Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
May 9, 2019 12:27 PM
148.184.174.61
'ዚ ጠላም ወያነ ዘይሓፍር
ትዕቢተኛ ናይ ኣእምሮ ጽጉም
መኽዘን ክፋእ ብሓቂ ዝብህርር

ዘይማሃር ኣብ ትማል ዝነብር
መታለሊ ኣብ ሓሶት ዝዕትር
ሕጊ ዘይፈልጥ ብሕጊ ይምድር

ክልተ ልቡ ጸልማት ከም መቓብር
ቅድሚ ይቕረ ሕውነት ዝዝምር
'ቲ ገበኑ ረሱዑለይ ይብል
ኣብ መሬትና ኮፍ ኢሉ የሽካዕልል
ጽውጽዋይ "ኣግኣዝያን" ይዝምር
ዝዓወነ እንታይ ከምዝገብር

ፍጮ ስርዓት መሕቢእኡ ክልል
መሲልዎ ብሓሶት ዝነብር 
ብፈይስቡክ ዝዕወት ዝስርር
ኣዋፊሩ ሃሱሳት "ይኣክል"
ዕድመ ተለቀመ - ተገበረ ዕድል

ዓዋን ጭፍራ!

Happy 28th Independence Day Eritrea!
ግርማይ
May 8, 2019 8:07 PM
95.184.74.196

ዶክተር ተስፋ ገብረመድህን እቲ ስድራቤቱ ክኣሊ ዘይክእል ዶንቆሮ ሙሁር ልቡን ኣእምርኡን ከምዝዓወረ ዝገልጽ ጽሑፍ ኣውጺኡ። ኡርትራ ኣብዚ 28 ዓመት ኣብ ትምህርትን ሕክምናን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዘመዝገበቶ ዓወት ዋላሕንቲ ከምዘይተገብረ፡ ንኤርትራ ንምምብርኻኽ ዝተገብረ ጻዕሪ ክርእዮን ክርድኦን ስለዘይካእለ ንመንግስቲን ህዝብን ኤርትራ ክጸርፍ መሪጹ። ስደት ጠንቁ ዓለማዊ ውዲትን ስስዔ ናይ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ምንባሩ ኣብ ኣእምርኡ ክስቆሮ ኣይከኣለን።ክንደይ ካብ ስድራቤቱ ንሱ ባዕሉ ተሓባቢሩ ከምዘየውጽኤ ንምንታይ ንመንግስቲ ሓላፍነት ከሸክም ይደሊ። እዚ ናይ ሓንጎል ዑረት ፎእ ንበሎ።

ambabi
May 7, 2019 9:02 PM
66.212.72.100
ሰማዒ ዝሰኣነ ኣውያት
በይኑ ኮይኑ ስእለ
ይሳቀ ይልሎ እነሀለ
ታሕቲ ላዕሊ ተበለ
ገዲፋዎ ኩሉ ዘስተብሃለ

ህግደፍ ውን ተኮኑ
ምስ ኣምሓራ ምስወገኑ
ቱፍ ኢሎሞ ዓስቡ ከይወገኑ
ገዝኡ ፈሪስዎ ጥሪቱ ስኢኑ

ደሃይ ማዕጾ ኣርሕዮሞ
ከምዘይነበሩ ኣጸምዮሞ
ደለይቲ ፍትሒ ተኣትዮሞ
ስእለ ኣበይ የብል ሞ

ዓዲ ሃሎ ውን ተኮነ
ሽቃቅ የብሉ ክሽነ
ምሕደራ ዘይብሉ ውጥነ
ንስእለ ዝሓብእ ነይኮነ

እምከ ሕጂ እንታይ ይገበር
ተጠሊዕካ ኣእዊ ምበር
ረዳኢ ካብ ዘየለ ጎረቤት ስግር
ምክንያት የብልካን ኣስመራ ዘንብር
ስእለ
May 6, 2019 5:33 PM
148.184.174.61
* ሕማቕ ዝብኢ - ምስ ወገሐ ይንቊ

* ሰነፍ ወያነ - ሻዕብያ ክትጠፍኣሉ ይመነ

* ካብ ሓቂ ዝሃድም - ናይ ኣእምሮ ጽጉም

* ህንጡይ ጎበዝ - ብስሚዒት ይግረዝ

* እቲ ስራሕ ኣልቦ- ኣብ ፈይስቡክ የዕርቦ

* ብግብሩ ዝሓፍር - ክሃድም ይነብር

* ሓላፍነት ዘይወስድ - ኣብ ምኽኒት የዂድድ

* ናይ ጥፍኣት መሰሪ - ሃሪሙ የአዊ

* እቲ ሰነፍ - የብዝሕ ሃተፍተፍ

* በላዕ ናቱ - ተቢዑ የዘንቱ

* ፈታው ሓቂ - ኣይብህርርን ለይቲ

...መልኡ
ኣምባቢ
May 3, 2019 5:30 AM
172.58.45.186
ደሃይ ፈሪሓ
ተሓቢ ኣ
ዓለም ብዓለማ
ተበጊሳ ኢሎማ
ክንደይ እኻ ተጸሚማ
ይ ኣክል ልሒማ
ኣድባራት ስዒማ
መሳጊድ ለኪማ
ህግደፍ ተዳኪማ
ኣዝያ ሓሚማ
ተደኒሳ ኢሎማ
ኩሎም ተሳሂሎማ
እዝኒ ኣጽሚማ
ንኩሉ ለካኪማ
ግደፊ ኢሎማ
ቀደም ነጊሮማ
ኣናህብ ገዲፎማ
ሃመማ ዓሲሎማ
ስእለ
May 2, 2019 5:17 PM
148.184.174.61
እቲ ትማሊ፣
ዝደፈረ ክብረይ
ዝገሰመ ዓይነይ
ዝሃረመ ዝባነይ
ብራኣዩ ስምዑለይ
ክርኢ ሕሰመይ
ከመይ ኢሉ ሎሚ ይብለኒ ዝሓወይ?

ዘደንጹ 'ዩ ዘገርም
ክትሰምዖ ዘስደምም
ዘሐርቕ ዘርምም

ወይ ጉድ!

ኣብ መሬተይ ኮፍ ኢሉ
ዋልትኡ ገቲሩ
ንሕጊ እምቢ 'ሉ
ይብል ከይሓፈረ ዶባት ይራሓዉ!

ደምበታት ከፊቱ
ኣብ በረኻ ዓዱ
ከዐቢ እቶቱ
ዘጽነተ መንእሰይ
ከይሃንጽ ሃገረይ
ይብለና ገበን ረሱዑለይ?

እዝስ ንበይኑ 'ዩ!
ኣስሓኮ ዘይብሉ
ክፉእ መጋብሩ
ዝመቓቕል ህዝቡ
ከይሓብሩ ከይሰምሩ

ወያነስ
ዕድሚኡ ድኣ ትሕጸር
እዚ እሾኽ መርገም
ናይ ዘመና ፈገር
ዓሚጹ ዝድረር
ፈጺሙ ዘይእረም
ስእለ
Apr 29, 2019 6:58 PM
148.184.174.61
ኣይትተንኩፉለይ፣
ነዛ ብርሃን ዓይነይ
ሓበነይ ኲርዓተይ
ኤርትራ ሃገረይ

ንሳ ክብሪ - ንሳ ፍቕሪ
ኦክስጂን ትንፋስ ሓይሊ

ንሳ ጽሓይ - ንሳ ዓይኒ
ሓበን ሓፋሽ ዘይተጓኒ

ጽላል ዳዕሮ - ድኾን ንህቢ
መንነተይ ተዂርዓኒ

ያዕ በሉላ እቲ ጠላም
መንደልሓቒ በሰር ሕማም
ዑሱብ ወይጦ ቁራጽ ሰይጣን
ጸረ-ሃገር ዕዉር ጠምባር...

ልደታ'ዩ ዘሙሩላ
ንዕብየታ ነቲ ክብራ
ንሓድነት ነቲ ሕብራ
ንጽንዓታ ነቲ ሓይላ
ንትብዓታ ንሰላማ...
ስእለ
Apr 29, 2019 1:15 PM
148.184.174.61
ወስላቲ ጸላእኩ -'ቲ ዘይእመን 
ኩሉ ንጥፈታቱ - ጸረ-ሃገር 
ዘይውርዚ እናሻዕ ዝጽለል 

ትዕቢተኛ - ሰነፍ መውደልደሊ
ፍቱሕ ስረ - ዝዓርቦ ክሓሚ
ፈታው ንዋይ - ናይ ምዕባለ ሓጒሊ

ዝዓወነ - ዓሚ ቅድሚ ዓሚ
ህሩፍ ስልጣን - ታሪኹ ዘይመሚ
ብቑሩብ ቁራቦ - ዝብል ልኣኹኒ

ሉኡኽ ጥፍኣት - ነውራም መታለሊ
ትዕቢተኛ - መን ከማይ በሃሊ
ምስ ኣትማን  ወጊኑ - ዝብል ስዓቡኒ

ዝጸልመቶ - ጽሓይ ከላ ቀትሪ
ናይ ሰብ ረብሓ - ወኪል ኣማኻሪ
ኩሉ ጻዕሩ - ኤርትራ ክትደሚ
ዘይምነ - ክትዕምብብ ክትፈሪ

ኣቕልቡሉ - ሰራም'ዩ መሰሪ
ዘራኸሰ - ታሪኽ ኩሩዕ ህዝቢ
ፎ በልዎ - ኣይግቦኦን ክብሪ
ግርማይ
Apr 27, 2019 9:12 PM
37.107.188.120
ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ
በዓል መን እዮም ዝጠከሙ
በዓል መን እዮም ዝሃደሙ
ከም ጹሉላት ኣኽላብ ዝነብሑ
ከም ኣዛብእ ኡንጉይ ኡንጉይ ዝብሉ ዘለዉ
መብጽዓ ጠሊሞም ኣብ ፍርቂ መንገዲ ዝተሰወሩ
ሕፍር ከይበሉ ብድሕሪ መስኮት ክዕወቱ ዝሓልሙ

ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ
ባዓል መንእዮም ዝጠለሙ
ባዓል መን እዮም ዝሃደሙ
ከም ዝብኢ ኡንጉይ ኡንጉይ ዝብሉ ዘለዉ
ኤርትራ ሃገረይ ኣለዉኺ ጀጋኑ
ዝከላኸሉልኪ ዝሃንጹኺ
ኔው በልዮ ባዕዲ
እዚ ረማሲ ዝኸውን ሓሳዊ
ኣንቱም ጠለምቲ ይኣክል ጥልመትኩም
ኣብ ሑጻ ኣይሕፈስን ስርናይ
ኣብ ወጻኢ ኮንካ ኣይስራሕን ቅያ
ይኣክል ንመደናገርቲ
ይኣክል ንጠለምቲ
ተናስሑ ካብ ሓጥያትኩም 
ሎሚ እያ ኣታማዓልቲ
ብዝወጻእክምዎ ከይትበልዩ ከም ጠይቂ
ስእለ
Apr 25, 2019 1:39 PM
148.184.174.62
እዞም ኣኽላባት፣
ይነብሑ ድዮም ዘለዉ የእዉዩ
የላግጹ ወይስ ይበኽዩ
መዓስ'ዮም ዝዓብዩ ዝውርዝዩ
'ቲ ቕኑዕ መንገዲ ዘለልዩ
ንጠቕሚ ሃገርን ህዝብን ዝዓዩ?

ንሕና ንእክብ ንሓዋውስ
ነቲ ቀዳድ ንሽቅጥ ንፍውስ
ንዕብየትና ንሓስብ ንግስግስ

እንተ
በዓል ዕደ ብድሕሪት የፍርሱ
"ይኣክል" ይብሉ ጸገም የካውሱ
ምስቲ ኣባይ ኮይኖም ይናኸሱ
ኣብ ክንዲ ዝስጉሙ ይሕንክሱ

ድኻታት ኣእምሮ ዝጠፈሹ
ታሪኽ ኲሩዕ ህዝቢ ዘራኽሱ
ካብ ከልቢ ካብ ድሙ ዘይሕሹ
ብስንቂ ምጽወታ ዝኸረሹ

ተስፋ ኣልቦ ብደዎም ዝሞቱ
ዑሩባት ሕልና ዝሃውተቱ
ሓተላ 'ቲ ጽራይ ዝኸርደዱ
ካብ ሩሑቕ ካብ ማዕዶ ዝሽትቱ
ክብሪ መንነቶም ዝኸሓዱ
ሉኡኻት ወያነ ድሙ ሙጹ
ስእለ
Apr 15, 2019 2:39 AM
173.73.28.168
Dear Dehai Admin; Thank you for the platform you providing me to express my thoughts. In the mean time I would like to ask you a big favor that ALWAYS to post my latest EDITED poem/comment ONLY. Any other similar poems posted previously should be discarded/or ignored. I appreciated your help ስእለ
ስእለ
Apr 15, 2019 2:27 AM
173.73.28.168
ኣሕሕ!
ስለምንታይ ኩሉ ይመዉት?
እዝስ ኣይፍትሕን ፍርዲ ዕሙት!

ዋላ፡
እቲ ለባም እቲ ጥይት
እቲ መጽሓፍ እቲ ዳዊት
እቲ ጎብለል እቲ ዕዉት
እቲ ብርሃን እቲ ክርቢት
እቲ ሞተር እቲ ዕፍሪት
እቲ ፍቕሪ እቲ ስኒት
እቲ መምህር እቲ ህርኩት
እቲ ንህቢ መዓር ዝህብ...
ይመውት?

እዋእ!

ዋላ፡
እቲ ደራሲ ዘመስከረ
ፈታው ሃገር ተጋደለ
ወርቂ ጥማዕ ጎይታ ስራሕ
ፍልጠት ሩባ 'ቲ ዝቕዳሕ 
ወዲ ኤረይ፡
ኵርዓት ትማል፣ ሎሚ፣ ጽባሕ...
ተኪአ በየነ ዘይራባሕ
ይመዉት?

Thank you for your service, and for the great books (ሶፍያ & ካብ ሪቕ-ሕፍንቲ) you gave us.
R.I.P.
ስእለ
Apr 11, 2019 6:57 PM
148.184.174.61
እቶም ዝዓጠሩ - ቆልመጽመጽ ዝበሉ
ንፍትሒ ረጊጾም - ህዝቢ ዝበደሉ
ብቑሩብ ቁራቦ - ክንልኣኹ ዝብሉ
ንዂናት ዕግርግር ሰንዓ ዝወዓሉ
ብዓሎቕ ብሸፈጥ - ንብረት ዝገበሩ
ንድሕረት ድኽነት - ሃገር ዝሸመሙ...
በሪሶም ጠፊኦም - ግዝይኦም ኣኽቲሙ
ሰብ መትከል ሲዒሮም - ዓለም ተገሪሙ
ዑፍ ሰላም ሰፈራ ኣብ ኣስመራ ኮይኑ
ዘየቋርጽ ደወል ዓዲ ሃሎ ሃጽሚሙ

ቪቫ ኤርትራ!
ኣምባቢ
Apr 9, 2019 11:11 PM
172.58.43.163
ፈቅል ዝዋዓልካ
ናይ ትማል ተዘክሮካ
ሓመድ ከይለበስካ
ኣብቅድሚ ዓይንካ

ንጋኖት ክዕደል ባሕርካ
ደቂስካ ዋላስ ኣሳፊሕካ
ንከንቱ ድዩ ዛርዩ ደምካ
ነዚ ድዩ ሰንኪሉ ኣካልካ

ብዝ ኣመንካዮ ተጠሊምካ
ክልተ ሞት ተፈሪድካ
ገለ ግበር ከይደንጎካ
ኦሮማይ ከይከውን ዝክርካ
ስእለ
Apr 9, 2019 12:58 PM
148.184.174.62
ሳላ ትዊተር ሳላ ፈይስቡክ ...
ወረ በዚሑ ሓንጎል ዘናውጽ
መእሰሪ-ኣልቦ የዋህ ዝርብጽ

ካበይ ነቒሉ መን'ዩ ኢልዎ
ሑሙም ድዩ ጥዑይ ኣቃሊሕዎ
ምጽራይ የለን ኩሉ ይደግሞ

እንተሓተትካ ብዓቕሊ ህድኣት
እንተመርመርካ ትሕዝቶ ቃላት
መደናገሪ ወረ ሕሱራት
ሓሻሺ ግዜ ዘይብሉ ብቕዓት

ስለዚ
ተርባጽ ግደፉ ዓቕሊ ኣጥርዩ
ሕቶ ሕተቱ ልቢ ኣዕብዩ
ምስ ዝሃውተቱ ኣይትፋጽዩ
ስእለ
Apr 5, 2019 2:37 PM
148.184.174.62
እርምያስ/ነብሲ፣

ብድሕሬኻ፡
ስምካ ተላዒሉ - ደሚቑ ከቢሩ
ዓብዪ ዕሸሉ - እርምያስ ኢሉ
ኩሉ ሰብ ሓዚኑ - ነቢዑ ቃዚኑ
ሓቲቱ፣
ስለምንታይ ኢሉ?

እቲ ዝዓበኻሉ - ልውሃት ዘርኣኻሉ
ማእከሉ ወሰኑ - ጸሊም ዝነብረሉ
ካብ ልቢ - ነቢዑሓዚኑ!

እቲ ዝፈልጠካ - ዓርክኻ ሓውኻ
ድኻ መሓዛኻ - ጐረቤት ገዛኻ
ኤርትራዊ ሰብካ - ሎስ ኣንጀለስ ከተማኻ
ዝሰመዐ ሞትካ - ሃንደበት ምኻድካ ...

ሽምዓ ኣብሪሁልካ - ዘኪሩ ተግባርካ
ጸሎት ኣዕሪጉልካ - ክምሕር ነብስኻ
ኣብ ሙሉእ ኣመሪካ - ኤርትራ ሃገርካ

Rest in Peace!!
ስእለ
Apr 3, 2019 6:42 PM
148.184.174.62
እዛ ቀጠር ዝብልዋ
እንታይ'ዩ ጸገማ
ትምጠጥ ልዕሊ ዓቕማ
ንመን 'ያ ኣሚና?

ሓይላ ድዩ ቅልጽማ
ትዕቢት ሰርኒቕዋ
ወይስ ሃብቲ ኣዕሽይዋ
ዝርብጻ ዘሎ ዘቕለውልዋ?

ብዛዕባ ሃገር ኤርትራ - ባሕሪ ተሳጊራ
ወጠምጠም ዘብላ - እንታይ'ዩ ሽግራ?

"እዘን እንቃዓ መሸላ ዘይውድኣ ይመስላ"

እዘን ፎሲል ዒላኺ - ትሕዝቶ ሃብትኺ
ክውድኣ'የን ክነጽፋ - ተቐዲሐን ናብ ዕዳጋ
ኣውዕልየን ኣብ ፍቕሪ ሸመታ - ኣየድልን ክትዕድጊ ቂምታ
 
ተወከሲ ቅድሜኺ ዝፈተና
ቀንጠብጠብ ዝበላ 
ኤርትራ ክብድላ
እንታይ ከም ዝኾና?

እንተ በሽር ጒሒላ 
ጐይታ ብልሽውና
ወርትግ ኣብ ታኼላ
ልኡኽ ናይተን ዝዓንተራ
ብሃይማኖር ገንዘብ ዝምዉላ

ቱርኪ ኦርዴጋን
ኩሉ ግዜ ኣብ ዕብዳን
ዝረኣዮ ሓይሊ ናይ ኦቶማን
ዘይከኣሎ ኣውሮጳዊ ምኳን
ዝባህረረ ብሓይሊ ኩርዲስታን
ኣበይ ንምብጻሕ'ዩ ብኤርትራ ምምካር?
ስእለ
Apr 1, 2019 2:48 PM
148.184.174.62
ሂወት ሓጻር ‘ያ - ክበሃል ሰሚዐ
ብዓይነይ’ውን ሪአ - ሂወት ተመንዝዐ

‘ቲ በሊሕ ምስ ሞተ - ዓለም ዝለወጠ
‘ቲ ጅግና ምስ ከደ - ንኣባይ ዘርዓደ
ህጻን ምስ ተገንዘ - ሓንቲ ዘይኣበሰ
ምልዮናት ምስ ሞቱ - ዕድመ ዘይጸገቡ
ኣሚነ - ሂወት ሓጻር’ያ ኢለ!
ኢርምያስ (ነብሲ) ሓደ ካብ ኦም ምስ ኮነ 

ነብሲ እርምያስ ኣስጎዶም ይምሓር!
ጽንዓት ንስድራ ቤትን ፈተውትን ይሃብ!
ስእለ
Mar 28, 2019 7:12 PM
148.184.174.61
ኣጣቑዑላ እልል በሉላ
ባቡር ሓላላት ትሕምበብ ኣላ
ኣብ ሓዲድ ስራሕ ሰላም ዓቲራ

ኩሉ ክትበጽሖ ናይ ትማል ሕልማ
ጉዕዞ ምዕባለ ብመስመር ሓራ
ነብሳ ክትክእል ክዓቢ እንጀራ
ስእለ
Mar 28, 2019 5:49 PM
148.184.174.61
"ስራሕ ዝሰኣና ኣእዳው፣ ሰይጣን ስራሕ ይፈጥረለን"
ተባሂሉ ብወልዲ ቀደም
ዘስተውዓሉ ስእነት ስራሕ ጸገም

ኣብ ከባቢና ሩሑቕ ገደቦ
ኣብ ሾሻል ሚድያ ኩሉ ዝሃቦ
ዓጀውጆው ይብሉ ይግዕሩ ካዕቦ

ኣብ ክንዲ ምሕሳብ ህድእ ኢልካ
ንሎሚ ጽባሕ ዕብየት ዝበካ
የጋውሑ ጸገም ዘይብሉ ጣቋ

ERi-TV, Eritrea - ጸብጻብ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዋዕላ ደቡብ ኮርያ አፍሪቃ | Reportage on President Isaias Afwerki's visit to South Korea for the South Korea-Africa Summit, held from June 3-4

Dehai Events