙሩላ ንዕብየታ ነቲ ክብራ ንሓድነት ነቲ ሕብራ ንጽንዓታ ነቲ ሓይላ ንትብዓታ ንሰላማ...
ወስላቲ ጸላእኩ -'ቲ ዘይእመን ኩሉ ንጥፈታቱ - ጸረ-ሃገር ዘይውርዚ እናሻዕ ዝጽለል ትዕቢተኛ - ሰነፍ መውደልደሊ ፍቱሕ ስረ - ዝዓርቦ ክሓሚ ፈታው ንዋይ - ናይ ምዕባለ ሓጒሊ ዝዓወነ - ዓሚ ቅድሚ ዓሚ ህሩፍ ስልጣን - ታሪኹ ዘይመሚ ብቑሩብ ቁራቦ - ዝብል ልኣኹኒ ሉኡኽ ጥፍኣት - ነውራም መታለሊ ትዕቢተኛ - መን ከማይ በሃሊ ምስ ኣትማን ወጊኑ - ዝብል ስዓቡኒ ዝጸልመቶ - ጽሓይ ከላ ቀትሪ ናይ ሰብ ረብሓ - ወኪል ኣማኻሪ ኩሉ ጻዕሩ - ኤርትራ ክትደሚ ዘይምነ - ክትዕምብብ ክትፈሪ ኣቕልቡሉ - ሰራም'ዩ መሰሪ ዘራኸሰ - ታሪኽ ኩሩዕ ህዝቢ ፎ በልዎ - ኣይግቦኦን ክብሪ
ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ በዓል መን እዮም ዝጠከሙ በዓል መን እዮም ዝሃደሙ ከም ጹሉላት ኣኽላብ ዝነብሑ ከም ኣዛብእ ኡንጉይ ኡንጉይ ዝብሉ ዘለዉ መብጽዓ ጠሊሞም ኣብ ፍርቂ መንገዲ ዝተሰወሩ ሕፍር ከይበሉ ብድሕሪ መስኮት ክዕወቱ ዝሓልሙ ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ ባዓል መንእዮም ዝጠለሙ ባዓል መን እዮም ዝሃደሙ ከም ዝብኢ ኡንጉይ ኡንጉይ ዝብሉ ዘለዉ ኤርትራ ሃገረይ ኣለዉኺ ጀጋኑ ዝከላኸሉልኪ ዝሃንጹኺ ኔው በልዮ ባዕዲ እዚ ረማሲ ዝኸውን ሓሳዊ ኣንቱም ጠለምቲ ይኣክል ጥልመትኩም ኣብ ሑጻ ኣይሕፈስን ስርናይ ኣብ ወጻኢ ኮንካ ኣይስራሕን ቅያ ይኣክል ንመደናገርቲ ይኣክል ንጠለምቲ ተናስሑ ካብ ሓጥያትኩም ሎሚ እያ ኣታማዓልቲ ብዝወጻእክምዎ ከይትበልዩ ከም ጠይቂ