Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Jun 20, 2019 2:37 PM
148.184.174.61
ስጋ ኣደይ - ስጋ ኣቦይ
ስጋ ኣባሓጎይ
በቲ ገዳም ዓደይ
‘ቲ ዝፈትዎ ዓርከይ
እዝግኣብሄር ኣቦይ
ምምሓል ገዲፈዮ
ብስዉኣት ተኪአዮ

‘ቲ ስሞም ከልዕሎ
ከድምጾ ክደግሞ
ኵርዓት ይፈጥረለይ
ይሃድእ መንፈሰይ

ቡጹኣንዮም'ዮም ንሶም
ዝፈጸሙ ሕድሮም
"ዓወት ንሓፋሽ" ብዓውታ ኣድሚጾም!
ስእለ
Jun 19, 2019 4:40 PM
148.184.174.62
ስዉኣት!

ዘይትርስዑ!

'ቲ ጸልማት ዘውጋሕኩም
'ቲ ዓመጽ ዘልገስኩም
መግዛእቲ ዘሕጸርኩም
ሰብ ቅያ ንስኹም

ሃገር ዝፈጠርኩም
ኤረይ ዝደኮንኩም
'ቲ ክብራ ዘውሓስኩም
እወ እስኹም ብደምኩም!

ትዝከሩ'ምበር!

ኣሕዋት ኣያታተይ
ዓበይቲ ኣቦታተይ
ጀጋኑ ኣዴታተይ
ጎራዙ ኣሓተይ
'ታ ርሕኩም ዝሃብኩም
ንዓይ ንህዝብኹም
ክንኮርዕ ድሕሬኹም
ሰብ መትከል እስኹም!

ከመይ ዘይትዝከሩ!

ብጹኣን እንዲኹም
ምምባር ዘይሰሳዕኩም
ሂወት ዝመጠኹም
ንመሬት ባሕርኹም

ኣይርሳዕን
እቲ ጅግንነትኩም
ዝፈሰሰ ደምኩም
ቃንዛ በሰላኹም
ንኤርትራ ሃገርኩም
ንሓፋሽ ህዝብኹም
ይዝክር ውዕለትኩም
ብኹሉ ዜጋኹም

ዘይትርስዑ!
ትደምቁ'ምበር ትውልዑ
ጥዋፍ ኢኹም ዘይትጠፍኡ 
ክብሪ ነጻነትና ትድርዑ
ሰነድ ኢኹም ተዂርዑ
ሓቦ ጽንዓት ኒሕ ተዕጥቑ

ክብርን ሞጐስን ወርትግ ንዓኹም ንሰማእታት ይኹን!
Yonatan Solomon Russom
Jun 19, 2019 2:02 PM
172.58.84.69

A letter to the African intellectuals II ?

Most my life, I lived in the West and I want to school to learn and educate myself and I found out what I was learning was nothing but Theory and there was no application mathematics and now most kids are going to school to learn the same thing I learned and most African country also teaching mathematic the same way. little they know about mathematics that they have no idea why it is taught way the textbook prepared. Nobody has learned the history of mathematics. So how do we know that is the way it should be prepared or to be taught. I was not just living and learning in the schools and I really want to go to the bottom how the West has advanced in technology. Therefore I was questioning every single thing what I was learning and what the virtue of the teaching of mathematics were and to my surprise this is not what I was expecting to learn because artificial intelligence and the teaching of mathematics we're not the same 340 years ago and mathematic was very easy and simple in the past than today. Especially in Africa we just simply copying the textbook without knowing the history how the are prepared. How can we advance if you don't know the history. we need to teach it differently how it was 340 years ago.You don't want to learn mathematics for the sake of learning, it needs to be virtuous. If you have question you can email me at Yonatanmath03@gmail.com

ስእለ
Jun 18, 2019 9:16 PM
173.73.28.168
20 ሰነ

ሰማእታትና ንዘክሮም
‘ተሰዉኡ ንሃገሮም
ንኤርትራ ነታ ሪሞም
ነቲ ሓፋሽ ነቲ ህዝቦም

ክቡራት'ዮም ዝኸበሩ
'ታ ሂወቶም ዝገበሩ
ኤርትራ ክድኩኑ
ንድሕነታ ንኽትህሉ

ክብርታቶም ነዐንትሮ
እቲ ሕድሮም ኣይነዕብሮ
ንሓብሕቦ ንዘክሮ

ስዉእ ዘክር - ቀጥ በል ጽናዕ
ንመኸተ ኣይትማታእ
ብሓድነት ኣይትጣላዕ
ጉዕዞ ኤረይ ከይናጋዕ

ብሰማእታት ንምሓል - ሕድሮም ንምቕጻል!
Yonatan Solomon Russom
Jun 16, 2019 4:21 PM
65.207.22.2

A letter to the African intellectuals?

Who are you and where were you? People ask me how did you come here in the North Pole of cold place call it Minnesota, USA?

After they realize I'm not their kind that have skin color white, laughingly I answered them I got lost and they laugh it is true I never heard Minnesota USA before and once I got here I realized quickly how cold it was no matter how many layer of clothes you wear it is extremely cold place and my hand my feet my ear freezes quickly and my breath of my nose turns quickly to ice on my mustache. I wonder if I will be able to make it through this winter waiting for the bus when I go home or to go to work I could go or move someplace warmer state but how could I didn't even have enough money to movie and I was very poor man at first place. How did I end up here? Little do they know I am Eritrean who came from East Africa and my parents and I were slaves in our own land by foreigners. our parents were colonized by Italy and were slaves to the Italians and after the the colonization, we should been independent country like many colonized African but the Ethiopian decided to take us over by force because Eritrea was located in very strategic location and for another 30 years we had to fight and in the process we were killed tortured flee the country for being in Eritrean. I left Eritrea in 1982 it has been 37 years now during the Italian we were hanged in the street Eritrea and later pulled by rope using cars from 1890 until 1950s and it continued our suffering from 1960 until 1991 extreme kind of tortures by Ethiopian.

Thanks God Isaias Afeworki was born little they the Ethiopian, African, and other. God choose him to stop suffering anybody who come to harm Eritrea or Eritrean. He was born to save and stop suffering. He is very special person humble intelligence speak Arabic English Amharic many Eritrea languages between languages. Myself, I immigrated to the west while he was fighting to stop all the suffering. I am self-taught mathematician and able to write the history of mathematics, the application of mathematics and even about nuclear energy but who am I or who are you to talk, care, or question my leader, my hero. Where Have you been when Eritrean were dying, struggling fighting against this aggressor how ignorant are you to even question the person who stop the suffering of everything for the last hundred years most African intellectual are still slaves or servant of the West they don't even know where alphabets numbers come from. They don't even have their own alphabet and numbers. Let alone to speak about Eritrea. Don't even have any clue, let alone to speak about Eritrea. If you are really think that you are African intellectual, you better possesse artificial intelligence, then maybe then we can listen to you what you have to say otherwise be quite.

Eritrean mathematician
Yonatan Solomon Rusom

ስእለ
Jun 14, 2019 1:39 PM
148.184.174.61
ስዉኣት
ሳላ -
ደምኩም ዝኸዓኹም
ኣካል ዝጎደልኩም
ረሃጽኩም ዘፍሰስኩም
ዝሃብኩም ሂወትኩም
ኩሉ ዕድላትኩም...
ንኤረይ ህዝብኹም

ንነብር ኣለና
ኮሪዕና ከቢርና
ኤርትራውያን ኰና
ስምኩም እንዳልዓልና

መን ገሩ ከማኹም
ንሃገር ህዝብኹም
ምስጋና ይብጻሕኩም!

ስእለ
Jun 13, 2019 7:22 PM
148.184.174.62

ዝበለየ ጸለመ፣ ብሓደስቲ ዑሱባት ኣፍርቃውያን ከደምቲ ዝቐረበ ተዋስኦ እዩ። ይኹን'ምበር እዞም ኣብ ግዜ ዝተሳዕሩ ናይ ቀትሪ ኣዛብእ ኢዶምን እግሮምን ዓጺፎም ኮፍ ክብሉ ከም ዘይኮኑን፣ መልክዕ ቀይሮም ክህዉኹ ምኳኖምን መንግስቲ ኤርትራ ህዝብን ብእዋኑ ዝነቓሓሉ ጉዳይ 'ዩ።

ድሕሪ ናይ ሰላም ስምምዕ ምስ ኢትዮጵያ ናይ ብዙሓት ሃሱሳትን ዑሱባትን ዋጭዋጭ ኣብ ዋሽንግቶንን ኣውሮጳን ክንርእን ክንሰምዕን ጸኒሕና ኢና። ካብ ናይ ፈይስቡክ ባንከር ወጺኦም ናብ ናይ ተለቪዥን ሸለብ ገለብ ረኣዩና ስምዑና በጺሖም። መወልቱን ሃንደስቱን ድማ እቶም ናይ ትማልን ብቕትማልን ዑሉላት ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ እዮም።

ዕጥቂ ሓድነትናን መኸተናን ጥራሕ ኣይነዝልቕ።

ስእለ
Jun 11, 2019 1:51 AM
173.73.28.168
ክብርን፣ ሞጎስን ንሰማእታት ኤርትራ!

ሳላ ‘ታ ሓየት - ‘ቲ ስዉእ ጅግና
ክቡር ሂወቶም ዝመጠውልና
በጃይ በጃኹም ዝሓለፉልና
ሓዳስ ኤርትራ ዘድመቑ ስማ
ክብሪ ንዕኦም ሃሊና መይትና!

ሞዮኦም ዓብዪ
ተግባረ ነብዪ
ወርቂ ተዘካሪ

ዘይሃስስ ክብሪ
ዘልኣለም ነባሪ
ዝሓልፉ ንሃገር ህዝቢ
MIK
May 23, 2019 11:25 PM
72.80.223.203
Congratulations everyone! Happy Independence Day!!!!!!!!!!!!!!!
ስእለ
May 22, 2019 6:45 PM
148.184.174.62
ነጻነት ኩሉ'ያ ብኡነት
ክብሪ መንነት
ኲርዓት ዜግነት
ኤርትራውነት

እዛ ነጻነትና፡
መመሊሳ ትጽብቕ
ትዕምብብ ትደምቕ
ጽንዓት ተስፋ ተስንቕ

ወርትግ፡
ኣብ ውሽጥና ትበርቕ ትማሙቕ
ንኾነላ በጃ ከይትዓርቕ
ንሓልፈላ ካብ ቀረባ ሩሑቕ

ነጻነት ኢልና፡
ንስዉኣትና ንምርቕ
ብኦኦም ንኾርዕ
እንዳበለና ሕንቕንቕ
ዘይረኣይዋ ንደቒቕ

Happy 28th Independence Day Eritrea!
ስእለ
May 21, 2019 4:04 PM
148.184.174.61
ስምዕታ!

ኣይትተንኩፉለይ
ኤርትራ ሃገረይ
ሕሉበይ ንጽፈይ!

ንሳ'ያ፡
ኦክስጂን ትንፋሰይ
ብርኪ መሓዉረይ
ምናተይ ቅልጽመይ...

መልሓሰይ ልሳነይ
'ታ ሕብሪ ኣዒንተይ
መልከዐይ ድምቀተይ...

ሞተረ ናይ ውሽጠይ
ተስፋ መጻእየይ
መዓርገይ  ክብረይ
ኲርዓት መንነተይ...

ማህደር ናይ ታሪኸይ
ትዛሪ ኣብ ልበይ
ኣብ ድቃሰይ ሕልመይ
ኣብ ጋህዲ ምስ ውነይ...

ምስክር'ዩ፡
ኣካል መሓውረይ
ዝነቖረ ዓይነይ
ዝዘበለ ዓጽመይ
ዝፈሰሰ ደመይ
ዝተኸፍለ ዕድለይ...
ንኤርትራ ሃገረይ
ንዓኣ ንኽብረይ

ዶባት ዘወር በሉ
ኣብ ኩሉ ኩለሉ
ርኣዩ ኣስተውዕሉ

'ቲ ድፋዕ መዝገቡ
ንዓኣ ዝሕሉ
ዓይኑ ቋሕ ኣቢሉ
ድቃስ ተሓሪሙ
ዋርሳይ ይከኣሎ ስሙ
ዝፈቱ ሃገሩ
ከምቶም ሂወት ዝኸፈሉ
ዓወት ንሓፋሽ እንዳበሉ

Happy Birthday Eritrea! Your birthday is my second birthday.
ስእለ
May 20, 2019 3:03 PM
148.184.174.62
ልደት ኤርትራ እዩ
ስለዝኾነ፣
ሰናይ ኣውድኣመንት - ንኹልና ዕግበት 
ሰናይ ቅነ ነጻነት - ንኹልና ክብረት
ሓጐስ ዝመልኦ - ኩልና ንብህጎ
ሎሚ ይኹን ጽባሕ - ብሰላም ዝምራሕ
ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ - ተስፋ ስኒት ዘአንገደ
ንኹሉ ዘሕብር  - ፍቕርና ዘዐንተር
                ይኹነልና!
ስእለ
May 17, 2019 12:59 PM
148.184.174.61
'ቲ ትማሊ ጸልማት ከሎ ወጥሪ
ብመድፍዕ ብጥይት ክንነድድ ክንቆሪ
ናብ ሩሑቕ ቀረባ ክንስደድ ብሃውሪ
ክግረፍ ኣካልና ብኣስሓትያ ቊሪ
ብልዕቲ ክቕጥቀጥ መታን ከይንፈሪ
ኣብ ማእሰርቲ ንሕልፈት ክንበሊ
ሓደ'ኳ ኣይነበረን ዝዘሪ ዝሓሊ
ተዓዛባይ ነሩ ዋላ 'ቲ ፈጣሪ

ንቓንዛና ብስሓቕ ደቢስና
ብዕሩቑና ኲርምይ ኢልና ሞይቑና
ብተመስገን ከብድና ኣዐሽና
ጸገም የለን ምስ ጭርቃን ወሲኽና
ሓቦን ተስፋን ሓቂ ተዓጢቕና
ሕሰም ስቓይ ከም ንቡር ወሲድና
ሓሊፍናዮ ገድሊ ነጻነት ኣምጺና
ጨቢጥናያ ኤርትራ ሃገርና
ዋጋ ክቡር መስዋእቲ ሕሰምና

Happy 28th Independence Day Eritrea & ሓፋሽ!
ስእለ
May 16, 2019 7:10 PM
148.184.174.62
ወይ ፖለቲካ
ሕማም ርእሲ ዓኽታ
ሓቅነት ዘይብልካ
ሎምስ ፈሊጠካ
ሽጣራ ጠባይካ
ሕኸኸኒ ክሓከካ

በል ምሕረት የውርደልካ
ንፍትሒ ክትፈልጣ
ክትሰርሕ ተቢዕካ
እምበር ኣነስ ግርም ተዓዚበካ
ሑሩም ኢለ ከይኣምነካ
ስእለ
May 16, 2019 12:10 PM
148.184.174.61
ሓደ ነገር ኣስተብሂለ
ውሽጢ ልበይ ዘቕሓረ

እቲ ከዳዕ ስሱዕ ምነ
ሩሑቕ ማዕዶ ዝሓከለ
መንደልሓቒ ዝዓወነ
ሰሚዐዮ ክዋራዘ

ተበላጺ ዝወየነ
ብቕርሕንቲ ዝኸሓነ
ዑሱብ ወይጦ ተፈንፈነ
ረኺበዮ ምስቲ ዕነ

ከጋማድሕ ዘይተባህለ
ታሪኽ ሓፋሽ እንዳኣቚሰለ
ክዘናጥል ከይሓፈረ
ከደናግር ዘይወዓለ
ፍቱሕ ስረ ዘይተቐብረ

ሽመት ስልጣን ተመንዩ
ንዋይ ሃብቲ ክኸስበሉ
ሃገር ህዝቢ ግዳይ ገሩ

ካብ መኸተ ተሓቢኡ
ምስ ጸላእቲ ተጸጊዑ
ኣብ ምንቛት ዝነፈዐ
ሰነፍ ዑሱብ ዘይነቐሐ

ገጹ ትጥፋእ ዘይበልየሉ
ሩቡጽ ሓንኳል መጋብሩ
ካብ ሰነፋት ሸያጥ ክብሩ
MIK
May 16, 2019 2:08 AM
72.80.223.203

With talks of global warming and climate change almost everywhere I go, greening Eritrea has been on my mind for a long time. I am glad to learn from on ERI TV that the efforts embarked upon since Independence have paid off. Good job compatriots! Let's make Eritrea green again! It is said that there was a time when 30% of Eritrea was covered by trees!

ስእለ
May 13, 2019 6:48 PM
148.184.174.61
ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ኤርትራ
ኣብ ሩሑቕ ስደት ኣብ ዓዲ ጓና
ብፍቕሪ ሰላም ትነብር ጅግና
ክብርኻ ይስፋሕ ዘዐወትካና
ኣብነት ዜጋ ግርማ ዓለምና

ኤረይ ክትከብር ከይደፍራ ጓና
ቅድሚት ክትስጒም ብምዕብልና
ትማሊ ሎሚ እስኻ ዓይና
ኣብ ሽግር ራህዋ ኣለኹ ትብላ
ጽናዕ ከም ትማል ኣብዛ ባንዴራ

ስ እለ
May 13, 2019 1:20 PM
148.184.174.61
ኣቤት ሃገር - ጅግና ህዝቢ!
ዘይጽዓድ ኣብቲ ወጥሪ
ዘይንደል ለባም ብህሪ

መን ከማኻ ኣብዛ ምድሪ
ዘይሓርር ሱር ሮማዲ
ጎይታ ትብዓት ጽኑዕ ዕርዲ
ንበር ክበር መምህር ሓቂ

ሑጉስ ብዓል ልደት - ይኹነልኪ ዘንትእለት
                    ኤርትራ!!


ግርማይ
May 11, 2019 4:49 AM
2.89.201.20

መናፍቃን ኩሉ ግዜ ሓሶት ብምድርዳር ሰይጣናዊ ስርሖም እዮም ዘካይዱ። ሓደ ካብቶም ሓደስቲ መናፍቃን ዶ. ተስፋ ገብረመድህን ዝተባህለ እዩ። እዚ ስድራቤቱን ናብርኡን ክመርሕ ዘይክእል ሰብ ሓንጎሉን ልቡን ብጽልኢ ስለዝዓወረ ንሓቂ ፈጺሙ ክርእያ ኣይከኣለን። ስልዝኾነ ድማ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 28 ዓመት ዋላሓንቲ ከምዘይሰርሑ፡ ሃገር ኣብ ኩሉ መዳያት ትሕቲ ነጻነት ኩነታት ስለ ዘላ ኣብ ናይ ምንቅስቃስ ከምዝተጸንበረ ይሕብር። እንተድኣ ሃገር ኣብ ከምዚ ኩነታት ነይራ ኣበይ ነይሩ ክሳብ ሕጂ ዘይተዛረበ። ዝሓለፈ 20 ዓመት ኤርትራ ከምዝነበረት ክዝክሮ እውን ኣይደለየን።ዘገድሶ ሓሶት ደርዲርካ ናይ ጽልኢ ዕላማ ምዕዋት እዩ።

ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ምስ ኩሉ ዓለምለኻዊ ተጻብኦን እገዳን ኩናትን ንመንእሰያትና ካብ ሃገሮም ንምርሓቅ ዝተገብረ ፈተነ፡ ልዑላውነታ ኣጽኒዓ ኣብ ትምህርትን ሕክምናን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ሕርሻን ርኡይ ምዕባለታት ኣካይዳ እያ። ኣብ ኤርትራ ኣብ መብዛሕትኡ ስድራቤት ናይ ቀዳማይ ድግሪ ዘብላ ስድራቤት የላን። ኣብ መላእ ኤርትራ ዋላ ኣብቲ ርሑቕ ገጠራትን ሰበኣኽስማዊ መነባብሮ ዘለዎም ትምህርትን ሕርሻን ሕክምናን ኤለትሪክን ጹሩይ ዝስተ ማይ ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዘይብሉ ቦታ ፈጺሙ የለን።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ሽድሽተ ሃገራት ናይ ሚለንዩም ፕሮግራም ዘዐወተት ሃገር ምኻና ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝረኸበት ሃገር እያ። ኩሉ ዞኣይነት ተመሓላላፊ ሕማማት ካብ ሃገራ ዘጥፈኣት ሃገር እያ።

ነዚ ኹሉ ኪሕድካ ዝነደርካሉን ዝተቃለስካሉን ብገለ ወገናት ተደፋፊእካን ከተሐጉሶም ኢልካ ንሃገር ምኽሓድ ኣብ ናይ ህውከትን ዕግርግርን ዝደልዩ ካሓድቲ ምስላፍ ናይ መናፍቃን ስራሕ እዩ።

ስእለ
May 10, 2019 2:36 PM
148.184.174.61
ሓረስታይ

ኩለሎ ግራትካ
ካብ ጻህያይ ሓሰኻ
ካብ ነፋሪ ኣምበጣ
ኩብኩብታ ቃቒጣ
ተጻይ ፍርያትካ
ከይሰርቆ እቶትካ

ሕረሶ ኣብሲልካ
ምስ ድዂዒ ሓዊስካ
ብግዜ ብሽዓ
ክብርክት እቶትካ

ፈላጥ'ውን ተወከስ
ዝተማህረ ኣብ ማሕረስ
ከመይ ከም ዝዂስኮስ
ዝቕንጠብ ዝሕፈስ

ፍልጠትካ ኣዕብዮ
ዕዳጋ ምልኣዮ
ኤርትራ ትደልዮ

'ቲ ቅጫ ክሓስር
ፋብሪካ ክስስን
ሃገርና ክትምዕብል
እስኻ ትውስን

ERi-TV, Eritrea - ጸብጻብ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዋዕላ ደቡብ ኮርያ አፍሪቃ | Reportage on President Isaias Afwerki's visit to South Korea for the South Korea-Africa Summit, held from June 3-4

Dehai Events