Dehai Message Board (DMB)

MIK
Sep 15, 2019 4:59 PM
72.80.221.131

Suggestion

Pictures of the City of Keren (courtesy of G. Musa) show that most of the residences of the city are built on the planes while the hills are empty. My suggestion is that the city strive to make the hills parks. Plant on them indigenous trees and plants and others that make them attractive, and voila, you have an even more lovely city!

ስእለ
Sep 13, 2019 4:44 PM
148.184.174.61
ጒዳም ጻህያይ!

ዋላኻ ሽዕበት - ባዕኸል ግራትና
ጻህያይ ኣብቊሉ ኣሸጊሩና
ዓፈል ኳዂቶ ተጻቢኡና
ዕንቅፋት ኮይኑ ንምዕብልና
 ኣጓናዲቡ ዕጽፊ እቶትና

ሚሒኻ ኣይጸሪ ኣንዲድካ ሓዊ
'ተረግመ እሾኽ ጒልሕንጣ እኽሊ
ዘይዕዱም ጻህያይ መደናገሪ
ወጠምጠም ይብል ነብሱ ከላሊ
ስርናይ ቀቲሉስ ንሱ ክፈሪ 
ስእለ
Sep 12, 2019 2:54 PM
148.184.174.61
ዘኪረ፣
ትማሊ 'ቲ ብቕትማሊ
ጸልማት ከሎ ሽግር ሓንሳብ ዘየብሪ
ሕማም፣ ጥምየት፣ ጽምኢ፣ ሂወት መንጣሊ
ከልበትበት፣ ሸገርገርር ላዕሊ ታሕቲ
ወርትግ ስደት ኲናት ማእሰርቲ

ሎሚ ግን፣
ታሪኽ ኰይኑ በቒዐ ከማዕዱ መጻኢ
ጽቡቕ ኤርትራ ምስ ህዝበይ ክርኢ
ዋርሳይ ይከኣሎ ዝሃነጾ ዲጋ፣ ሓጽቢ...
 መሰረት ምዕባለ ንራህዋ መንጠሪ 

እወ ረኣዩ'ዶ 'ቲ ሩሑቕ ቀረባ
ጽርግያ ኣትይዎ ዓድና
ጽሩይ ማይ ክንሰቲ ጀሚርና
ሕክምና ትምሀርቲ ኰይኑ ጥቓና
ጸልማት ሃዲሙ ልቺ ኣትዩልና

ገረብ ጨብጪቡ ኣምሊሱ ዱርና
'ቲ ሓመድ ማይና ተዓቂቡልና
እቶት በርኪቱ መሊኡ ኢድና

ስእለ
Sep 6, 2019 1:08 PM
108.48.36.125
ሽመት ንዝሰርሑ፣ ሞሳ ንዝለፍዑ

ሰብ ብብቕዓቱ
ብኣተሓሳስባ ንቕሓቱ
ሰብኣውነት ሓልየቱ
ተወፋይነቱ...
ዘለዎ ንህዝቡ ሃገሩ
ንመሰሉ ክብሩ
ሪኢኻ፡
ክሽየም ክምደብ
ሓላፍነት ክርከብ
ይግብእ

ስለ ዝኾነ
ኣብቲ ጸልማት እዋን
ዋግ ዋጎ ብርሃን
ምስ ሃገራ ህዝባ
ብጾት መቓልስታ
ዝመከተት ንኺሳ
ሶፍያ'ያ ኣምበሳ

Congratulations Sophia, and the best of luck!
ስእለ
Sep 5, 2019 4:57 PM
148.184.174.62
 ኣንታ 'ዞም ተጋሩ እንታይ ጉዶም
ኣይድሓንን ሃተፍተፍ ኣብዚሖም
ብኢቦላ ወይስ ብሕማም ኣእምሮ ተለኺፎም?

ዘሐፍር'ዩ ክትሰምዖ ዘደንጹ
ኲርኳሕ እዝኒ ታሪኽ ናይ ኣናጹ
ደላይ ሓቂ ርእሱ ዘናውጹ

ክንዲ ሰላም ንሓቅነት ምግጣም
ጌጋታትካ ብትብዓት ምእራም
እንታይ ኣምጽኦ ንታሪኽ ምጥማም?

ዘይዉርዙያት ትብዓት ዝሰኣኑ
ሰብ ቅጥፈት ንሓሶት ዝርዕሙ
ካብ መዓስ'ዩ ትግራዋይ ኤርትራዊ ኮይኑ?

ሃገራት ኣፍሪቃ ከመይ ድየን ቆይመን
መግዛእታዊ ባዕዲ'ዶ ኣይኮነን እግረን ሱረን
ብቛንቋ ብዓሌት መዓስ ተኸሊለን

በጃኹም ተጋሩ ኣእምሮ ግበሩ
እቲ ቁኑዕ ታሪኽ ተማሃሩ
ዘየድሊ ጸገም ኣይትፍጠሩ

ንሰላም ንራህዋ ኢድኩም ሃቡ
መሬት ኤርትራ ግልል በሉ
ብሕጊ ብስርዓት ተማእዘኑ

ዘየድሊ ጓል ነገር ኣይትፍሓሩ
ትንዕቑና ኢኹም ኣይትበሉ
ዘንዕቕ ስራሕ ደው ኣብሉ

መንገዲ ጥፍኣት ኣይትህለሉ
ይኣክል ትማሊ ዘክሩ
እቲ ዕንወት መዘዙ ሳዕቤኑ  
ኣምባቢ
Sep 2, 2019 6:42 PM
172.58.46.163
ስእለ ዝዛረብ ማንቲለ
ንምሕሳው ነዊሕ ዝኮልለ

ዝዛረብ ዘይተገብረ
ህዝቢ እንዳማረረ
ንሱ ሓሶት ዝግዕረ
ትሕዝቶ ዘይብሉ ዕረ
ኣብኩሉ ከምዘይተሳዕረ

ስእለ ኣቦ ሓሶት ምድንጋር
ዝለመደ ገበን ምግባር

ናይ ፎዝያ ውዕሎ ዘይትዛረብ
ካብ ናይ ስብሓት ሓሶት ትዛረብ

መደናገሪ ሙካን ዝመረጸ
ቦታካ ሓዝ ፍትሒ ከይመጸ

ስእለ በላዕ ስጋ ሰብ
ዘይቅበል ዝብሎ ዓገብ

ብትውልዱ ኣዝዩ ዝሳቀ
ሰብ ዝቀትል እንዳሰሓቀ

ስእለ የማናይ ኢዱ
ን በዳሊ ዘማዓዱ

ሰዓትካ ኣኪላ
ክሳድካ ተመንጢላ
ክትቅንጠብ ኢላ
መጺኣ ኮሊላ ኮሊላ
ገበንካ ገናጺላ
J Studio ትመጸካ ኣላ
MIK
Sep 1, 2019 7:38 PM
72.80.221.189

The the self-proclaimed experts will never get to the lofty goals they claim to be furthering if they continue to look at situations from their country's hegemonic interest of the world. Take the several recent articles on Eritrea-Ethiopia peace, especially the one by USIP--an organization claiming to be interested in world peace--for example. It is mostly rubbish! They could have done better if they examined the objective situation in the Horn of Africa from the point of view and interest of its citizens, especially that of Eritreans and Ethiopians.

They should also not write their speculations about what the leaders are thinking or aiming as facts . No matter how much educated and experienced these "experts" are, they will very likely misread and misinterpret the actions and pronouncements of leaders and events out of context. Understanding and interpreting objective situations requires expertise--sensing, knowing, understanding, feeling, . . .--virtually being the concerned society! That what these "experts" lack! Furthermore, no analysis is complete unless they take into account the role the politicians in the "experts'" homeland have played and continue to play in complicating and exacerbating (not to mention creating) conflicts. Let's ask what happened twenty years ago and in the following years that turned the TPLF into the monster that it has become today.

They most their publications will do is hurt the chances that peace will reign by continuing the harmful narratives that justify wrong and arrogant policies. Maybe it is all about the funds the organizations earn and the points that the experts can list on their curriculum vitae!

It all means that we should continue to be vigilant. We shall prevail, though!

ስእለ
Aug 29, 2019 9:35 PM
108.48.36.125
ፍረ መሮር ዝብላዕ ቀሪፍካ
ሙኡዝ ጣዕሙ ምስ ኣተወ ኣብ ኣፍካ

በሲሉ ብጎጎም ብጉዑ
ጥብ ምስ በለ 
ሓንሳብ ናብ ባይትኡ
ብንፋስ ድዩ ብሰብ ተደፊኡ
ኣይምለስን ናብ ላዕሊ ቦትኡ

ወዲቚ'ዩ ኮይንዎ ጸዲፉ
ወይ ክብላዕ ክጓሓፍ ብስቢሱ

ስለዚ

ወይን ፍጮ - ዑቡይ ጸቢብ ርእሲ
ኣይትረብሽ ስቕ ኢልካ ኣይትፋጺ
ኣኺሉ'ዩ ወዲቕካ ካብ ናሕሲ
ምምላስ የለን ናብ ስልጣን ናብ ኵርሲ

ሰላም ግበር  ህዝቢ ኣይተሳቒ
ኳና ታሪኽ ኣይትምሃዝ መሕብኢ
ጽውጽዋይ ዕግርግር ዘሳሲ
መጥፊኢኻ ዘይብሉ ደጋፊ
ስእለ
Aug 13, 2019 2:20 PM
148.184.174.61
ዮሃና! 
'ቲ ጅግና ሓውዩልና

እቲ ኣርሓ ደንደን ዝደበለ
ጅግና ሃገር ባዕዲ ዝሰዓረ
ሕቜ 'ቲ ከዳሚ ትማል ዝሰበረ
ጎይታ ጽንዓት ኤረና ዝበለ
ዓይኒ ምራን ብትብዓት ዝልለ
ስብሓት ኤፍረም ሓደ ካብ ጎምበለ
ተመሊሱ ጥዕዩ እነሀለ
ክቕጽሎ ናይ ሃገር ምዕባለ 
ቅርጸት ንዉዱቓት ዕረ ዝመረረ  

ተንኮል ቅንኢ ናይ ዕብየት ሞጀለ
ድሙ ሙጹ ፍቱሓት ሰብ ስረ
ኢድኩም ሃቡ ሸርሒ ካብ ፈሸለ
ስእለ
Aug 8, 2019 4:19 PM
148.184.174.61
ሞት ጨካን ቆሚዳ
ዓይኒ ኣንቊሪ ደረቕ ኣይግዳዳ
ዳኛ-ኣልቦ ዘይትዳነ ሽፍታ
ዘይትንሕፍ ናይ ፍጡራት ዕዳ
ብዘይ ፍቓድ ትወስድ ዘሚታ
መጻኹ ዘይብሉ ብሰላሕታ

ተሓተቲ እንታይ'ዩ ረብሓኺ
ጅግና፣ ህጻን... ኣብ ሓመድ ተብለኺ?

ሞት
ጊዴኺ'ዶ ሙቲ
ፈትንዮ ከዐርፍ ግዳይኪ
ይኣኽለኪ ክንደይ ዘይጽነትኪ
ስእለ
Aug 5, 2019 11:13 PM
108.48.36.125
ኣየ መሪሕ ኣየ ህዝቢ
ስሙር ቅልጽም ቆፎ ንህቢ
ጎይታ ስራሕ ስሓብ ቀልቢ

'ቲ ሓድነት 'ቲ ስምረትካ
እቲ ራኢ 'ቲ ጽንዓትካ
የሰራስር የዂርዓካ

ሸርሒ ዓመጽ እቲ ቀውጢ
'ቲ ኸበባ ብጸላእቲ
ትብጥሶ በብሓንቲ

ዘይትርበሽ ሙሉእ ዓቕሉ
ስራሕ ቅያ ብቕልጽሙ
ኣብ ኤርትራ ንሃገሩ

ንበር ክበር መን ከማኻ
ተመን ገበል ዝድሃኽካ
ጽላል ሃገር ዋልታ ኢኻ

ኣብቲ ጎልጎል ኣብቲ ሳዋ
እቲ ትልሚ 'ቲ ዕላማ
እቲ ጉዕዞ ‘ቲ ጎደና
ኣርኢኻና መጻኢና
ተሓቢንና ደስ ኢሉና
ስእለ
Jul 30, 2019 4:40 PM
148.184.174.61
ሰብ ብመንፋዓቱ
ኣተሓሳስባ ብቕዓቱ
ሰብኣውነት ሓልየቱ
ተበጃውነቱ...
ንሃገሩ ህዝቡ

ሪኢኻ
ክሽየም ክመርሕ
ዕድሉ ክሰፍሕ
ማሕረ'ዩ ዘሐጒስ
ንኹሉ ዘርብሕ

ስለዚ
እዚ ኣይትስሓቱ
ዜጋ ይሕጐስ
እዝጊ'ውን ይፈቱ! 
ስእለ
Jul 25, 2019 4:26 PM
148.184.174.62
ጻጸ

ጻዕራም ዝደቐቐ
ካብ ለመምታ ሓደ
ብስኒት ዝጓሰ

ኣብነት ሓኾተ
ጻዕረኛ ዘይህከ
ብመስርዕ ዝታተ

ንዓመታ ሎሚ
ከይሽገር ከይጠሚ
ይደክም ክኣሪ

መንገዱ ዘይዕውን
ንብላሽ ዘይዛውን
ኣብ ዓቕሙ ዝኣመን

ሓድነት መልክዑ
ብሓባር ናብርኡ
ዝፈልጥ ስርሑ

ብጠባዩ ጻዕሩ
ኩሉ መጋብሩ
ቊርጽ ቅምጥ ኢሉ
ኤርትራዊ ባህሩ

isaac
Jul 22, 2019 11:02 PM
99.113.197.165

the lifting economic sanctions

The Economic sanction imposed on Eritrea based on fabricated lies finally hit bottom rocks of the truth now it crumbling terribly. We Eritreans knew one-day seeds truth will sprout forcibly. Those who concocted will be engulfed by their shameful devilish acts. We still witness that that rise Eritrea thrives with unequivocal determinations and purposefulness. We determined our success reflect the visions and missions of our fallen heroes'. No mountain is stronger, and no ocean deeper to deny us from achieving our short and long agendas. Today's lifting economic sanctions is a victory to the Eritrean gov. and the people.

Awet Nihafesh
zelalemawi zekri Nisewatana

ስእለ
Jul 15, 2019 7:12 PM
148.184.174.62
ዮሃና በሉ
ወዲ ኤረይ ኣብ መድረኽ ተሰቒሉ
ወዲ ሓላል ዘየዕብር ቃሉ

እልልል በሉ
ወዲ ኤረይ መጭነቕ ተባሂሉ
ንብዙሓት ልቦም ኣዕወልዊሉ

ኣሰና ንበል
ተዓዊቱ ናትናኤል ጎብለል
ኣስምዩና ኣብ መላእ ዓለም

ኣገናዕ በልዎ
'ዚ ሃብሮም ደግፍዎ
ከኾብ'ዩ ረኣይዎ

ዘልኣለም ይምበር
ኤርትራ ዘስመየ ዓንተር
ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ
ኣብ ዓቐብ ጎልጎል
ስእለ
Jul 7, 2019 1:09 PM
108.48.36.125
ናቱ ጸሊም ኮኾብ
ኤርትራዊ መኽሰብ
ርኣይዎ ክሕምበብ

ኣብ ቱር.ዲ.ፍራንስ
ቁልቁለት ዓቐበት
ጎላጕል ዘይጥመት

ኵርዓት'ዩ ሓበን
ኣፍረቃዊ ጎብለል
ሪኢኻ ዝእመን

ንሃገሩ ክብረት
ንውልቃዊ ዕብየት
በልዎ ተዓወት
ጅግና'ዩ ኣብነት
ስእለ
Jul 7, 2019 4:01 AM
108.48.36.125
የቐንየልና ሳዋ!

መዲና ሓድነት
ናይ ፍቕሪ ተምሳሌት
ዘምሃርኪ ደቅና
ንስልጣኔ ዕብየት

ግራሰያስ/gracias ሳዋ!

ንኹሉ ኣሕቢርኪ
ኣምሂርኪ ኣዕጢቕኪ
ኤርትራ ኣውሒስኪ

ታንክዩ/thank you ሳዋ!

ዕላማኺ ሃሪሙ
ዓወት ጋህዲ ኮይኑ
ዓለም ኣዛሪቡ

ዓማጺ ወስላቲ
ሰነፍ መንደልሓቒ
ደኒኑ ኣብ እግርኺ

ሽኵረን/shukraan ሳዋ!

ሩሑቕ ዘማዕደኺ
መጻኢ ዘንበብኪ
ሸርሒ ዝረታዕኪ
ኵርዓት ሃገር ኢኺ
isaac tekle
Jun 26, 2019 5:25 AM
99.113.197.165

San Diego short report

Eritrean Martyrs’ in San Diego

On commemorating of our martyrs’ day, the Eritreans community living in San Diego its environs come in a large number to candle vigil observance our fallen heroes on 06/20/2019. These Eritreans came to honor to uphold the courageous of heroic legacy. They have sent strong messages the light which button passed will be carried forever and will be brighter than ever. Parents, young men and women, and children attended this commemorating event. This year like other past years we contributed and pledged to help the fallen heroes’ families, and it is our sheer responsibility. We have great honor and respect for those who paid the ultimate sacrifices with no kind of mental hesitancies, those who gave us our freedom and liberty memories treasured and cherish in every Eritrean soul’s.
Long live the memory of our fallen heroes
Everlasting glory to our martyrs to

ስእለ
Jun 20, 2019 5:30 PM
148.184.174.61
ስጋ ኣደይ - ስጋ ኣቦይ
ስጋ ‘ቲ ኣባ-ሓጎይ
በቲ ገዳም ዓደይ
‘ቲ ዝፈትዎ ዓርከይ
እዝግኣብሄር ኣቦይ
ምምሓል ገዲፈዮ
ብስዉኣት ተኪአዮ

‘ቲ ስሞም ከልዕሎ
ከድምጾ ክደግሞ
ኵርዓት ይፈጥረለይ
ይሃድእ መንፈሰይ

ቡጹኣን'ዮም ንሶም
ዝፈጸሙ ሕድሮም
ዓወት ንሓፋሽ! - ብዓውታ ኣድሚጾም
MIK
Jun 20, 2019 4:15 PM
72.80.224.34

Irrevesible Commitment

Our martyrs fell for an irreversible agenda--that of the independence and sovereignty of Eritrea. Their martyrdom is to be honored and remembered forever!

The people of Eritrea have shown in practice, again and again, that they will not fall for the lies, trickery and betrayal of the few who are sponsored by the Weyane and neocolonialists. Our country is for our people--the inheritors of the land of our martyrs, for their well-being and their prosperity! Our people have shown the betrayers that Eritrea will not be a land where the wills of colonialists, but the wills of its people will be practiced!

CHIWA HIZBI ERITREA!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!


ERi-TV, Eritrea - ጸብጻብ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዋዕላ ደቡብ ኮርያ አፍሪቃ | Reportage on President Isaias Afwerki's visit to South Korea for the South Korea-Africa Summit, held from June 3-4

Dehai Events