Dehai Message Board (DMB)

ኣምባቢ
Apr 9, 2019 11:11 PM
172.58.43.163
ፈቅል ዝዋዓልካ
ናይ ትማል ተዘክሮካ
ሓመድ ከይለበስካ
ኣብቅድሚ ዓይንካ

ንጋኖት ክዕደል ባሕርካ
ደቂስካ ዋላስ ኣሳፊሕካ
ንከንቱ ድዩ ዛርዩ ደምካ
ነዚ ድዩ ሰንኪሉ ኣካልካ

ብዝ ኣመንካዮ ተጠሊምካ
ክልተ ሞት ተፈሪድካ
ገለ ግበር ከይደንጎካ
ኦሮማይ ከይከውን ዝክርካ
ስእለ
Apr 9, 2019 12:58 PM
148.184.174.62
ሳላ ትዊተር ሳላ ፈይስቡክ ...
ወረ በዚሑ ሓንጎል ዘናውጽ
መእሰሪ-ኣልቦ የዋህ ዝርብጽ

ካበይ ነቒሉ መን'ዩ ኢልዎ
ሑሙም ድዩ ጥዑይ ኣቃሊሕዎ
ምጽራይ የለን ኩሉ ይደግሞ

እንተሓተትካ ብዓቕሊ ህድኣት
እንተመርመርካ ትሕዝቶ ቃላት
መደናገሪ ወረ ሕሱራት
ሓሻሺ ግዜ ዘይብሉ ብቕዓት

ስለዚ
ተርባጽ ግደፉ ዓቕሊ ኣጥርዩ
ሕቶ ሕተቱ ልቢ ኣዕብዩ
ምስ ዝሃውተቱ ኣይትፋጽዩ
ስእለ
Apr 5, 2019 2:37 PM
148.184.174.62
እርምያስ/ነብሲ፣

ብድሕሬኻ፡
ስምካ ተላዒሉ - ደሚቑ ከቢሩ
ዓብዪ ዕሸሉ - እርምያስ ኢሉ
ኩሉ ሰብ ሓዚኑ - ነቢዑ ቃዚኑ
ሓቲቱ፣
ስለምንታይ ኢሉ?

እቲ ዝዓበኻሉ - ልውሃት ዘርኣኻሉ
ማእከሉ ወሰኑ - ጸሊም ዝነብረሉ
ካብ ልቢ - ነቢዑሓዚኑ!

እቲ ዝፈልጠካ - ዓርክኻ ሓውኻ
ድኻ መሓዛኻ - ጐረቤት ገዛኻ
ኤርትራዊ ሰብካ - ሎስ ኣንጀለስ ከተማኻ
ዝሰመዐ ሞትካ - ሃንደበት ምኻድካ ...

ሽምዓ ኣብሪሁልካ - ዘኪሩ ተግባርካ
ጸሎት ኣዕሪጉልካ - ክምሕር ነብስኻ
ኣብ ሙሉእ ኣመሪካ - ኤርትራ ሃገርካ

Rest in Peace!!
ስእለ
Apr 3, 2019 6:42 PM
148.184.174.62
እዛ ቀጠር ዝብልዋ
እንታይ'ዩ ጸገማ
ትምጠጥ ልዕሊ ዓቕማ
ንመን 'ያ ኣሚና?

ሓይላ ድዩ ቅልጽማ
ትዕቢት ሰርኒቕዋ
ወይስ ሃብቲ ኣዕሽይዋ
ዝርብጻ ዘሎ ዘቕለውልዋ?

ብዛዕባ ሃገር ኤርትራ - ባሕሪ ተሳጊራ
ወጠምጠም ዘብላ - እንታይ'ዩ ሽግራ?

"እዘን እንቃዓ መሸላ ዘይውድኣ ይመስላ"

እዘን ፎሲል ዒላኺ - ትሕዝቶ ሃብትኺ
ክውድኣ'የን ክነጽፋ - ተቐዲሐን ናብ ዕዳጋ
ኣውዕልየን ኣብ ፍቕሪ ሸመታ - ኣየድልን ክትዕድጊ ቂምታ
 
ተወከሲ ቅድሜኺ ዝፈተና
ቀንጠብጠብ ዝበላ 
ኤርትራ ክብድላ
እንታይ ከም ዝኾና?

እንተ በሽር ጒሒላ 
ጐይታ ብልሽውና
ወርትግ ኣብ ታኼላ
ልኡኽ ናይተን ዝዓንተራ
ብሃይማኖር ገንዘብ ዝምዉላ

ቱርኪ ኦርዴጋን
ኩሉ ግዜ ኣብ ዕብዳን
ዝረኣዮ ሓይሊ ናይ ኦቶማን
ዘይከኣሎ ኣውሮጳዊ ምኳን
ዝባህረረ ብሓይሊ ኩርዲስታን
ኣበይ ንምብጻሕ'ዩ ብኤርትራ ምምካር?
ስእለ
Apr 1, 2019 2:48 PM
148.184.174.62
ሂወት ሓጻር ‘ያ - ክበሃል ሰሚዐ
ብዓይነይ’ውን ሪአ - ሂወት ተመንዝዐ

‘ቲ በሊሕ ምስ ሞተ - ዓለም ዝለወጠ
‘ቲ ጅግና ምስ ከደ - ንኣባይ ዘርዓደ
ህጻን ምስ ተገንዘ - ሓንቲ ዘይኣበሰ
ምልዮናት ምስ ሞቱ - ዕድመ ዘይጸገቡ
ኣሚነ - ሂወት ሓጻር’ያ ኢለ!
ኢርምያስ (ነብሲ) ሓደ ካብ ኦም ምስ ኮነ 

ነብሲ እርምያስ ኣስጎዶም ይምሓር!
ጽንዓት ንስድራ ቤትን ፈተውትን ይሃብ!
ስእለ
Mar 28, 2019 7:12 PM
148.184.174.61
ኣጣቑዑላ እልል በሉላ
ባቡር ሓላላት ትሕምበብ ኣላ
ኣብ ሓዲድ ስራሕ ሰላም ዓቲራ

ኩሉ ክትበጽሖ ናይ ትማል ሕልማ
ጉዕዞ ምዕባለ ብመስመር ሓራ
ነብሳ ክትክእል ክዓቢ እንጀራ
ስእለ
Mar 28, 2019 5:49 PM
148.184.174.61
"ስራሕ ዝሰኣና ኣእዳው፣ ሰይጣን ስራሕ ይፈጥረለን"
ተባሂሉ ብወልዲ ቀደም
ዘስተውዓሉ ስእነት ስራሕ ጸገም

ኣብ ከባቢና ሩሑቕ ገደቦ
ኣብ ሾሻል ሚድያ ኩሉ ዝሃቦ
ዓጀውጆው ይብሉ ይግዕሩ ካዕቦ

ኣብ ክንዲ ምሕሳብ ህድእ ኢልካ
ንሎሚ ጽባሕ ዕብየት ዝበካ
የጋውሑ ጸገም ዘይብሉ ጣቋ
ስእለ
Mar 28, 2019 3:49 PM
148.184.174.61
ዓሉሉላ ኣጣቑዑላ
ባቡር ሓላላት ትውንጨፍ ኣላ
ኣብ ሓዲድ ፍቕሪ ሰላም ዓቲራ
ኩሉ ክትበጽሖ ናይ ትማል ሕልማ
ጉዕዞ ምዕባለ ብመስመር ሓራ
ነብሳ ክትክእል ክዓቢ እንጀራ
Twin Cities St. Paul & Minneapolis
Mar 28, 2019 10:51 AM
73.37.181.254

"ይኣክለኩም ይቅረ ሕተቱ"

ማሕበር ፍቱሓት
"ይኣክለኩም ይቅረ ሕተቱ"
እንኻን ምስ ሃገርኹም ምስ ቃል ኪዳንኹም
እንኻን ምስ ህዝብኹም ምስ ቤቴሰብኹም
ሃገርም ኣክቡሩ ቃልኺዳንኹም አጽንዑ
ህዝብኹም አፍቁሩ ስድራኹም ሕቀፉ  
ምስ ኩሉ ኣትባኣሱ ናብ ልብኹም ተመለሱ
እንተ ሓመምኹም ንስድራኹም
እንተ ሞትም ንህዝብኹም
ይኣክለኩም ይቅረ ሕተቱ
ናብ ልብኩም ተመለሱ
ዕቡያት ኣይትኩኑ ቱሑታት እምበር

Message from Minnesota 
ንማሕበር ፍቱሓት

MIK
Mar 26, 2019 5:39 AM
72.80.222.144

Weyane and their messengers,

Yi'akhlekum'ba nisikhatkum! When are you going to stop taking as a stupid!

ስእለ
Mar 25, 2019 5:32 PM
148.184.174.62
ክርህጽ'የ ክደክም ክጽዕር
ከም ሃገር ከም ህዝቢ ክዕምብብ ክግርም
ክብርኽ ክደምቕ ብነብሰይ ክሓድር 

ክቕጽል'የ ክዓቢ ክስጒም
ኳዂቶ ኣልጊሰ 'ቲ እግሪ ዘሐምም
ዕንቅፋት ምዕባለ ዝሰልጦ ከቚረምርም

'ቲ ራህዋ ክብጻሕ 'ታይ'ሎ ዘጸግም
ሓፋሽ ተጎዝጒዝካ ንኹሉ ዝዓምም
ምስ መትከል ሻዕብያ ኣብ ስራሕ ዝኣምን

ወትሩ ኣብ ጻዕሪ ውሽጡ ከበራብር
ምጽወታ ትኳቦ ካብ ልቢ ዝፍንፍን
ብዓል ነዊሕ ራኢ ኤርትራ ዘቐድም

ኣብ ጽንኩር ኣብ ራህዋ ብጽፈት ዝእምም
ዓቕሊ እንጣጢዕ ሽሮ ኣብ ጎኑ ዘይዕደም
ናይ ኣፍ ወሓላሉ ዘይሰምዕ ዝጽይን

ብመትከል ዝጓዓዝ ሰላም ንኽሰፍን
ንፍትሒ ማዕርነት መስዋእቲ ዝኸፍል
ምስ ርሑቕ ጎደቦ ንሕበር ፍቕሪ ዝብል
ሻዕብያ'ዩ ንሱ ሎሚ ይኹን ቅድም
ስእለ
Mar 22, 2019 12:54 PM
148.184.174.61
መጽሓፍ "ግፍዒ" ኣምቢበያ
ንኣፍልጦይ ኣዕብያ
ንውሽጠይ ተንኪያ
ንብዓት ዝኽሪ ኣዛርያ

'ቲ ግፍዒ 'ቲ ስቓይ
'ቲ ብኽያት ዋይዋይ
'ቲ ጭካነ ኣባይ
ኣይሃበንን ሰናይ

ብጥይት ብሳንጃ
ብሓዊ ብቦምባ
ስድራ ቤት ክሃልቃ
ንስደት ክግዕዛ
ዓድታት ክነዳ
ተራእዩኒ 'ቲ ዝምታ
'ቲ ጸበባ ዋጭዋጭታ
ኣሕሪቑኒ
ናይ ዓለምና ስቕታ

ስእለ
Mar 19, 2019 5:11 PM
148.184.174.61
ባቡር ሰላም...

ኣብ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ
ኣብ ሃገር ሱዳን ኣብቲ ሶማልያ
ኣብ ጂቡቲ ሃገረ ኬንያ
ሰላም ሰፊኑ ናይ ሓባር ሕርያ
ምስ ተገለፈ 'ቲ ዘርጊ ጭፍራ
ሓሳድ ጒጂለ ፈጣር መከራ

ዒፈል 'ዩ ነሩ ጒልሕንጣ ሰላም
ጸቢብ ኣእምሮ መዝማዚ ትኳን
ዘማቲ ሽፍታ ብቐትሪ ጸላም

ብዝኾነ፡

ባቡር ሰላም ባቡር ኣስመራ
ንሰላም ፍቕሪ ትፋጺ ኣላ
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ጎዶቦና

በሉ መርሓባ - ተቐበልዋ
ብፍቕሪ ሓጐስ ኣእንግድዋ
ረብሓ ህዝቢ 'ዩ ረብሓ ኩልና
ካብ ጸገም ሽግር ዘናግፈና

ስእለ
Mar 18, 2019 6:25 PM
148.184.174.61
ሓደ ነገር ተማሂረ
ፈሊጠ ኣስተብሂለ
ኣብዛ ዓለም ዕረ

ዒፈል ሰብ ከም ዘሎ
ሕልና ዝጎደሎ
ኣብ ምጽያቕ ዝዓርቦ

ሓውላል ጠምባር ዓይኑ
ጉልሕንጣ ኣብ ኩሉ
ዕብየት ዘጽልኣሉ
ንሱ እንተዘይብሉ

ሩሑቕ ወሰን ኮይኑ
መንፈሱ ቀቲሉ
ዘጸልም ሃገሩ
ዑሱብ ጓሓላሉ

ተልመዴን ፖለቲካ
ናይ ሰላም ማሕለኻ
ዘይልካዕ ገበንካ
ደጊም ይኣኽለካ
ኣብቂዑ'ዩ ግዜኻ
ምስ ጭፍራ ጎይታኻ
ስእለ
Mar 11, 2019 6:37 PM
148.184.174.61
ገለ ግበሩ!

ዶላር ($) ርገሙለይ
እወ የህ በሉለይ
ባይታ ክዘብጠለይ
ሓይሉ ክደኽመለይ
ዲሂኽዎ ዓቕመይ

ገለ 'ባ ግበሩ
ቅልጽምኩም ኣሕብሩ
ክምከት 'ቲ ሓይሉ
ተጎደለ ክብሩ

ሰብ ተዋሪዱ
ዓለም ኣናዊጹ
በደሉ ከቢዱ
ቢኢሱ ገዲዱ

ብሒም ዝበለ ክሳዱ ዘልዓለ
መንገዲ ስርቂ ዘይተኸተለ
ሃርጓም ፖሊሲ ዘየገልገለ
ዶላር ይሕረም መታን ክእለ
ስእለ
Mar 8, 2019 6:56 PM
148.184.174.62
Happy March 8th to all sisters and mothers of Eritreans!

ተሞጎሲ ኣንቲ ጅግና ዓይኒ
ዝወፈርኪ ሃገር ክትሕርሪ
ዝመከትኪ ኣብ ውዕሎ ትማሊ
ዝሓነንኪ ኣብቲ ቀውጢ ወጥሪ
መን ከማኺ እልል 'ስከ በሊ

ተዘካሪት ኲርዒ ተሓበኒ
ዋልታ ኢኺ ጸላእቲ ተድንኒ
ንሃገርኪ ኩሉ ትምንኒ

መን ከማኺ ጀጋኑ ትፈሪ
ኤረይ ኢሉ ኣብ ግጥም ስዓሪ
እስኺ ዘይብሉስ ጸልማት 'ዩ ቁሪ

እስኺ ኣደ እስኺ ሓፍቲ
እስኺ ሓልዮት እስኺ ፍቕሪ
እስኺ ተስፋ  እስኺ ስንቂ
እስኺ ጎብለል እስኺ ዕጥቂ
ዘይትምለሲ ሃገር ምስ በልኪ 
ሰነድ መስካሪ 'ቲ በሰላኺ 

ትማሊ ብጠበንጃ ቦምባ
ሎሚ ብባዴላ ኣፍራዛ
ሃገራ ትሃንጽ ምስ ኣሕዋታ ደቃ
ብጀካኽስ መን ኣሎ ኣብ ኣፍሪቃ?

በሊ
ሰስኒ ማዕብሊ
ትምህርቲ ኣፍቅሪ
ንኹሉ ክትገጥሚ
ንሱ'ዩ 'ቲ ሓይሊ
ስእለ
Mar 8, 2019 12:28 PM
148.184.174.62
ፖለቲካ

‘ዚ ፖለቲካ ሽንፍላ ቃንዛ 
ዓመጽ ምትላል ዘይብሉ ባህታ
ኣብ ምምሕዳር ዘለዎ ኢንታ
ሓብሓቢ ኣድልዎ ብዘይ ስክፍታ

ከም ነፋሒቶ ተገላባጢ
መእሰሪ ኣልቦ ዘየብሉ ልሕጺ
መደናገሪ ፈጣሪ ነውጺ

ጉዳም ተግባሩ ዘንብዕ ዘስሕቕ
ረጋጺ ፍትሒ ልቢ ዝፍሑቕ
ብዙሕ ኣበሩ ፍሩይ ምስ ደቂቕ

ስንኩፍ ጠባዩ ካሓዲ ዓርኩ
ሕሉፍ ዘይዝክር ረብሓ ሂወቱ
መደናጋሪ ሓቂ ጸልማቱ
ስእለ
Mar 7, 2019 7:13 PM
148.184.174.62
እዚ ፖለቲካ ከጽልኣካ
ዓመጽ ምትላል ዘይብሉ ባህታ
ውሽጡ ሽንፍላ እንተፈተሽካ

ከም ዉሕጅ መረብ ተገላባጢ
መእሰሪ ኣልቦ ዘየብሉ ልሕጺ
መደናገሪ ፈጣሪ ነውጺ

እንዳጎጠየ ዘንብዕ ዘስሕቕ 
ረጋጺ ፍትሒ ልቢ ዝፍሑቕ
ነውራም በደሉ ፍሩይ ምስ ደቂቕ

ስንኩፍ ጠባዩ ካሓዲ ዓርኩ
ሕሉፍ ዘይዝክር ረብሓ ሂወቱ
መደናጋሪ ሓቂ ጸልማቱ
ስእለ
Mar 5, 2019 2:48 PM
148.184.174.62
"ዕንዱ"

ኣይትተሃወኽ ምርባጽ ግደፍ 
ኣይ ናይ ጥዕናን ቀትሪ ሃተፍተፍ
ቅድሚ ምውቃስካ ነብስኻ ንቐፍ
 
ዓጀውጆው ሕደግ ህድኣት ተማሃር
ክልተሳዕ ሕሰብ ነውሪ ምዕግርጋር
ነብስኻ ፈትሽ ኣይትኹን ቅሓር
 
ሕጂ'ውን
ምቑዛም ግደፍ ትዕግስቲ ግበር
ውሽጥኻ ግታእ ትም ኢልካ ኣይትዕፈር
ንዕቱብ ስራሕ ምስ ለባም ምኸር
 
ኣነ እፈልጥ ትዕቢት ‘ዩ ውድቀት
ተማሃር ታሪኽ ዝበካ ክብረት
ኣብ ስራሕ ኣድህብ ንለውጢ ዕብየት
MIK
Mar 3, 2019 8:05 PM
72.80.222.23

White Noise

Dear Compatriots,

Notice how those against our government regurgitate the same propaganda the Weyanes do. They both rely on lies, misrepresentation of facts, distortions, illogical arguments and loud noise of tangential and trivial occurrences. It is just white noise! We have learned to filter that out and focus on the prize! Keep all eyes on the ball!

I personally would like to ask them questions that I have asked before, with modifications of course, since times have changed and events are on Eritrea's side.

1) What is your aim? What are the policies you would pursue? How are they different from those of the government of Eritrea?

2) We know very well about your relationship with the Weyane. We Eritreans and the people of Ethiopia have rejected the Weyane as destructive elements and enemies of peace in the Horn of Africa? We also notice that the Weyane has devised a set of contingent plans to saw discord and chaos in our region--all based on its ethnocentric, divisive and racist ideology. We think you--those who call yourselves "the opposition" of Eritrea are just one of their tools of this racist trade.

2a. Why don't you have a SOVEREIGN mind?
2b. How do you see the Eritrea you envision (rather the Eritrea of the mirage in front of you!) and its relationship with Ethiopia under the Weyane back in Menelik Palace?
2c. If not with the Weyane, then how will your relationship with the current Ethiopian government be?

I am waiting for your answer.


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events