Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
May 22, 2019 6:45 PM
148.184.174.62
ነጻነት ኩሉ'ያ ብኡነት
ክብሪ መንነት
ኲርዓት ዜግነት
ኤርትራውነት

እዛ ነጻነትና፡
መመሊሳ ትጽብቕ
ትዕምብብ ትደምቕ
ጽንዓት ተስፋ ተስንቕ

ወርትግ፡
ኣብ ውሽጥና ትበርቕ ትማሙቕ
ንኾነላ በጃ ከይትዓርቕ
ንሓልፈላ ካብ ቀረባ ሩሑቕ

ነጻነት ኢልና፡
ንስዉኣትና ንምርቕ
ብኦኦም ንኾርዕ
እንዳበለና ሕንቕንቕ
ዘይረኣይዋ ንደቒቕ

Happy 28th Independence Day Eritrea!
ስእለ
May 21, 2019 4:04 PM
148.184.174.61
ስምዕታ!

ኣይትተንኩፉለይ
ኤርትራ ሃገረይ
ሕሉበይ ንጽፈይ!

ንሳ'ያ፡
ኦክስጂን ትንፋሰይ
ብርኪ መሓዉረይ
ምናተይ ቅልጽመይ...

መልሓሰይ ልሳነይ
'ታ ሕብሪ ኣዒንተይ
መልከዐይ ድምቀተይ...

ሞተረ ናይ ውሽጠይ
ተስፋ መጻእየይ
መዓርገይ  ክብረይ
ኲርዓት መንነተይ...

ማህደር ናይ ታሪኸይ
ትዛሪ ኣብ ልበይ
ኣብ ድቃሰይ ሕልመይ
ኣብ ጋህዲ ምስ ውነይ...

ምስክር'ዩ፡
ኣካል መሓውረይ
ዝነቖረ ዓይነይ
ዝዘበለ ዓጽመይ
ዝፈሰሰ ደመይ
ዝተኸፍለ ዕድለይ...
ንኤርትራ ሃገረይ
ንዓኣ ንኽብረይ

ዶባት ዘወር በሉ
ኣብ ኩሉ ኩለሉ
ርኣዩ ኣስተውዕሉ

'ቲ ድፋዕ መዝገቡ
ንዓኣ ዝሕሉ
ዓይኑ ቋሕ ኣቢሉ
ድቃስ ተሓሪሙ
ዋርሳይ ይከኣሎ ስሙ
ዝፈቱ ሃገሩ
ከምቶም ሂወት ዝኸፈሉ
ዓወት ንሓፋሽ እንዳበሉ

Happy Birthday Eritrea! Your birthday is my second birthday.
ስእለ
May 20, 2019 3:03 PM
148.184.174.62
ልደት ኤርትራ እዩ
ስለዝኾነ፣
ሰናይ ኣውድኣመንት - ንኹልና ዕግበት 
ሰናይ ቅነ ነጻነት - ንኹልና ክብረት
ሓጐስ ዝመልኦ - ኩልና ንብህጎ
ሎሚ ይኹን ጽባሕ - ብሰላም ዝምራሕ
ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ - ተስፋ ስኒት ዘአንገደ
ንኹሉ ዘሕብር  - ፍቕርና ዘዐንተር
                ይኹነልና!
ስእለ
May 17, 2019 12:59 PM
148.184.174.61
'ቲ ትማሊ ጸልማት ከሎ ወጥሪ
ብመድፍዕ ብጥይት ክንነድድ ክንቆሪ
ናብ ሩሑቕ ቀረባ ክንስደድ ብሃውሪ
ክግረፍ ኣካልና ብኣስሓትያ ቊሪ
ብልዕቲ ክቕጥቀጥ መታን ከይንፈሪ
ኣብ ማእሰርቲ ንሕልፈት ክንበሊ
ሓደ'ኳ ኣይነበረን ዝዘሪ ዝሓሊ
ተዓዛባይ ነሩ ዋላ 'ቲ ፈጣሪ

ንቓንዛና ብስሓቕ ደቢስና
ብዕሩቑና ኲርምይ ኢልና ሞይቑና
ብተመስገን ከብድና ኣዐሽና
ጸገም የለን ምስ ጭርቃን ወሲኽና
ሓቦን ተስፋን ሓቂ ተዓጢቕና
ሕሰም ስቓይ ከም ንቡር ወሲድና
ሓሊፍናዮ ገድሊ ነጻነት ኣምጺና
ጨቢጥናያ ኤርትራ ሃገርና
ዋጋ ክቡር መስዋእቲ ሕሰምና

Happy 28th Independence Day Eritrea & ሓፋሽ!
ስእለ
May 16, 2019 7:10 PM
148.184.174.62
ወይ ፖለቲካ
ሕማም ርእሲ ዓኽታ
ሓቅነት ዘይብልካ
ሎምስ ፈሊጠካ
ሽጣራ ጠባይካ
ሕኸኸኒ ክሓከካ

በል ምሕረት የውርደልካ
ንፍትሒ ክትፈልጣ
ክትሰርሕ ተቢዕካ
እምበር ኣነስ ግርም ተዓዚበካ
ሑሩም ኢለ ከይኣምነካ
ስእለ
May 16, 2019 12:10 PM
148.184.174.61
ሓደ ነገር ኣስተብሂለ
ውሽጢ ልበይ ዘቕሓረ

እቲ ከዳዕ ስሱዕ ምነ
ሩሑቕ ማዕዶ ዝሓከለ
መንደልሓቒ ዝዓወነ
ሰሚዐዮ ክዋራዘ

ተበላጺ ዝወየነ
ብቕርሕንቲ ዝኸሓነ
ዑሱብ ወይጦ ተፈንፈነ
ረኺበዮ ምስቲ ዕነ

ከጋማድሕ ዘይተባህለ
ታሪኽ ሓፋሽ እንዳኣቚሰለ
ክዘናጥል ከይሓፈረ
ከደናግር ዘይወዓለ
ፍቱሕ ስረ ዘይተቐብረ

ሽመት ስልጣን ተመንዩ
ንዋይ ሃብቲ ክኸስበሉ
ሃገር ህዝቢ ግዳይ ገሩ

ካብ መኸተ ተሓቢኡ
ምስ ጸላእቲ ተጸጊዑ
ኣብ ምንቛት ዝነፈዐ
ሰነፍ ዑሱብ ዘይነቐሐ

ገጹ ትጥፋእ ዘይበልየሉ
ሩቡጽ ሓንኳል መጋብሩ
ካብ ሰነፋት ሸያጥ ክብሩ
MIK
May 16, 2019 2:08 AM
72.80.223.203

With talks of global warming and climate change almost everywhere I go, greening Eritrea has been on my mind for a long time. I am glad to learn from on ERI TV that the efforts embarked upon since Independence have paid off. Good job compatriots! Let's make Eritrea green again! It is said that there was a time when 30% of Eritrea was covered by trees!

ስእለ
May 13, 2019 6:48 PM
148.184.174.61
ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ኤርትራ
ኣብ ሩሑቕ ስደት ኣብ ዓዲ ጓና
ብፍቕሪ ሰላም ትነብር ጅግና
ክብርኻ ይስፋሕ ዘዐወትካና
ኣብነት ዜጋ ግርማ ዓለምና

ኤረይ ክትከብር ከይደፍራ ጓና
ቅድሚት ክትስጒም ብምዕብልና
ትማሊ ሎሚ እስኻ ዓይና
ኣብ ሽግር ራህዋ ኣለኹ ትብላ
ጽናዕ ከም ትማል ኣብዛ ባንዴራ

ስ እለ
May 13, 2019 1:20 PM
148.184.174.61
ኣቤት ሃገር - ጅግና ህዝቢ!
ዘይጽዓድ ኣብቲ ወጥሪ
ዘይንደል ለባም ብህሪ

መን ከማኻ ኣብዛ ምድሪ
ዘይሓርር ሱር ሮማዲ
ጎይታ ትብዓት ጽኑዕ ዕርዲ
ንበር ክበር መምህር ሓቂ

ሑጉስ ብዓል ልደት - ይኹነልኪ ዘንትእለት
                    ኤርትራ!!


ግርማይ
May 11, 2019 4:49 AM
2.89.201.20

መናፍቃን ኩሉ ግዜ ሓሶት ብምድርዳር ሰይጣናዊ ስርሖም እዮም ዘካይዱ። ሓደ ካብቶም ሓደስቲ መናፍቃን ዶ. ተስፋ ገብረመድህን ዝተባህለ እዩ። እዚ ስድራቤቱን ናብርኡን ክመርሕ ዘይክእል ሰብ ሓንጎሉን ልቡን ብጽልኢ ስለዝዓወረ ንሓቂ ፈጺሙ ክርእያ ኣይከኣለን። ስልዝኾነ ድማ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 28 ዓመት ዋላሓንቲ ከምዘይሰርሑ፡ ሃገር ኣብ ኩሉ መዳያት ትሕቲ ነጻነት ኩነታት ስለ ዘላ ኣብ ናይ ምንቅስቃስ ከምዝተጸንበረ ይሕብር። እንተድኣ ሃገር ኣብ ከምዚ ኩነታት ነይራ ኣበይ ነይሩ ክሳብ ሕጂ ዘይተዛረበ። ዝሓለፈ 20 ዓመት ኤርትራ ከምዝነበረት ክዝክሮ እውን ኣይደለየን።ዘገድሶ ሓሶት ደርዲርካ ናይ ጽልኢ ዕላማ ምዕዋት እዩ።

ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ምስ ኩሉ ዓለምለኻዊ ተጻብኦን እገዳን ኩናትን ንመንእሰያትና ካብ ሃገሮም ንምርሓቅ ዝተገብረ ፈተነ፡ ልዑላውነታ ኣጽኒዓ ኣብ ትምህርትን ሕክምናን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ሕርሻን ርኡይ ምዕባለታት ኣካይዳ እያ። ኣብ ኤርትራ ኣብ መብዛሕትኡ ስድራቤት ናይ ቀዳማይ ድግሪ ዘብላ ስድራቤት የላን። ኣብ መላእ ኤርትራ ዋላ ኣብቲ ርሑቕ ገጠራትን ሰበኣኽስማዊ መነባብሮ ዘለዎም ትምህርትን ሕርሻን ሕክምናን ኤለትሪክን ጹሩይ ዝስተ ማይ ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዘይብሉ ቦታ ፈጺሙ የለን።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ሽድሽተ ሃገራት ናይ ሚለንዩም ፕሮግራም ዘዐወተት ሃገር ምኻና ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝረኸበት ሃገር እያ። ኩሉ ዞኣይነት ተመሓላላፊ ሕማማት ካብ ሃገራ ዘጥፈኣት ሃገር እያ።

ነዚ ኹሉ ኪሕድካ ዝነደርካሉን ዝተቃለስካሉን ብገለ ወገናት ተደፋፊእካን ከተሐጉሶም ኢልካ ንሃገር ምኽሓድ ኣብ ናይ ህውከትን ዕግርግርን ዝደልዩ ካሓድቲ ምስላፍ ናይ መናፍቃን ስራሕ እዩ።

ስእለ
May 10, 2019 2:36 PM
148.184.174.61
ሓረስታይ

ኩለሎ ግራትካ
ካብ ጻህያይ ሓሰኻ
ካብ ነፋሪ ኣምበጣ
ኩብኩብታ ቃቒጣ
ተጻይ ፍርያትካ
ከይሰርቆ እቶትካ

ሕረሶ ኣብሲልካ
ምስ ድዂዒ ሓዊስካ
ብግዜ ብሽዓ
ክብርክት እቶትካ

ፈላጥ'ውን ተወከስ
ዝተማህረ ኣብ ማሕረስ
ከመይ ከም ዝዂስኮስ
ዝቕንጠብ ዝሕፈስ

ፍልጠትካ ኣዕብዮ
ዕዳጋ ምልኣዮ
ኤርትራ ትደልዮ

'ቲ ቅጫ ክሓስር
ፋብሪካ ክስስን
ሃገርና ክትምዕብል
እስኻ ትውስን
ስእለ
May 9, 2019 12:27 PM
148.184.174.61
'ዚ ጠላም ወያነ ዘይሓፍር
ትዕቢተኛ ናይ ኣእምሮ ጽጉም
መኽዘን ክፋእ ብሓቂ ዝብህርር

ዘይማሃር ኣብ ትማል ዝነብር
መታለሊ ኣብ ሓሶት ዝዕትር
ሕጊ ዘይፈልጥ ብሕጊ ይምድር

ክልተ ልቡ ጸልማት ከም መቓብር
ቅድሚ ይቕረ ሕውነት ዝዝምር
'ቲ ገበኑ ረሱዑለይ ይብል
ኣብ መሬትና ኮፍ ኢሉ የሽካዕልል
ጽውጽዋይ "ኣግኣዝያን" ይዝምር
ዝዓወነ እንታይ ከምዝገብር

ፍጮ ስርዓት መሕቢእኡ ክልል
መሲልዎ ብሓሶት ዝነብር 
ብፈይስቡክ ዝዕወት ዝስርር
ኣዋፊሩ ሃሱሳት "ይኣክል"
ዕድመ ተለቀመ - ተገበረ ዕድል

ዓዋን ጭፍራ!

Happy 28th Independence Day Eritrea!
ግርማይ
May 8, 2019 8:07 PM
95.184.74.196

ዶክተር ተስፋ ገብረመድህን እቲ ስድራቤቱ ክኣሊ ዘይክእል ዶንቆሮ ሙሁር ልቡን ኣእምርኡን ከምዝዓወረ ዝገልጽ ጽሑፍ ኣውጺኡ። ኡርትራ ኣብዚ 28 ዓመት ኣብ ትምህርትን ሕክምናን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዘመዝገበቶ ዓወት ዋላሕንቲ ከምዘይተገብረ፡ ንኤርትራ ንምምብርኻኽ ዝተገብረ ጻዕሪ ክርእዮን ክርድኦን ስለዘይካእለ ንመንግስቲን ህዝብን ኤርትራ ክጸርፍ መሪጹ። ስደት ጠንቁ ዓለማዊ ውዲትን ስስዔ ናይ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ምንባሩ ኣብ ኣእምርኡ ክስቆሮ ኣይከኣለን።ክንደይ ካብ ስድራቤቱ ንሱ ባዕሉ ተሓባቢሩ ከምዘየውጽኤ ንምንታይ ንመንግስቲ ሓላፍነት ከሸክም ይደሊ። እዚ ናይ ሓንጎል ዑረት ፎእ ንበሎ።

ambabi
May 7, 2019 9:02 PM
66.212.72.100
ሰማዒ ዝሰኣነ ኣውያት
በይኑ ኮይኑ ስእለ
ይሳቀ ይልሎ እነሀለ
ታሕቲ ላዕሊ ተበለ
ገዲፋዎ ኩሉ ዘስተብሃለ

ህግደፍ ውን ተኮኑ
ምስ ኣምሓራ ምስወገኑ
ቱፍ ኢሎሞ ዓስቡ ከይወገኑ
ገዝኡ ፈሪስዎ ጥሪቱ ስኢኑ

ደሃይ ማዕጾ ኣርሕዮሞ
ከምዘይነበሩ ኣጸምዮሞ
ደለይቲ ፍትሒ ተኣትዮሞ
ስእለ ኣበይ የብል ሞ

ዓዲ ሃሎ ውን ተኮነ
ሽቃቅ የብሉ ክሽነ
ምሕደራ ዘይብሉ ውጥነ
ንስእለ ዝሓብእ ነይኮነ

እምከ ሕጂ እንታይ ይገበር
ተጠሊዕካ ኣእዊ ምበር
ረዳኢ ካብ ዘየለ ጎረቤት ስግር
ምክንያት የብልካን ኣስመራ ዘንብር
ስእለ
May 6, 2019 5:33 PM
148.184.174.61
* ሕማቕ ዝብኢ - ምስ ወገሐ ይንቊ

* ሰነፍ ወያነ - ሻዕብያ ክትጠፍኣሉ ይመነ

* ካብ ሓቂ ዝሃድም - ናይ ኣእምሮ ጽጉም

* ህንጡይ ጎበዝ - ብስሚዒት ይግረዝ

* እቲ ስራሕ ኣልቦ- ኣብ ፈይስቡክ የዕርቦ

* ብግብሩ ዝሓፍር - ክሃድም ይነብር

* ሓላፍነት ዘይወስድ - ኣብ ምኽኒት የዂድድ

* ናይ ጥፍኣት መሰሪ - ሃሪሙ የአዊ

* እቲ ሰነፍ - የብዝሕ ሃተፍተፍ

* በላዕ ናቱ - ተቢዑ የዘንቱ

* ፈታው ሓቂ - ኣይብህርርን ለይቲ

...መልኡ
ኣምባቢ
May 3, 2019 5:30 AM
172.58.45.186
ደሃይ ፈሪሓ
ተሓቢ ኣ
ዓለም ብዓለማ
ተበጊሳ ኢሎማ
ክንደይ እኻ ተጸሚማ
ይ ኣክል ልሒማ
ኣድባራት ስዒማ
መሳጊድ ለኪማ
ህግደፍ ተዳኪማ
ኣዝያ ሓሚማ
ተደኒሳ ኢሎማ
ኩሎም ተሳሂሎማ
እዝኒ ኣጽሚማ
ንኩሉ ለካኪማ
ግደፊ ኢሎማ
ቀደም ነጊሮማ
ኣናህብ ገዲፎማ
ሃመማ ዓሲሎማ
ስእለ
May 2, 2019 5:17 PM
148.184.174.61
እቲ ትማሊ፣
ዝደፈረ ክብረይ
ዝገሰመ ዓይነይ
ዝሃረመ ዝባነይ
ብራኣዩ ስምዑለይ
ክርኢ ሕሰመይ
ከመይ ኢሉ ሎሚ ይብለኒ ዝሓወይ?

ዘደንጹ 'ዩ ዘገርም
ክትሰምዖ ዘስደምም
ዘሐርቕ ዘርምም

ወይ ጉድ!

ኣብ መሬተይ ኮፍ ኢሉ
ዋልትኡ ገቲሩ
ንሕጊ እምቢ 'ሉ
ይብል ከይሓፈረ ዶባት ይራሓዉ!

ደምበታት ከፊቱ
ኣብ በረኻ ዓዱ
ከዐቢ እቶቱ
ዘጽነተ መንእሰይ
ከይሃንጽ ሃገረይ
ይብለና ገበን ረሱዑለይ?

እዝስ ንበይኑ 'ዩ!
ኣስሓኮ ዘይብሉ
ክፉእ መጋብሩ
ዝመቓቕል ህዝቡ
ከይሓብሩ ከይሰምሩ

ወያነስ
ዕድሚኡ ድኣ ትሕጸር
እዚ እሾኽ መርገም
ናይ ዘመና ፈገር
ዓሚጹ ዝድረር
ፈጺሙ ዘይእረም
ስእለ
Apr 29, 2019 6:58 PM
148.184.174.61
ኣይትተንኩፉለይ፣
ነዛ ብርሃን ዓይነይ
ሓበነይ ኲርዓተይ
ኤርትራ ሃገረይ

ንሳ ክብሪ - ንሳ ፍቕሪ
ኦክስጂን ትንፋስ ሓይሊ

ንሳ ጽሓይ - ንሳ ዓይኒ
ሓበን ሓፋሽ ዘይተጓኒ

ጽላል ዳዕሮ - ድኾን ንህቢ
መንነተይ ተዂርዓኒ

ያዕ በሉላ እቲ ጠላም
መንደልሓቒ በሰር ሕማም
ዑሱብ ወይጦ ቁራጽ ሰይጣን
ጸረ-ሃገር ዕዉር ጠምባር...

ልደታ'ዩ ዘሙሩላ
ንዕብየታ ነቲ ክብራ
ንሓድነት ነቲ ሕብራ
ንጽንዓታ ነቲ ሓይላ
ንትብዓታ ንሰላማ...
ስእለ
Apr 29, 2019 1:15 PM
148.184.174.61
ወስላቲ ጸላእኩ -'ቲ ዘይእመን 
ኩሉ ንጥፈታቱ - ጸረ-ሃገር 
ዘይውርዚ እናሻዕ ዝጽለል 

ትዕቢተኛ - ሰነፍ መውደልደሊ
ፍቱሕ ስረ - ዝዓርቦ ክሓሚ
ፈታው ንዋይ - ናይ ምዕባለ ሓጒሊ

ዝዓወነ - ዓሚ ቅድሚ ዓሚ
ህሩፍ ስልጣን - ታሪኹ ዘይመሚ
ብቑሩብ ቁራቦ - ዝብል ልኣኹኒ

ሉኡኽ ጥፍኣት - ነውራም መታለሊ
ትዕቢተኛ - መን ከማይ በሃሊ
ምስ ኣትማን  ወጊኑ - ዝብል ስዓቡኒ

ዝጸልመቶ - ጽሓይ ከላ ቀትሪ
ናይ ሰብ ረብሓ - ወኪል ኣማኻሪ
ኩሉ ጻዕሩ - ኤርትራ ክትደሚ
ዘይምነ - ክትዕምብብ ክትፈሪ

ኣቕልቡሉ - ሰራም'ዩ መሰሪ
ዘራኸሰ - ታሪኽ ኩሩዕ ህዝቢ
ፎ በልዎ - ኣይግቦኦን ክብሪ
ግርማይ
Apr 27, 2019 9:12 PM
37.107.188.120
ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ
በዓል መን እዮም ዝጠከሙ
በዓል መን እዮም ዝሃደሙ
ከም ጹሉላት ኣኽላብ ዝነብሑ
ከም ኣዛብእ ኡንጉይ ኡንጉይ ዝብሉ ዘለዉ
መብጽዓ ጠሊሞም ኣብ ፍርቂ መንገዲ ዝተሰወሩ
ሕፍር ከይበሉ ብድሕሪ መስኮት ክዕወቱ ዝሓልሙ

ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ
ባዓል መንእዮም ዝጠለሙ
ባዓል መን እዮም ዝሃደሙ
ከም ዝብኢ ኡንጉይ ኡንጉይ ዝብሉ ዘለዉ
ኤርትራ ሃገረይ ኣለዉኺ ጀጋኑ
ዝከላኸሉልኪ ዝሃንጹኺ
ኔው በልዮ ባዕዲ
እዚ ረማሲ ዝኸውን ሓሳዊ
ኣንቱም ጠለምቲ ይኣክል ጥልመትኩም
ኣብ ሑጻ ኣይሕፈስን ስርናይ
ኣብ ወጻኢ ኮንካ ኣይስራሕን ቅያ
ይኣክል ንመደናገርቲ
ይኣክል ንጠለምቲ
ተናስሑ ካብ ሓጥያትኩም 
ሎሚ እያ ኣታማዓልቲ
ብዝወጻእክምዎ ከይትበልዩ ከም ጠይቂ

ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events