Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Mar 28, 2019 3:49 PM
148.184.174.61
ዓሉሉላ ኣጣቑዑላ
ባቡር ሓላላት ትውንጨፍ ኣላ
ኣብ ሓዲድ ፍቕሪ ሰላም ዓቲራ
ኩሉ ክትበጽሖ ናይ ትማል ሕልማ
ጉዕዞ ምዕባለ ብመስመር ሓራ
ነብሳ ክትክእል ክዓቢ እንጀራ
Twin Cities St. Paul & Minneapolis
Mar 28, 2019 10:51 AM
73.37.181.254

"ይኣክለኩም ይቅረ ሕተቱ"

ማሕበር ፍቱሓት
"ይኣክለኩም ይቅረ ሕተቱ"
እንኻን ምስ ሃገርኹም ምስ ቃል ኪዳንኹም
እንኻን ምስ ህዝብኹም ምስ ቤቴሰብኹም
ሃገርም ኣክቡሩ ቃልኺዳንኹም አጽንዑ
ህዝብኹም አፍቁሩ ስድራኹም ሕቀፉ  
ምስ ኩሉ ኣትባኣሱ ናብ ልብኹም ተመለሱ
እንተ ሓመምኹም ንስድራኹም
እንተ ሞትም ንህዝብኹም
ይኣክለኩም ይቅረ ሕተቱ
ናብ ልብኩም ተመለሱ
ዕቡያት ኣይትኩኑ ቱሑታት እምበር

Message from Minnesota 
ንማሕበር ፍቱሓት

MIK
Mar 26, 2019 5:39 AM
72.80.222.144

Weyane and their messengers,

Yi'akhlekum'ba nisikhatkum! When are you going to stop taking as a stupid!

ስእለ
Mar 25, 2019 5:32 PM
148.184.174.62
ክርህጽ'የ ክደክም ክጽዕር
ከም ሃገር ከም ህዝቢ ክዕምብብ ክግርም
ክብርኽ ክደምቕ ብነብሰይ ክሓድር 

ክቕጽል'የ ክዓቢ ክስጒም
ኳዂቶ ኣልጊሰ 'ቲ እግሪ ዘሐምም
ዕንቅፋት ምዕባለ ዝሰልጦ ከቚረምርም

'ቲ ራህዋ ክብጻሕ 'ታይ'ሎ ዘጸግም
ሓፋሽ ተጎዝጒዝካ ንኹሉ ዝዓምም
ምስ መትከል ሻዕብያ ኣብ ስራሕ ዝኣምን

ወትሩ ኣብ ጻዕሪ ውሽጡ ከበራብር
ምጽወታ ትኳቦ ካብ ልቢ ዝፍንፍን
ብዓል ነዊሕ ራኢ ኤርትራ ዘቐድም

ኣብ ጽንኩር ኣብ ራህዋ ብጽፈት ዝእምም
ዓቕሊ እንጣጢዕ ሽሮ ኣብ ጎኑ ዘይዕደም
ናይ ኣፍ ወሓላሉ ዘይሰምዕ ዝጽይን

ብመትከል ዝጓዓዝ ሰላም ንኽሰፍን
ንፍትሒ ማዕርነት መስዋእቲ ዝኸፍል
ምስ ርሑቕ ጎደቦ ንሕበር ፍቕሪ ዝብል
ሻዕብያ'ዩ ንሱ ሎሚ ይኹን ቅድም
ስእለ
Mar 22, 2019 12:54 PM
148.184.174.61
መጽሓፍ "ግፍዒ" ኣምቢበያ
ንኣፍልጦይ ኣዕብያ
ንውሽጠይ ተንኪያ
ንብዓት ዝኽሪ ኣዛርያ

'ቲ ግፍዒ 'ቲ ስቓይ
'ቲ ብኽያት ዋይዋይ
'ቲ ጭካነ ኣባይ
ኣይሃበንን ሰናይ

ብጥይት ብሳንጃ
ብሓዊ ብቦምባ
ስድራ ቤት ክሃልቃ
ንስደት ክግዕዛ
ዓድታት ክነዳ
ተራእዩኒ 'ቲ ዝምታ
'ቲ ጸበባ ዋጭዋጭታ
ኣሕሪቑኒ
ናይ ዓለምና ስቕታ

ስእለ
Mar 19, 2019 5:11 PM
148.184.174.61
ባቡር ሰላም...

ኣብ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ
ኣብ ሃገር ሱዳን ኣብቲ ሶማልያ
ኣብ ጂቡቲ ሃገረ ኬንያ
ሰላም ሰፊኑ ናይ ሓባር ሕርያ
ምስ ተገለፈ 'ቲ ዘርጊ ጭፍራ
ሓሳድ ጒጂለ ፈጣር መከራ

ዒፈል 'ዩ ነሩ ጒልሕንጣ ሰላም
ጸቢብ ኣእምሮ መዝማዚ ትኳን
ዘማቲ ሽፍታ ብቐትሪ ጸላም

ብዝኾነ፡

ባቡር ሰላም ባቡር ኣስመራ
ንሰላም ፍቕሪ ትፋጺ ኣላ
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ጎዶቦና

በሉ መርሓባ - ተቐበልዋ
ብፍቕሪ ሓጐስ ኣእንግድዋ
ረብሓ ህዝቢ 'ዩ ረብሓ ኩልና
ካብ ጸገም ሽግር ዘናግፈና

ስእለ
Mar 18, 2019 6:25 PM
148.184.174.61
ሓደ ነገር ተማሂረ
ፈሊጠ ኣስተብሂለ
ኣብዛ ዓለም ዕረ

ዒፈል ሰብ ከም ዘሎ
ሕልና ዝጎደሎ
ኣብ ምጽያቕ ዝዓርቦ

ሓውላል ጠምባር ዓይኑ
ጉልሕንጣ ኣብ ኩሉ
ዕብየት ዘጽልኣሉ
ንሱ እንተዘይብሉ

ሩሑቕ ወሰን ኮይኑ
መንፈሱ ቀቲሉ
ዘጸልም ሃገሩ
ዑሱብ ጓሓላሉ

ተልመዴን ፖለቲካ
ናይ ሰላም ማሕለኻ
ዘይልካዕ ገበንካ
ደጊም ይኣኽለካ
ኣብቂዑ'ዩ ግዜኻ
ምስ ጭፍራ ጎይታኻ
ስእለ
Mar 11, 2019 6:37 PM
148.184.174.61
ገለ ግበሩ!

ዶላር ($) ርገሙለይ
እወ የህ በሉለይ
ባይታ ክዘብጠለይ
ሓይሉ ክደኽመለይ
ዲሂኽዎ ዓቕመይ

ገለ 'ባ ግበሩ
ቅልጽምኩም ኣሕብሩ
ክምከት 'ቲ ሓይሉ
ተጎደለ ክብሩ

ሰብ ተዋሪዱ
ዓለም ኣናዊጹ
በደሉ ከቢዱ
ቢኢሱ ገዲዱ

ብሒም ዝበለ ክሳዱ ዘልዓለ
መንገዲ ስርቂ ዘይተኸተለ
ሃርጓም ፖሊሲ ዘየገልገለ
ዶላር ይሕረም መታን ክእለ
ስእለ
Mar 8, 2019 6:56 PM
148.184.174.62
Happy March 8th to all sisters and mothers of Eritreans!

ተሞጎሲ ኣንቲ ጅግና ዓይኒ
ዝወፈርኪ ሃገር ክትሕርሪ
ዝመከትኪ ኣብ ውዕሎ ትማሊ
ዝሓነንኪ ኣብቲ ቀውጢ ወጥሪ
መን ከማኺ እልል 'ስከ በሊ

ተዘካሪት ኲርዒ ተሓበኒ
ዋልታ ኢኺ ጸላእቲ ተድንኒ
ንሃገርኪ ኩሉ ትምንኒ

መን ከማኺ ጀጋኑ ትፈሪ
ኤረይ ኢሉ ኣብ ግጥም ስዓሪ
እስኺ ዘይብሉስ ጸልማት 'ዩ ቁሪ

እስኺ ኣደ እስኺ ሓፍቲ
እስኺ ሓልዮት እስኺ ፍቕሪ
እስኺ ተስፋ  እስኺ ስንቂ
እስኺ ጎብለል እስኺ ዕጥቂ
ዘይትምለሲ ሃገር ምስ በልኪ 
ሰነድ መስካሪ 'ቲ በሰላኺ 

ትማሊ ብጠበንጃ ቦምባ
ሎሚ ብባዴላ ኣፍራዛ
ሃገራ ትሃንጽ ምስ ኣሕዋታ ደቃ
ብጀካኽስ መን ኣሎ ኣብ ኣፍሪቃ?

በሊ
ሰስኒ ማዕብሊ
ትምህርቲ ኣፍቅሪ
ንኹሉ ክትገጥሚ
ንሱ'ዩ 'ቲ ሓይሊ
ስእለ
Mar 8, 2019 12:28 PM
148.184.174.62
ፖለቲካ

‘ዚ ፖለቲካ ሽንፍላ ቃንዛ 
ዓመጽ ምትላል ዘይብሉ ባህታ
ኣብ ምምሕዳር ዘለዎ ኢንታ
ሓብሓቢ ኣድልዎ ብዘይ ስክፍታ

ከም ነፋሒቶ ተገላባጢ
መእሰሪ ኣልቦ ዘየብሉ ልሕጺ
መደናገሪ ፈጣሪ ነውጺ

ጉዳም ተግባሩ ዘንብዕ ዘስሕቕ
ረጋጺ ፍትሒ ልቢ ዝፍሑቕ
ብዙሕ ኣበሩ ፍሩይ ምስ ደቂቕ

ስንኩፍ ጠባዩ ካሓዲ ዓርኩ
ሕሉፍ ዘይዝክር ረብሓ ሂወቱ
መደናጋሪ ሓቂ ጸልማቱ
ስእለ
Mar 7, 2019 7:13 PM
148.184.174.62
እዚ ፖለቲካ ከጽልኣካ
ዓመጽ ምትላል ዘይብሉ ባህታ
ውሽጡ ሽንፍላ እንተፈተሽካ

ከም ዉሕጅ መረብ ተገላባጢ
መእሰሪ ኣልቦ ዘየብሉ ልሕጺ
መደናገሪ ፈጣሪ ነውጺ

እንዳጎጠየ ዘንብዕ ዘስሕቕ 
ረጋጺ ፍትሒ ልቢ ዝፍሑቕ
ነውራም በደሉ ፍሩይ ምስ ደቂቕ

ስንኩፍ ጠባዩ ካሓዲ ዓርኩ
ሕሉፍ ዘይዝክር ረብሓ ሂወቱ
መደናጋሪ ሓቂ ጸልማቱ
ስእለ
Mar 5, 2019 2:48 PM
148.184.174.62
"ዕንዱ"

ኣይትተሃወኽ ምርባጽ ግደፍ 
ኣይ ናይ ጥዕናን ቀትሪ ሃተፍተፍ
ቅድሚ ምውቃስካ ነብስኻ ንቐፍ
 
ዓጀውጆው ሕደግ ህድኣት ተማሃር
ክልተሳዕ ሕሰብ ነውሪ ምዕግርጋር
ነብስኻ ፈትሽ ኣይትኹን ቅሓር
 
ሕጂ'ውን
ምቑዛም ግደፍ ትዕግስቲ ግበር
ውሽጥኻ ግታእ ትም ኢልካ ኣይትዕፈር
ንዕቱብ ስራሕ ምስ ለባም ምኸር
 
ኣነ እፈልጥ ትዕቢት ‘ዩ ውድቀት
ተማሃር ታሪኽ ዝበካ ክብረት
ኣብ ስራሕ ኣድህብ ንለውጢ ዕብየት
MIK
Mar 3, 2019 8:05 PM
72.80.222.23

White Noise

Dear Compatriots,

Notice how those against our government regurgitate the same propaganda the Weyanes do. They both rely on lies, misrepresentation of facts, distortions, illogical arguments and loud noise of tangential and trivial occurrences. It is just white noise! We have learned to filter that out and focus on the prize! Keep all eyes on the ball!

I personally would like to ask them questions that I have asked before, with modifications of course, since times have changed and events are on Eritrea's side.

1) What is your aim? What are the policies you would pursue? How are they different from those of the government of Eritrea?

2) We know very well about your relationship with the Weyane. We Eritreans and the people of Ethiopia have rejected the Weyane as destructive elements and enemies of peace in the Horn of Africa? We also notice that the Weyane has devised a set of contingent plans to saw discord and chaos in our region--all based on its ethnocentric, divisive and racist ideology. We think you--those who call yourselves "the opposition" of Eritrea are just one of their tools of this racist trade.

2a. Why don't you have a SOVEREIGN mind?
2b. How do you see the Eritrea you envision (rather the Eritrea of the mirage in front of you!) and its relationship with Ethiopia under the Weyane back in Menelik Palace?
2c. If not with the Weyane, then how will your relationship with the current Ethiopian government be?

I am waiting for your answer.

ኣምባቢ
Mar 3, 2019 7:07 PM
172.58.43.186
ይኣክል በዓል ኣምሰሉ ጽቡቅ ኣለና ኢልኩም ተታልሉ ካብ ሓፋሽ ትምንጥሉ ሃባ እምበር እንካ ዘይትብሉ ይኣክል ንብለኩም ህግደፋውያን መወዳድርቲ ጨካን ባዕዳውያን ሃይማኖት ዘይብልኩም ክሓድያን ክብረት ዘይብልኩም ንኣረጋውያን መግደፍ ተግድፉ ካብቁዱሳን ጥዕም ዘውጽእ ዘይብልኩም ልሳን ንቀሺ ትብዎ ሽጉጥ ኣሕዲግኩም ድርሳን መቃብርኩም ዘይፋሓር ርኩሳን መርዓዊ ትደፍሩ ኣብሕጹነቱ መታን ከይፈሪ ከተጽንቱ ኣዳም ገረሞ ታሪክኩም ዘዘንቱ ግብርኩም ን ሂትለር መወዳድርቱ ነተን ደቀንስትዮ ኣሕዋትና ዘውረድክሞ ሃሳይ ጭኮና ኣብ ሳዋ መፍላሕቲ ቡን ዝኮና በቶም ሰራማት ክብረን ዝሰኣና ይኣክል ቲ ህልቂት ናይ ኣውያት ትልሂት ኣሲርካ ጥንቅሊዒት ኣረሜናዊ ጽፍዒት እኖሆ እምበኣር ክንብሎ ይኣክል ህዝቢ ከማሓድር ንዘይክእል ኣብኩሉ ፈሺሉ ዘበለና ዕንክሊል ህግደፍ ዝብልዎ ብስቃይና ዝዕልል
ኣምባቢ
Mar 2, 2019 4:40 AM
172.58.43.8
ኮሊፍካኒ ካብሱግሚ
ኮሊፍካኒ ካብ ትልሚ
ኮሊፍካኒ ቲ ጽቡቅ ሕልሚ
ኮሊፍካኒ ገዲዱ ካብዓሚ

ኮሊፍካዮ ትጽቢተይ
ሃገር ምህናጽ ድሌተይ
ኮሊፍካዮ ኩሉ ፍልጠተይ
ከየካፍል ንፈቃር ህዝበይ

ኮሊፍካዮ ድሌታት ምህሮ
ንኩሉ ጌርካዮ ደንቆሮ
መታን ጽቡቅ ከይሱቆሮ
ኣህዲምካዮም ንኩሉም ተማሃሮ

ድሕሪት ኣትሪፍካኒ
ዓመታት ጎቲትካኒ
ታ እንኮ ዝነበረትኒ
እነሆ መንዚዕካኒ

ካብ ዓለም ቀዳመይቲ
ዘይብላ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ
ገሪምዎም ሰማዕቲ
ሕሉፍ ኢዩ ዚ ናትና ገባቲ

ኮሊፍካኒ ካብ ሓዳር
ቤተሰብ ካብ ምፍጣር
ተፋቂርካ ካብ ምሕዳር
ሸሚምካኒ ኣብ ሓሳር

ዘይትፈልጥ እንትርፎ ምእሳር
ከምዝብኢ ብለይቲ ምክታር
መክት እንዳበልካ ምዝውታር
ብዘይ ዓስቢ ኣብ በረካ ምሕዳር

ኮሊፍካኒ ከይበራበር
ባሕረይ ከይብርበር
ሰሪሐ ከይምእርር
ምስ ስድራይ ከይሓብር

ሰራሕተኛ ኔረ ህርኩት
ብ ኢደይ ፋሕቲረ ዝብርኩት
ቀኒእካለይ ምስ ሓረድኩ ሙኩት
ሓሳድ ናይብሓቂ ዘይናቱ ዝሁንኩት

ኮሊፍካኒ ኩሉ ኢድካ ኣይትስኣን
ንዓካ ዝኣሊ ዶ ታ ይሰኣን
ጸላም ኣልዩ ዘምጻኣልና ብርሃን
ኣጆኩም ኣጆና ክወግሕ ኢዩ ደሓን


Yonatan Solomon Russom
Feb 28, 2019 4:56 PM
205.141.67.16

Pledge for Bright Future of Eritrea

Dear Dehai members

Please support my fund raising cause !!!

Pledge for Bright Future of Eritrea

Let us use social media to support the family of martyrs and war disabled veterans of Eritrea.

The support the families of martyrs and war disabled veterans attests to the honor our fallen and disabled heroes. As an Eritrean who lives in diaspora, it is our responsibility to assist the war disabled veterans and it is not to be left to our Government. All of us Eritrean and including Eritrean friends can make a difference in supporting our cause. We can share this message in Tweeter, face book Google+, comment, email and Chat. Etc. Using the social media how much can gather voluntary contribution donations from individuals. This donation can be donated to disabled war veterans. Helping our heroes families is our obligation. We all can see all fund online and it is for the name of martyrs and war veterans. Our names will be listed. In support of war-disabled veterans, orphans and families of Martyrs, there is nothing that gives you more satisfaction in life. It shows that we care and we did not forget our responsibility. They are in our mind. Thanks to them we were able visit our country and families. We work and make a living and we should also support families back in Eritrea out of our earning by June 20, 2019 Together we can do so much, please donate and see link below.

https://www.gofundme.com/eritrean-pledge-for-bright-future

Thank you

Awet Nihafash
Victory to the mass

ስእለ
Feb 27, 2019 6:05 PM
148.184.174.62
'ዚ ዒታ ጭፍራ ሂወት ዘይብሉ
ሌባ ጒጂለ ወያነ ስሙ
ካብ ሕጊ ፍትሒ ትግራይ ሃዲሙ
ኣብ ሾሻል ሚድያ ዕብዳን ጀሚሩ
ሰላም ክቐትል እንተኾይንሉ

ሙዉት ሕልና ፍንፉን ብኹሉ
ሓቂ ክርዳእ ጎደሎ ዓቕሙ
ኣብ ሾሻል ሚድያ "ገድሊ" ጀሚሩ
ዉሑዳት የዋህ ኣደናጊሩ
ዕድመ ክልቅብ እንተኾነሉ

ወይ ጉድ!

መስሓቕ ሸራፋት ዓቕሙ ዘይፈልጥ
ኣብ ባዶ መሬት በይኑ ዘዕለብጥ
ሕማቕ ሓሰኻ ኣይሰብ ኣራዊት
ኣምባቢ
Feb 26, 2019 8:06 PM
172.58.43.78
ደጊም ይኣክል ህውተታ
ርትዒ ነቀምጥ ኣብ ባይታ
ህዝቢ ይህብ ኣሎ ስምዕታ
ከይከውን ሃገር ሞይታ ተጎቲታ

ዝተመንዛዕናዮ ቲቀደም
ተከፊልዎ ዓጽሚ ምስ ደም
ታይጸገም ኣሎ ንክድገም
ከፊእዎ እንተ በጺሑ ገምገም

ምጽማምና ኣመና በዚሑ
ምሳኩም ኢየ ብዓውታ ነቢሑ
ን ብዙሕ ኣታሊሉ ግዜ ነዊሑ
ሎሚ ግን ይኣክል ኩሉ ጎሪሑ

ይብል ኣሎ ህዝቢ ንበገስ
ኣይፋል ንበል ኣይንተዓገስ
ድምጽና ነስምዕ ኣይንህሰስ
ናብ ጉዳይ ሃገርና መሊእና ንፍሰስ

ውሑዳት ኢዮም ቶም ጠለምቲ
ብዘይ ኣስሓኮ ደምና መጸይቲ
ስጋና በሊዖም ጀሚሮም ኣዕጽምቲ
ኣብ ናይ ታሪክ ሓተላ ይኮኑ ተረፍቲ

ደጊም ሓደ ኢና ኩልና
ፈታው ጸላእ ካብ ኣለለና
ኢድን ኢድ ተታሓሒዝና
ክንመልሳ ኢና ኤረ ክብረትና


ስእለ
Feb 25, 2019 7:50 PM
148.184.174.62
ቅድድም ብሽግለታ
ኣብ ማረኮ ሩዋንዳ...
ኣብ መላእ ኣፍሪቃ
ኤርትራ ተዓዊታ

ኣየ ዳንጋ ኣቤት ርእሲ
ንያት ሓቦ ሙሉእ ዕጥቂ
ዘይስዓር ኣብቲ ቀውጢ

ኣብቲ ጎልጎል ኣብቲ ዓቐብ
ኣብቲ ቁልቁል ኣብቲ ውጥረት
ኣብቲ ኲርናዕ ሸተት መተት
ወይከ ክምህ ድሕሪት ዘጠጥ

ደቂ ኤረይ ጎይቶት ዓወት
ኣመስኪርኩም ጥበብ ክእለት
መን ከማኹም ሽኳ ፍጥነት
ተሓበኑ ንዘንትእለት

ኮኾብ ጽባሕ ብርሃን ኢኹም
ኤርትራ ኣሕቢንኩም
ኣብ ዓለምና ተጸዊዕኩም
ስእለ
Feb 25, 2019 3:41 PM
148.184.174.62
ነውሪ ዘይፈልጥ ጭፍራ!

ወረጃ መሰል ኣብ ባይቶ
ጋሻ ንዘይፈልጦ
ምኳኑ ቢጣጦ
ንፋስ ዘራጊቶ
ቀትሪ ዝጸልመቶ

ተፈታሕካ ጥራሕ ቊጻር
ዘየብሉ ፍረ ንጣር
ሕላገቱ ስርቂ ዳም-ዳም

ሌብነት ዘየሕፍሮ
ኩሉ 'ቲ ዝገብሮ
ንለባም ገረሞ

ይራሲ ዘይናቱ
ምልዓል ክእለቱ

ደርፍና ዜማና
ቂኒትና ግጥምና
ቅብኣና ጥበብና
ይሰርቕ ድሕሬና
ፍቓድ ከይበለና

ግርም'ባ!
ብዘይ ኲታኻ ወለል
ዘይጠስምኻ ጸረር
ጒሒልካ ክጒብለል

ወይን ቁሩብ ሕፈር
ተኸደን ተሰተር
ኣኽፊእካ ብዘይ ቀልዓለም

ERi-TV, Eritrea - ጸብጻብ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዋዕላ ደቡብ ኮርያ አፍሪቃ | Reportage on President Isaias Afwerki's visit to South Korea for the South Korea-Africa Summit, held from June 3-4

Dehai Events